እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሰር ጸጕሪ ልኡል አለማየሁን ብእንግሊዝ ዝተዘረፈ ታቦትን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ
ኣሰር ጸጕሪ ርእሲ ልኡል አለማየሁ ቴዎድሮስን፡ ብሰራዊት እንግሊዝ ካብ መቕደላ ተዘሪፉ ዝተወሰደ ታቦትን ዝፈላለዩ ቅርስታትን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም፡፡
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነቶም ቅርስታት ከምዝተረከበ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ካብቶም እቲ ኤምባሲ ዝተረከቦም ቅርሲታት ድሕሪ ኲናት መቕደላ፡ ካብ መቕደላ ዝተዘረፈ ታቦት መድሃኔአለም፡ ኣሰር ጸጕሪ ልኡል አለማየሁ፡ ካብ ብሩር ዝተሰርሑን ነሐስ ዝተቐብኡን ሰለስተ ዋናጩ ከምኡ እውን ኣብቲ እዋን ኣብ ኲናት ንመዋግኢ ዘገልገለ ዋልታን ይርከቡዎም፡፡
ኣብቲ ብሓሙስ 21 መስረም 2023 ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ቅርሲታት፡ ሓለፍቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፡ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ኮሚተ ምምላስ ቅርስታትን ነቲ ከይዲ ዘተሓባበሩ ውልቀ ሰባትን ተረኺቦም፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ተፈሪ መለስ፡ እቲ ኤምባሲ ካብ መቕደላን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ተዘሪፎም ናብ ብሪጣንያ ዝተወሰዱ ቅርስታት ንምምላስ ንዝምልከቶም ኣካላት ሕቶ ከምዘቕረበን እቲ ጻዕሪ ከምዝቕጽልን ምግላጹ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ፡፡
እቲ ኣምባሳደር እቶም ትማሊ ሓሙስ ዝተረከብዎም ቅርስታት ኣብ ግቡእ ቦታ ክቕመጡ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ተዛሪቡ፡፡
ኣብ 1868 [ኣኣ] ድሕሪ ኲናት መቕደላ ካብቶም ብሰራዊት እንግሊዝ ተዘሪፎም ዝተወሰዱ ሓደ ዝዀነ ታቦት መድሃኔአለም ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ክትርከቦ ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ፡፡
ጸጕሪ ልኡል አለማየሁ
ቅንጣብ ጸጕሪ ልኡል አለማየሁ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለስ ምግላጹ ንኣባላት እቲ ቤተሰብ ከምዘሐጐሰ ራብዓይ ትውልዲ ቤተሰብ ሃጸይ ቴዎድሮስ ዝዀነ ፋሲል ሚናስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ምምላስ እቲ ጸጉሪ "ከም ሓደ ኢትዮጵያውን ቤተሰብን ዝበለጸ ታሕጓስን ትርጕምን ኣለዎ" ዝበለ ፋሲል፡ ኣብ ቀጻሊ ድማ "ኣዕጽምቲ ልኡል አለማየሁ ክምለስ እንተዝከኣል ጸቡቕ እዩ" ኢሉ።
እንተዀነ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ናይቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ዝተቐበረ ኢትዮጵያዊ ልኡል ኣለማየሁ ቴዎድሮስ ዓጽሚ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዘይቅበሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ቤተሰብን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣስከሬን ናይቲ ልኡል ክምለስ ዝሓተቱ ኰይኖም፡ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ግን "ነቲ ሕቶ ምላሽ ምሃብ ኣይንኽእልን፡ ኢሉ ነይሩ፡፡
እቶም ቅርስታት ናብ ኢትዮጵያ ምምላሶም ኣወንታዊ ስጕምቲ ከምዝዀነ ዝገልጽ ኣንትሮፖሎጂስትን ኣባል ኮሚተ ምምላስ ዝተዘረፉ ቅርስታት ኢትዮጵያን ዝዀነ ኣሉላ ፓንክረስት፡ ኣብ መንጐ ትካላትን ተመራመርትን እንግሊዝን ኢትዮጵያን ዝሓሸ ርክብን ምትሕብባርን ንምፍጣር ጽቡቕ ስጕምቲ ከምዝዀነ ሓቢሩ፡፡
እቶም ትማሊ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተረከቦም ቅርስታት ክምለሱ ክተሓባበር ዝጸንሐ ሼሄራዜድ ዝተባህለ ትካል ምግባረ ሰናይ ኣብ ውጸኦ መግለጺ፡ ዘለላ ጸጉሪ ልኡል አለማየሁ ካብ ኣባላት ቤተሰብ ካፒቴን ስፒዲ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ፡፡
ነቲ ልኡል ካብ መቅደላ ዝወሰዶ ካፒቴን ስፒዲ ዝተባህለ መኮነን ሰራዊት እንግሊዝ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቁልዕነቱ ኣብታ ሃገር ምስኣተወ ምስኡ ይቕመጥ ነይሩ፡፡