እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ 2,000 ታክሲታት ሞተር ብሽክለታ ኣዕንያ
ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 2,000 ተሃጊረን ዝጸንሓ ከም ታክሲ ዘገልግላ ሞተር ብሽክለታታት ክዓንዋ ከምእተገብረ ተገሊጹ።
እዚ ዝዀነ፡ እተን ብኦካዳ ዝፍለጣ ታክሲ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣብ ሌጎስ - ዝዓበየት ከተማ ናይጀርያ ከይሰርሓ ድሕሪ ምእጋደን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ሰብኣይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብወንንቲ ሞተር ብሽክለታ ከምእተቐትለ ዝገልጽ ሓበሬታታት ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ።
ወዲ 38 ዓመት መሃንድስ ድምጺ ዝዀነ ሳንደይ ዴቪድ፡ ብሰንኪ ብክፍሊት ዝተላዕለ ዘይምስምማዕ እዩ ሌኪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሌጎስ ተቐቲሉ።
እቲ ቅትለት ቁጥዐ ከልዕል እንከሎ ሰበመዚ ስጉምቲ ክወስዱ ኣገዲዱ እዩ።
በዓልቲ ቤቱ፡ ግሬስ ቦሉ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንክልተ ደቃ ከመይ ከምእተዕብዮም ጨኒቕዋ ከምዘሎ ተዛሪባ።
“ከመይ ኣቢለ እየ መምሃሪኦምን ክራይ ገዛን ክኸፍል?” ክትብል ሓቲታ።
እቲ እገዳ ካብ ነበርቲ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩ’ሎ። ገሊኦም እቶም ሰብ-ሞተር ሓደገኛ ኣዘዋውራ ከምዘዘውትሩ ክዛረቡ እንከለው፡ ካልኦት ከኣ እተን ታክሲ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣገደስቲ ምንባረን ርእይቶኦም ይህቡ።
እቶም ሰብ- ሞተርሳክል ሰብ ከምዝጨውዩ ዝዛረብ ነባሪ ኢከጃ ዋሲዩ ኣደኮያ፡ እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ይገልጽ።
ነቲ ሃጓፍ ንምሽፋን ግን መንግስቲ ተወሰኽቲ ኣውቶቡሳት ከምጽእ ከምዘድሊ ይዛረብ።
ካልእ ብፓስተር ኣብርሃም ክጽዋዕ ዝመረጸ ነባሪ ግን ምዝዋር ኦካዳ ንብዙሓት ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ብህድኣት ክርአ ይምሕጸን።
“ኣብዛ ሃገር ድኽነት ኣሎ። ምሉእ ብምሉእ ምእጋድ ምኽኑይ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል፡ “ገሊኦም ነታ ዝበልዕዋ መግቢ በዛ መገዲ እዮም ዝረኽቡ፣ መንግስቲ ነዚ ይገንዘብ፡” ኢሉ።
እቲ እገዳ ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ኦካዳ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳሉ ከባቢታት እታ ከተማ ጽምው ኢሉ ተራእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ እገዳ ዝኣወጀ ኣመሓዳሪ ባባጂደ ሳንዎ-ኦሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ንምጕብዕባዕ ዘወርቲ ኦካዳ ዝገትእ ምዃኑ ገሊጹ።
“ህይወት ሰብ መዓልታዊ ይጠፍእ፣ ክውገድ ዝኽእል ሓደጋታት መዓልታዊ የጋጥም፣ ዘወርቲ ኦካዳ ኸኣ ሕጊ ትራፊክ ኣየኽብሩን እዮም፡” ኢሉ።
ዘወርቲ ኦካዳ ኣብታ ብብዝሒ መካይን ዝተጨናነቐት ከተማ ብፍጥነቶም ፍሉጣት እዮም።
ንሳቶም፡ ካብ 2016 ክሳዕ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ 10,000 ሓደጋታትን 600 ሞትን ከምዝሰዓቡ መንግስታዊ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጽርጊያታት ካብ ዘጋጠመ 20,595 ግጭት፡ እቲ ልዕሊ 20% ናይ ሞተር ብሽክለታ እዩ ነይሩ።