ዩክረይን ኣብ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ 'ሰፊሕ' መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺማ

ዩክረይን ኣብ ወደባዊት ከተማ ክሪሚያ ሰቫስቶፖል፡ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ብዝፈጸመቶ "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓንቲ መርከብ ኲናት ከምዝተጎድአት ሩስያ ገሊጻ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ 9 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተዋፈራ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓቢሩ። ዩክረይን ግን ርእይቶ ኣይሃበትን።

ሩስያ፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረበት፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስመራት ጋዝ ዘጋጠመ ምፍንጃርን፡ ኢድ ከምዘለዎም ከሲሳ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሩስያ "ናይ ሓሶት ቅያ ትዝርግሕ ኣላ" ኢሉ።

እዚ ናይ ትማሊ ቀዳም መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ብ24 ለካቲት ወራር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬት ዳግማይ ብዓወት ኣብዝሕዙሉ ዘለዉ እዋን እዩ ተፈጺሙ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ዩክረይን ብፍላይ ድማ ኣብ መስመር ፀዓት እታ ሃገር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ምላሽ ሂባ።

ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣዝያ ምልክታዊ ዝኾነት ክሪሚያ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝተጎብጠት እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብታ ሰራዊት ሩስያ ሰፊሕ ህላወ ዝሃነጸላ ሓውሲ ደሴት፡ ሓያሎ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ እዩ።

ሰቫስቶፖል ኣብቲ ዞባ ዝዓበየት ከተማ ኮይና፡ መዕረፊ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ እያ።

ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እቲ "ዝሰፍሐ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ንድሕሪት ከምዝመለሱ ገሊጹ።

ኩለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሃሪመን ከምዝወደቓን ዝኾነ "ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ" ከምዘይተጎድአን ሓቢሩ።

ብውሕዱ ሓንቲ መርከብ ንእሽቶ ጉድኣት ከምዘጋጠማ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ይገልጽ።

መንግስቲ ዩክረይን ኣብ ክሪሚያ ብዘለዉ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብ ዝቐርብ ክሲ ሳሕቲ እዩ ርእይቶ ዝህብ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ሓውሲ ደሴት ብዘጋጥም ፍጻመታት ሓጎሶም ይገልጹ’ዮም።

ዩክረይን፡ ንክሪምያ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሩስያ ዝርከብ ኩሉ መሬት ከምእተምልስ ቃል ኣትያ እያ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብዘይ ዝኾነ መርትዖ፡ ክኢላታት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ነቲ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምድላው ንሓይልታት ዩክረይን ምሕጋዞም ይኸስስ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣሃዱ ብሪጣንያ "ንሻምብቆታት ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1ን ኖርድ ስትሪም 2ን ንምፍንጃር፡ ብ 26 መስከረም ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ውዲት፡ ምውዳብን ምትግባርን ተሳቲፉ’ዩ" ይብል።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ነቲ ኣዕናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ዘይሕጋዊ ወራር ዩክረይን ንምንካይ፡ ቅያዊ ደረጃ ዘለዎም ናይ ሓሶት ክስታት ይዝርግሕ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ሩስያ ኣብቲ ሰበስልጣን ኣሜሪካን ዩክረይንን ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኢሎም ዝገልጽዎ ወፍሪ ተዋፊራ ኣላ። ንኣብነት፡ ኪቭ ራድዮኣክቲቭ ሕማቕ ቦምባ፡ ወይ’ውን ስነ-ህይወታዊ ጣንጡታት ክትጥቀም ትዳሎ ኣላ ዝብል መርትዖ ዘይብሉ ክሲታት ኣቕሪባ እያ።

ሩስያ ብተወሳኺ፡ እተን ቀዳም ንግሆ ዒላማ ዝተገበራ መራኽብ፡ ኣካል ናይቲ ፍርያት ሕርሻ ካብ ወደባት ዩክሬን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ተበግሶ ኣብ ምርግጋጽ ዝሳተፋ ከምዝኾና ገሊጻ'ላ።

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ዝተኻየደ ስምምዕ፡ ዩክረይን ብሩስያ ምስተወረረት ተዓጊቱ ዝነበረ ሰደድ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ክትጅምር ኣኽኢልዋ’ዩ።

እዚ ብውልቂ ብዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈጸመ ስምምዕ ኮይኑ፡ ንዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ንምቅላል ዝሓገዘ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተባሂሉ እዩ።

ሩስያ ግን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰደድ ከምዝተጓተተ ጥርዓን ክተስምዕ ጸኒሓ እያ። ነቲ ስምምዕ’ውን ከየትሕድሶ ከምትኽእል ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ዩክረይን፡ ሩስያ ኮነ ኢላ መራኽብ ከይሓልፋ ብምድንጓይ፡ ናይ ልዕሊ 170 መራኽብ ሪጋ ፈጢራ ክትብል ከምዝኸሰሰት ይዝከር።

ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ብሓይልታት ዩክረይን ዒላማ ክግበር እንከሎ እታ ክሩዘር ሞስኮቫ ዝተባሃለት ፍልጥቲ መርከብ ምጥሓላ ይዝከር።

እታ 510 ሰራሕተኛታት ዝነበራ ሚሳይል ክሩዘር ሩስያ ምጥሓላ ዓቢ ናይ ወተሃደራው ዓወት ምልክት ነይሩ።