መራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘትዮም

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ምስዘካየደ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምዝታዮም፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ወሓዝቲ ማያት ዝግበሩ ፕሮጀክትታት፡ “ሓደገኛ ብሕታዊ ፖሊሲታት” ኣብ ዝበልዎም ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ኣልሲሲ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኢትዮጵያ “ብውልቃ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ከምዝበለ ማዕከን ሓበሬታ ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

ግብጽን ሱዳንን ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ቀያዲ ስምምዕ ከይተገብረ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ከይትመልኦ ክሓታ ምጽንሐን ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ እተን ሃገራት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክልተ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከተሳልጥ እንከላ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ'ውን ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ንምክያድ ተዳልያ ኣላ።

መራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ዝሃብዎ ብቐጥታዊ ፈነወ ተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምምላእ ማይን ቀጻሊ ስርሓትን እቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ቀያዲ ስምምዕ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝተሰማምዑ ኣልሲሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ተዘራሪብና ኣለና፤ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ኣብ ዝካየዱ ፕሮጀክትታት፡ ብውልቀ ዝውሰዱ ፖሊሲታት ዘስዕብዎ ሓደጋ እውን ተዘራሪብና። ከምኡ'ውን ንዘተን ምኽክርን ተገዛኢ ኣብ ናይ ምዃን መትከል ሓሳብ ተለዋዊጥና” ኢሉ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ ኣብ ምምላእ ማይን ስርሓትን ግድብ ህዳሰ፡ ኣድላይነት ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ከምዝተሰማምዐ ምግላጹ ጋዜጣ ኣልኣህራም ጸብጺባ።

ንዘበናት ብዘይገደብ ማይ ሩባ ኣባይ ክትጥቀም ዝጸንሐት ግብጺ፡ ግድብ ህዳሰ፡ መጠን እትረኽቦ ማይ ክቕንሶ እዩ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ቀያዲ ስምምዕ ክትገብር እያ ትደሊ።

ነዚ ንምፍጻም ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ብተወሳኺ፡ ድጋፍ ሓያላት ሃገራት ንምርካብ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ እያ።

ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ምብጻሕ ምስ ዘካየደ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ካልእ ጉዳያትን ምዝርራቡ ዝዝከር እዩ።

ኣልሲሲ፡ ምምላእ ማይን ቀጻሊ ስርሓት እቲ ግድብን ብዝምልከት፡ ጥቕሚ ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዕ “ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ክግበር” ዘለዋ ጽኑዕ ቅዋም ንባይደን ከምዝገለጸሉ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ውሕስነት ማይ ግብጺ ከምእትድግፍ፡ ከምኡ'ውን ንሰላምን ዕብየትን እቲ ዞባ ኣበርክቶ ዝገብርን ናይ ኵሎም ወገናት ረብሓ ዘኽብርን ፍታሕ ክርከብ ከምእትደልን ምግላጹ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ዑደት ዝገብር ኰይኑ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ከምዝዀነ ተገሊጹ።

መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነ ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ምስ ግብጺ ዝነበሮ ርክብ ዝሕቱ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሓድሸ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ምብጻሕ ነዚ ንምሕዳስ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።

ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መራሕቲ ሶማልያ ኣብቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝሰሓሓባሉ ጉዳይ፡ ዕላዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ነይሮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኵነታት ናብታ ሃገር ከይተጓዓዘ ተሪፉ ኣሎ።

ብኣንጻሩ እቲ ፕረዚደንት ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ ኣልሲሲ'ዩ ተዘራሪቡ።

እዞም ክልተ መራሕቲ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ዝሃብዎ ሓሳብ ዝምልከት ግን ብወገን ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።