ኢኳቶርያል ጊኒ ንመጀመርታ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸይማ

ማኑኤላ ሮካ ቦቴይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢኳቶርያል ጊኒ ኮይና ተሸይማ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ነቲ ስልጣን ዝሓዘት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ኣላ።

ካብ 1979 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማ ምባሶጎ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ እዩ ነቲ መዝነት ኣፍሊጡ።

ኣብ 2020 ሚኒስተር ሃገራዊ ትምህርቲ ኮይና ናብቲ መንግስቲ ዝተጸንበረት ማኑኤላ ሮካ፡ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኢኳቶርያል ጊኒ ምክትል ዲን ፋኩልቲ ሰብኣዊ ስነፍልጠትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ኮይና ክትሰርሕ ምጽንሓ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ይጠቅስ።

ንሳ ነቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብቲ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ፍራንሲስኮ ፓስኩኣል ኦባማ ኣሱ ክትክኦ እያ።

ወዲ እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ቴዎዶሮ ንጉማ ኦብያንግ ማንጉ፡ ነታ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እንቋዕ ሓጎሰኪ ብምባል ደገፉ ገሊጹላ።

ንሱ፡ "ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ንፈለማ እዋን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ተመዚዛ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ብተወሳኺ፡ "እዚ እታ ሃገር ንጾታዊ ማዕርነትን ዕድላትን ዘለዋ ተወፋይነት ዘርኢ ተወሳኺ መርትዖ 'ዩ። እንቋዕ ሓጎሰኪ ማኑኤላ ሮካ ቦተይ!" ኢሉ።

ማዕረ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንግስቲ ንዲሞክራስን ምዕዋት ዘላቒ ልምዓትን ማዕርነታዊ ሕብረተሰባትን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ይረክብ እኳ እንተሃለወ፡ ሕጂ’ውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ድሩት ምዃኑ ይንገር።

ንሓንጸጽቲ ፖሊሲ ክሕግዙ ዝዓለሙ ተኸታታሊ ጸብጻባት፡ ሓተታታትን ፍጻሜታትን ዘውጽእ ፎርሳይት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻቡ፡ ብዓለም ደረጃ ግን ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ’ውን ካብቲ ዘሎ ናይ ባይቶ መናብር 25.7 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝሓዛ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ካብ መራሕቲ ሃገራት 7.2 ሚእታዊት ከምኡ’ውን ካብ መራሕቲ መንግስቲ 6.2 ሚእታዊት ጥራይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና የመልክት።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 24 ሚእታዊት መንበር ባይቶ ይሕዛ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዓለማዊ ገማግም ብዙሕ ዝርሕቕ ኣይኮነን።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ብዓቢኡ ልዑል መጠን ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣሎ፤ ብቕደም ተኸተል 31 ሚእታዊትን 32.4 ሚእታዊትን ደቂ ኣንስትዮ ውክልና ባይቶ ሒዘን ይርከባ።

ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብውክልና ባይቶ ደቂ ኣንስትዮ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ 20 ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ 60 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዘለዋ ሩዋንዳ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ እያ።

ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ፎርሳይት ኣፍሪቃ ይገልጽ።

ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ መፍትሒ ጸገማት ከም ዝኾና ኣመስኪረን እየን። ኣብ ቅድሚ መግዛእቲ ዝነበረ እዋን ወተሃደራት መሪሐን፡ ኣብ እዋን ምንቅስቓሳት ነጻነት ተቓሊሰን፡ ድሕሪ ግጭት ኣብ ዝነበረ እዋን መሰጋገሪ መራሕቲ ኮይነን እየን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጥዕናዊ ቅልውላዋት መበል 21 መሪሐን ብቕዓተን ኣመስኪረን እየን።

ይኹን እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ብታሪኽ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ምስታፍ ማዕረ ዕድላት ኣይረኸባን።

ኣብ ኣፍሪቃን ኣብቲ እቲ ካልእ ክፋል ዓለምን ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ምሕደራን ገና 50 ሚእታዊት ከም ዘይበጽሐ ጸብጻብ ፎርሳይት ኣፍሪቃ 2022 ይሕብር።