ዘ ዊከንድ፡ ኮኸብ ሙዚቃ ፖፕ ሽሙ ናብ ኣቤል ተስፋየ ቀይሩ

ካናዳዊ ኮኸብ ሙዚቃ ፖፕ ዘ ዊከንድ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣቤል ተስፋዬ ብዝብል ናይ ትውልዲ ሽሙ ከም ዝጽዋዕ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ ኢትዮጵያውያን ስድራ ዝተወልደ ድምጻዊ ሽም ማሕበራዊ ሚዲያታቱ ናብ ኣቤል ተስፋየ ከም ዝቕየሩ ገይሩ ኣሎ።

እዚ ህቡብ ድምጻዊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ‘ሽመይ ክቕይር’ዶ?’ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንሰዓብቱ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ “ዘ ዊከንድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቤል?” ክብል ኣብ ትዊተር ዘስፈሮ ጽሑፍ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ፈትዮምዎ (ላይክ ገይሮምዎ) እዮም።

ምስ መጽሄት ደብሊው ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ድማ “ዘ ዊከንድ ዝብል ሽም ክጠፍእ” ይደሊ እየ ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ነዚ መጸውዒ ሽም ገዲፉ ናብቲ ናይ ትውልዲ ሽሙ ከም ዝተመልሰ ገሊጹ።

“ኣብ ውሽጢ ስምዒታዊ ለውጢ እየ ዘለኹ። ምዕራፍ ዘ ዊከንድ የብቅዕ ኣሎ” ኢሉ።

ቅድም ኢሉ ዘ ዊከንድ ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣቤል ትምህርቲ ኣሞንጒዩ ሓደ ቀዳመ ሰናብቲ ካብ ገዝኡ ድሕሪ ምውጽኡ በቲ ናይ መድረኽ ሽሙ ክጽዋዕ ከም ዝወሰነ ዴይሊ ሜይል ጸብጺቡ ነይሩ።

ሕጂ ንመጽሄት ደብሊው ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ “ከም ዊክንድ መጠን፡ ክብሎ ዝኽእል ኩሉ ተዛሪበ ኣለኹ" ኢሉ።

ወሲኹ ዝቕጽል ኣልበሙ በቲ ናይ መድረኽ ሽሙ ዝወጽእ "ናይ መወዳእታ ስራሕ" ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ኣብ ቶሮንቶ ካብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተወልደ ተስፋየ፡ ኣብ 2010 ናይ መጀመርታ ደርፍታቱ ናብ ዩትዩብ ድሕሪ ምስቃሉ’ዩ ናብ ዝና ደይቡ።

ብቅዲ ሙዚቃ ኣር ኤንድ ቢ ድማ ብዛዕባ ኣጸገምቲ መዓልታት፣ ምጥቃም ዕጸ ፋርስ፣ ምግላልን ወሲብን ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ሰሪሑ።

ብድሕሪኡ ካናዳዊ ራፐር ድሬክ ነቶም ሙዚቃታት ኣብ ውልቃዊ ገጹ ብምክፋል ኣቤል ትሸዓተ ደርፍታት ዝሓዘት ‘ሃውስ ኦፍ ባሎንስ’ ዝተሰምየት 'ሚክስ ቴፕ' ሰሪሑ።

ኣብ ናይ ሙዚቃ ሂወቱ ኣርባዕተ ሽልማት ግራሚ ተዓዊቱ እዩ።

ልዕሊ 45 ኣብ ፕላቲኒየም ዝበጽሑ ንጽል ደርፍታትን ኣልበማትን እውን ብምፍራይ ብርክት ዝበሉ ክብረወሰናት ሙዚቃ ሰይሩ።

ኣብ መጋቢት 2023 ክብረወሰን ዓለም ጊነስ ኣብ ስፖቲፋይ ብዝነበሮ ወርሓዊ ሰማዕቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ተፈታውን ህቡብን ስነ ጥበባዊ ምዃኑ ኣዊጁ።

ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2023፡ እዚ ወዲ 33 ዓመት መንእሰይ ኣብ ስፖቲፋይ ወርሓዊ 111.4 ሚልዮን ሰማዕቲ ነይሮምዎ።

ኣብዚ 100 ሚልዮን ወርሓዊ ሰማዕቲ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ስነ ጥበባዊ እዩ።

ንዕኡ ስዒባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትርከብ ድምጻዊት ማይሊ ሳይረስ ኮይና ወርሓዊ 84.2 ሚልዮን ሰማዕቲ ኣለውዋ።

ኣቤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሽም ኣዲኡ ዝጽዋዕ መሸጣ ቡን ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ቡን ምስ ብሉ ቦትል ኮፊ ብምትሕብባር ናብ መሸጣ ዝቐርብ ምዃኑ ብትዊተር ገሊጹ’ዩ።