ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ጥርዓን ግብጺን

ኢትዮጵያ እዚ ዓመት 2014 [ግእዝ] ቅድሚ ምዝዛሙ፡ 3ይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምእተካይድ ከተፍልጥ ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ ግብጺ፡ ኣብ ዛዕባ ምምላእ ማይን ሓፈሻዊ ስርሓትን እቲ ግድብን ብዝምልከት ኣቐዲምካ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ከምዘድሊ ክትገልፅ ትስማዕ።

ንሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘይተወሃበ፡ ግብጺ ግን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ ኣላ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሳልሳይ ዙር ምምላእ 'ቲ ግድብ ክተካይድ ምዃና ገሊጻ'ኳ እንተነበረት፡ ነቲ መስርሕ ምምላእ ኣመልኪታ ዝገለጸቶን ብዕሊ ዘፍለጠቶን ሓበሬታ ግን የለን።

ኣሳእል ሳተላይት ዝጠቕሱን እቲ ምምላእ ከምዝተጀመረ ዝሕብሩን ኣካላት ብወገኖም፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ብማሕበራዊ ሚድያ ይገልፁ ኣለዉ። ቢቢሲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ንሳልሳይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ "እቲ ምምላእ ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ክካየድ እዩ" ካብ ዝብል መብርሂ ዝሓልፍ ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን።

ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ

ክህነጽ ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመታት ዘቝጸረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን መንቀሊ ወጥሪ ኰይኑ ኣብ ኣጋ መፈጸምታኡ በጺሑ'ሎ።

ግብጺ ካብቲ ልዕሊ 85 ሚእታዊት መጠን ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ 'ናይል' እትረኽቦ ማይ ክንኪ ከምዝኽእል ብምሕባር ስግኣታ ክትገልጽ ምፅንሓ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሊግ ዓረብ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ጕዳይ እቲ ግድብ ክድግፍዋ ብተደጋጋሚ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወቕቲ ክራማት ክኸውን እንከሎ፡ ግብጺ ነተን ፅልዋ ከሕድራ ይኽእል እየን እትብለን ሃገራትን ትካላትን፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ማይ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ንኽፍጸም ሸምግላና ክትብል ትስማዕ።

ሎሚ'ውን ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ቀያዲ ስምምዕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ቀጺላትሉ ኣላ ክብል ተቓውሞ ሃገሩ ኣቕሪቡ'ሎ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ "ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕና ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ ኣይትኽእልን" ብዝብል ተቓውሞን መጠንቀቕታን ከቕርባ ጸኒሐን'የን።

ኢትዮጵያ ግን እቲ ምምላእ ማይ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ከምዝዀነን ሕቶአን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብምግላጽ፡ ክልተ ዙርያ ምምላእ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝካየድ'ኳ እንተገለፀ፡ ገለ ማዕከናት ዜና ግብጺ ግን ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጀሚሩ ከምዝተኻየደ ምስሊ ሳተላይት ብምውካስ ይገልጻ ኣለዋ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ጥርዓን ግብጺ

ሰበስልጣን ግብጺ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘልዕልዎ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2015 [ኣ. ኣ] ዝተበጽሐ "መትከላዊ ስምምዕ" ከምዝጠሓሰት ይኸሱ።

እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝግበር ምትሕብባር፡ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ማይ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር "ከቢድ ጕድኣት ዘስዕብ እንተዀይኑ" እቲ ጕድኣት ብዝዀነ መንገዲ ክውገድ ከምዘለዎ ዝጠቅስ እዩ እትብል ግብጺ ዘለዋ ስግኣት ትሕብር።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ እቲ ግድብ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝውዕል ስለዝዀነ፡ ኣብተን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ርኡይ ጕድኣት ከምዘየውርድን ነቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰላ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ግዴታ ከምዘይትፍርምን ትገልጽ።

ግብጺ ብኣንጻሩ፡ ሩባ ኒል (ኣባይ) ብቐንዱ ንሕርሻን መስተን ዝውዕል ምንጪ ማይን ስለዝዀና፡ መጠኑ እንተነክዩ ኣብ ህይወት ህዝባ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘስዕብ ብምግላፅ፡ ረብሓኣ ንምርግጋጽ ዘድሊ ኵሉ ከም እትገብርን ኣፍሊጣ'ያ። ምስ ሱዳን ወተሃደራዊ ስምምዕ ብምግባር'ውን ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳብ ምክያድ በጺሓ እያ።

ኢትዮጵያ ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሳቐ ንዘሎ ህዝባ ብርሃን ንምርኣይን ኢንዳስትሪኣ ንምሕያልን ፕሮጀክት እቲ ግድብ ከምዘይትደራደረሉ ብምግላጽ፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ክትሕልዎ ድልውቲ ከምዝዀነት ገሊጻ እያ።

ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሻም፡ እቲ ሹመኛ ድማ ኣብ ጕዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ስምምዕ ንኽፍጸም ከም ዝጽዕር ክትገብር ጸኒሓ እያ።

ኣብ ፈለማ ሓምለ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ባይደንን ፕረዚደንት ኣል ሲሲን ንጕዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ከምዘካየዱ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወግዓዊ ምግባሮም ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዑ፡ "ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ" ክፍጸም ዘለዎ ድልየት ንባይደን ገሊጹሉ ነይሩ።

ባይደን ድማ ሃገሩ ነዚ ሕቶ'ዚ ግብጺ ከምእትድግፍ ከምኡ ድማ ንሰላምን ምዕባለን እቲ ዞባ እጃም ዘለዎን ንረብሓ ኵሎም ወገናት ዝዕቅብን ስምምዕ ክካየድ ከምዝደሊ ምዝራቡ ጸብጻባት የመልክቱ።