ኣብ ስደት ንዝርከብ ሕብረተሰብ ሞያውያን እናዓደመት ኣስተምህሮ እትህብ ትካል ማህጸን

ብህሉው ኣገባብ ኣነባብራ ስደት ዝተሻቐላ ግዱሳት ኣሓት ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክኢላታት ስነ አእምሮን ኣነባብራን ሞያውያን እናዓደማ፡ “ማህጸን” ብዝሰመያኣ ቻነል ዩ-ቲዩብ፡ ንጥዕና ኣእምሮ፡ ኣተዓባብያ ህጻናት፡ ቅድምን ድሕርን ሕርስን ንዘጋጥም ጸገማት ዝድህስስ ብማንዛን ኣካልን ንሕብረሰተብ ይምህራን የነቓቕሓን ኣለዋ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኣካየድትን ኣለይትን “ማህጸን” ሰላማዊት ንጉሰ ሺሻይ ካህንን፡ እቲ ሓሳብ መዓስን ብኸመይ ከምዝነቐለን ከምዝጀመረን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተዓመ ንጥፈታት፡ ዝተሰግረ ብድሆታትን መጻኢ ራእይ እቲ ትካልን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ማንቸስተር ረኺቡ ኣዘራሪቡወን ኣሎ።

መዳሕንትኻ ካብ እተቐብረሉ፡ መበቈለይ እትብሎ መሬት፡ ወገነይ ካብ እትብሎ ሕብረተሰብን ርሒቕካ፡ ባህሉን ቋንቋኡን፡ ልምዱን ኣነባብራኡን ኣብ ዘይትፈልጦ ሃገረ ባዕዲ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን።

ስለዝዀነ፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ካብ ዓዱ ዘርሓቐ፡ ኣብታ ኣአንጋዲት ሃገር፡ ይዕበ ይንኣስ ኣድልዎን ዓሌትነት፡ ኣብ ስራሕ ምዝመዛን ግህሰት ስለዘጋጥሞም፡ ኣብ ሓሳብን ጭንቀትን ይወድቍ።

እቶም ኣብ ሃገሮም ልዑል ማሕበራዊ ክብርን ሞያዊ ብቕዓትን ዝነበሮም ከይተረፈ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ቀልጢፎም ንኽወሃሃዱ ይጽገሙ። ናፍቘት ስድራን ክብደት ናብራን ተደሚርዎ ከኣ ኣደዳ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጽን ጭንቀት ይዀኑ።

መስራቲትና ኣካያዲትን ሰላም ንጉሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሰዲዶም ኣብ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሰብ ሓዳርን ፍቝራትን ኣካላዊ መጥቃዕትን ሞትን ዘኸተለ ከቢድ ጭካነ ስለዝተራእየ፡ ኣብ 2020፡ ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ዕድል፡ ሓድሕዳዊ ጽሮትን ምክእኣልን ንኽህሉ ሞያውያን ክኢላታት ስነ-አእምሮ እናዓደማ ንሕብረተሰብ ክምህራን ከንቅሓን ከምእተበገሳን ትገልጽ።

ኣብቲ ዕማም ቅሩብ ድሕር ኢላ ከምእተጸንበረት እትገልጽ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን እትነጥፍ ሺሻይ ካህን፡ ፈለማ፡ ኣብ ማህጸን ከም ጋሻ ተዓዲማ፡ ብዛዕባ ስርሓን ንስደተኛታት ብፍላይ ከኣ፡ ዘቤታዊ ዓመጽን ግህሰትን ንዘጋጥመን ደቀንስትዮ እትህቦ ኣገልግሎት ድሕሪ ምግላጽ እቲ ተበግሶን ስራሕን ስለዝሰሓባ፡ ኣባል “ ማህጸን” ብምዃን ብዅለንትናኣ ክትሰርሕ ጀሚራ።

“ ‘ማህጸን’ ነቲ ኣብ ስደት ዝመጸ ሕብረተሰብና፡ ሞያዊ ኣስተምህሮ ክኢላታት ብምሃብ ብኸመይ ሓዳሩ የማሙቕ፡ ደቍ የዕብን ይሕግዝን፡ ባህሉን ልምዱን ይዕቅብ፡ ንሓድሕዱ እናተደጋገፈ ዕድላትን ብልጫታትን ስደት ይጥቀመሉ እትህቦ ኣስተምህሮ ዝምስገን እዩ” ብምባል፡ ስደተኛታት ኣሕዋት ብኣካልን ስነ-ኣእምሮን ሕጕስ ህይወት ንኽመርሑ ብዓቕማ ከምእትዋሳእ ትገልጽ።

ስምዒትን ብደሆን “ማህጸን”

እታ ንብዙሓት ሞያውያን ምሁራት ኣዛሪባ፡ ሓያሎ መሃርቲ ቪድዮታት ዝዘርገሐት ብሕልና እተተኽለት ትካል ምንቕቓሕ፡ “ማህጸን ንዅሉ ፍጡር ተኺላ፡ ኮስኲሳ እተዕቢ ማሙቕ ብምዃና፡ እዛ ትካል ከኣ ንዅሉ ዕቤትን ምዕባለን ሕብረተሰብ ዝምነ ዘበለ፡ ዓሌትን እምነትን፡ ፖለቲካዊ ዝምባለን ርእይቶን ብዘየገድስ ክትሓቍፍ ስለዝግባኣ፡ ነርስ ኣድያም “ማህጸን!” ዝብል ስም ከምዝመረጸትለን ኣካያዲት እቲ ትካል ሰላም ንጉሰ ትሕብር።

ይዅን እምበር ማህጸን ኣብ ምጅማራን ምንቃላን ብሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዝምኽነ ጸገማትን ዕንቅፋትን ኣጋጢሙዋ ከምዝነበረ፡ ግን ከኣ ክትብገስ እንከላ “ንዅሉ ክትሓቍፍ” ሓሊናን ኣሚናን ስለዝተበገሰትን፡ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ክፍሊት ብነጻ ኣገልግሎት ስለዝሃበትን ነቲ ብድሆታት ከምዝሰገረቶ ሰላም ትሕብር።

“ካብቶም ኣብ ስደት እንነብር ዜጋታት ሓደ ሓደ ሰባት ን“ማህጸን” ብሃይማኖትን ፖለቲካን፡ ዓሌትን ክትርጉምዋ ዝፈተኑ እኳ እንተነበሩ፡ ማህጽን ግን ብሰብኣውነት እትምራሕ ነጻ ማሕበር ስለዝዀነት ንዅሉ ብድሆታት ሰጊርናዮ” ትብል።

ኣበርክቶ ማህጸን

ማህጸን፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ብስክፍታን ከይብሉንን ደፊርካ ከተልዕሎ ዝኸብድ፡ ብጽላለን ዕብዳንን ዝግለጽ ዝተፈላለየ ዓይነት ስነኣእምሮኣዊ ሕማማትን ኣመጻጻኣኡን ሞያውያን እናዓደመት ስለእትዛረበሉ፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝተማህረ እትሕብር ወይዘሮ ሰላም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝከኣሎ ንዘበርከተ ክኢላ ስነአእምሮ ኣቶ ዮውሃንስ ድራርን ንብዙሓት እጃሞም ዘበርከቱ ሞያውያንን ተመስግን።

ከም ውጽኢቱ ከኣ ካብ መደባት ማህጸን ዝተማህሩ መንእሰያት “ጕጅለ ስነኣእምሮ ጥዕና” ዝብል ፈጢሮም ረቡዕ ረቡዕ ይመሃሩን ተመኵሮ ሓድሕድ ይለዋወጡ ከምዘለው ትገልጽ።

ሺሻይ ካህን ብወገና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ንዘጋጠመን ደቀንስትዮ እትህቦ ምኽርን ሓገዝን፡ ነተን ናይ ኤ-ዲ-ኤች-ዲን ኦቲዝምን ጸገማት ዘለዎም ቈልዑን ዝሕገዝሉ ኣገባብ ብምጥጣሕ፡ እቲ ኣብ ቖልዑ ዘጋጥም ጸገማት ብዝግባእ ዝርድኦ ሕብረተሰብ ንምፍጣር የጎሳጕሳ ከምዘለዋ ተረድእ።

“ነቲ ጸገም ወለዲ ጥራይ ዘይኰኑ እቲ ሕብረተሰብ እውን ክርድኦን ክፈልጦን እዩ ዕላማና፤ ሽዑ ከኣ ኢና ከም ሕብረተሰብ ነንሓድሕድና ክንተሓጋገዝን ደቅና ተመሳሳሊ ጸገማት ከይህልዎም ቀልጢፍና ከነለልን እንኽእልን” ትብል።

ብዛዕባኡ ዝዝትን ዝመክርን ሓድሕድ ዝላዘብን ጕጅለ ከፊተን ይነጥፋ ከምዘለዋ እውን ትዛረብ።

“ንበይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ የብሉን” እትብል ሺሻይ ካህን፡ ሕብረተሰብ ክምዕብልን ክዓብን እንተዀይኑ ንብድሆታቱ፡ ብውሁድ ዓቕምን ጉልበትን ፍልጠትን ክገጥሞ ከምዝግባእ ብምሕባር፡ እተን ንበይነን ደቀን ዘዕብያ (ሲንግል ማዘር) ኣደታት፡ ደቀን ብትምህርትን ስነስርዓትን ተኾስኲሶም ንኽዓብዩ ሓገዝ ኵሉ ኣባል ማሕበረሰብ ከምዘድልየን ተዘኻኽር።

ኤ-ዲ-ኤች-ዲን ኦቲዝምን እንታይ እዩ?

ሊቃውንቲ ስነ አእምሮ ንኤ-ዲ-ኤች-ዲ፡ ኣብ ዕቤት ብዘጋጥም መትናዊ ሕልኽላኻት ዝኽሰት፣ ዋሕዲ ኣቓልቦን ዘይርጉእ ምንቅስቓስን ምስ ሰባት ዘይምርድዳእን ዘኸትል፣ መብዛሕቱ ኣብ ቈልዑ ዝርአ ናይ ሕማም ስነኣእምሮ ምዃኑ ይገልጹዎ። ንኦቲዝም ከኣ፡ ማሕበራዊ ምብህሃል ዝድርት፡ ሕጽረት ቋንቋን ዘረባን ከምኡ’ውን ምትዕጽጻፍ ዝነጽግ ነቓጽ ባህሪያት ዘማዕብል ጉድለት ጥዕና ኣእምሮ ምዃኑ የረድኡ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ሽግር ዘለዎም ቈልዑ፡ ንስድራ ቤታቶም ኣዝዩ በዳህን ኣጨናቕን ስለዝዀነ ሕብረተሰብ ክርድኦምን ክድግፎምን ይግባእ ብዝብል ሕልና ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ኣባላት ማህጸን፡ እቲ ጸገማቶም ቀልጢፉ እንተተለልዩ፡ ብሕክምናዊ ክንክንን ሕብረተሰባዊ ኣልያን ስለዝመሓየሹ፡ “ንሕማማት ስነአእምሮ ከም ሕብረተሰብ ኢና ክንርድኦ ዘሎና” ይብላ።

ሓካይም እቲ ዓውዲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሕማማት ኤ-ዲ-ኤች-ዲን ኦቲዝምን ኣዝዩ ይበዝሕ ስለዘሎ፡ ወለዲ፡ ሓካይም፡ ክኢላታት ሕክምና ቋንቋን ዘረባን፡ መምህራን መራሕቲ እምነታትን መላእ ሕብረተሰብን ብሓባር ክገጥምዎ ይምሕጸኑ።

ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን

ማህጸን፡ ኣብ ሕማማት ስነ አእምሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሓዳር ብዛዕባ ዘጋጥሞ ወጽዓን ዓመጽን፡ ኣገባብ ኣፈታትሓኡን ዝሕግዝ ኣስተምህሮን ሞያዊ ምኸርን እውን ተቕርብ እያ።

እቲ ኣስተምህሮ እቲ ሕብረተሰብ ብዝርድኦ ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋ ስለዝወሃብ፡ (ንመጻኢ እውን ብኻልእ ቋንቋታት ክሰፍሕ ሓሳብ ኣሎ) እቲ ፍልጠት ብዝግባእ ይመሓላለፍ ከምዘሎ እየን ኣካየድቲ ማህጸን ዝኣምና።

ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረጋግጾ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣስታት 736 ሚልዮን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ዓመጽን ጾታዊ ግህሰትን የጋጥመን።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብተን ግዳያት ጭንቀትን ተርባጽን ስነ ኣእምሮኣውን ነውጺ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት፡ ዘይተደልየ ጥንስን ስለዘጋጥም፡ ማህጸን ኣብ ሕብረተሰብ ንቕሓትን ኣፍልጦን ንኸተዕቢ፡ ክኢላታት ስነ ኣእሙሮን ሕግን ብምዕዳም ኣስተምህሮኣ ተቕርብ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ መንእሰያት ሰብ ሓዳር ንኣፍቀርቶምን ኣደ ደቆምን ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢ ሻቕሎትን ስክፍታን ስለዝፈጠረ እዩ፡ ማህጸን ኮነ ካልኦት ከም ማህጸን ዝኣመሰላ ኣብ ጥዕና ስነኣእምሮ ዝግደሳ ቻነላት ዩቲዩቭ ክኢላታት እናዓደማ ክመኽራን ከስተምህራን ጀሚረን ዘለዋ።

ኣባልነትን ዝርገሐን ማህጸን

መስራቲትን ኣካያዲት ማህጸን ሰላም ንጉሰ፡ እቲ ትካል፡ ዋላ’ኳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ማንቸስተር ብሕጊ እንተተመዝገበ፡ ኣገልግሎቱ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ስለዝበጽሕ ዓለምለኻዊ ትካል ከምዝዀነት እያ ትገልጽ።

“ኣባላት ማህጸን ኣብ መላእ ዓለም እዮም ዘለዉ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብሩ ሰማዕትን ተኸታትልትን ኣለው። ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ ሞያ ዝተመረቝ፡ ንኣገልግሎቶም ይዅን ግዜኦም ምንም ገንዘብ ዘይሓቱ፡ ብኣንጻሩ ገንዘቦም እናኸፈሉ ንሕብረተሰብ ዝምህሩ፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይም፡ ሳይኮሎጂስት፡ ነርስታት፡ ኣብ ጉዳይ ሓዳርን ስድራ ቤትን ዘቤታዊ ዓመጽን ኦቲዝም ምኽርን ሓበሬታን ዝህቡ ግዱሳት መማህራን ኣለውና” ትብል።

ኣብ ርእሲ’ዚ ማህጸን፡ ሕብረተሰብ ስደት፡ ህይወቱን ናብራኡን ብፍቕርን ምርድዳእን ንኽመርሕ፣ ንደቍን ገዛእ ነብሱን ብዝግባእ ክኣሊ፣ ምስ ጥዕና ስነኣእምሮ ጽቡቕ ሌላን መረዳእታን ሃልይዎ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ፣ ብኣካልን ብማንዛን (ቨርቹዋል) ኣገልግሎታ ንምስፋሕ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከምዘላ፡ ቢቢሲ ዘዘራረበን ኣካየድቲ እቲ ትካል ሰላምን ሺሻይን ይገልጻ።