ክብረወሰን ንምስባር ን126 ሰዓታት ብዘይ ምቁራጽ ዝደረፈት ጋዜጠኛ

ፍልጥቲ ጋዜጠኛ፣ ፕሮዱዩሰር ተለቪዥንን ፈጣሪት ስራሕን ዝኾነት ጋናዊት ኣፉዋ ኣሳንቴዋ ስማ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ክተጽሕፍ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝደረፈት ተገሊጹ።

ን126 ሰዓታት ብዘይ ምቁራጽ ድሕሪ ምድራፋ ካኣ ባንዴራ ሃገራ ተኸዲና ብዝላሕተተ (ብዝተዓጸወ) ጎሮሮኣ ንኹሎም ኣብዚ ጻዕሪ ምስኣ ዝነበሩ ኣመስጊና።

ጓል 33 ዓመት ኣፍዋ ንሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምድራፋ ኣዝያ ስለዝደኸመት ኣብ ኣየናይ መዓልቲ ከምዘላ’ውን ክትዝክር ኣይትኽእልን ነይራ ተባሂሉ።

ነቲ 24 ሰዓታት ብዝደረፈ ካልእ ሰብ ተታሒዙ ዝፀንሐ ክብረወሰን ክትሰብር ካብ ዋዜማ ልደት ጀሚራ ዝፀዓረት ኮይና ጻዕራ ፍረ ኣምጺኡ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ግን ንዝተወሰነ እዋን ክትዕገስ ክትግደድ እያ።

ኣፍዋ ኣሳንቴዋ ንዝተሳተፈትሉ ናይ ሙዚቃ ማራቶን ዘሰናድኡ ኣካላት ን126 ሰዓትን 52 ደቓይቕን ብዘይምቁራጽ ከምዝደረፈት መስኪሮም ኣለዉ።

መምርሒታት ክብረወሰን ዓለም (ጊነስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ) ኣብ መንጎ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ክትገብር ይፈቕደላ እዩ።

ስለዚ ኣሳንቴ ኣብ ድምር ሓሙሽተ ሰዓታት ውሽጢ ናይ 20 ደቓይቕ ጥራይ ዕረፍቲ ረኺባላ ማለት’ዩ።

ብዝደኸመ ድምጻ "እዚ ናይ ሙዚቃ ማራቶን ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ሓደስቲ ዕድላት ንክፍትና ከም መነቓቕሒ ክኸውን ተስፋ እገብር" ኢላ።

እዛ ቅድሚ ሕጂ ብፈጠራ ስራሕን ውድድር ጽባቐን ትፍለጥ ዝነበረት እዛ ጋዜጠኛ ብፍላይ ኣብ መዓልቲ ልደት ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒባ እያ።

ኣሳንቴዋ ኣብ እትደርፈሉ እዋን ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ባውሚያ ሓዊሱ ፍሉጣት ድምፃውያን፣ ተዋሳእትን ፀለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብተን ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ጋና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝተደርፋ 125 ደርፍታት ከም ዝደረፈ እውን ይግለጽ።

መንፈሳዊ መዝሙራት ከምኡ’ውን ሃገረሰባውን ድምቕ ዝበሉ ሙዚቃን ካብ ሞንጎ’ቶም ዘቕረበቶም ደርፍታት እዮም።

እዚ ድማ ከም ኣካል ምልላይ ባህሊ ሃገራ ኮይኑ ተቖጺሩ’ሎ።

ድምፂ ዕዱማት ንኸይርብሻን ከየተኣጓጕላን ብዝብል ብድሕሪ መስትያት ደው ኢላ ክትደርፍ ከምዝተገበረ እውን ተገሊጹ።

ምሉእ እቲ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ደርፋ ተቐዲሑ ናብ መዝገብር ክብረወሰን ዓለም (ጊነስ ዎርልድ ሪከርድስ) ዝተወሃበ ኮይኑ ናይ መሰኻኽር ድማ ርእይቶ እውን ተኻቲቱሉ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት ጎረቤት ጋና ኣብ ዝኾነት ናይጀርያ ንልዕሊ 90 ሰዓታት ምግቢ ብምብሳል ስማ ኣብ ክብረወሰን ዓለም ክተአትው ዝኸኣለት ሼፍ ምንባራ ይዝከር።