እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሓንቲ ነፍሰጾር ክንብሎም ዘይግቡኡ ነገራት
ብዙሓት ሰባት ንነፍሰጾራት፡ እዋን ጥንሲ ይኹን ሕርሲ ብዝምልከት እንታይ ክገብራ ከም ዘለወንን ከም ዘይብለንን ምኽሪ ወይ ርእይቶ ክህቡ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
ካብ ክብደት፣ ዓቐንን ቅርጽን እታ ነፍሰጾር ጀሚሩ ክሳብ ጾታ ዕሸላ ርእይቶ ዝህቡን ዘይግቡእ ሕቶታት ዘቕርቡን ብዙሓት ኣለዉ።
እንተዀነ ግን ሰባት ዝህብዎም ርእይቶታት ገለ ሻቕሎት፡ ጭንቀት ወይ ፍርሒ ከም ዝስመዐን ዝገልጻ ነፍሰጾራት ሒደት ኣይኰናን።
ብፍላይ ኣብቲ ርእይቶ ናይ ፍርዲ ወይ ሕፍረት ቃና እንተሃልይዎ፡ ነቲ ዝወሃበን ዋሕዚ ምኽሪ ይኹን ርእይቶ ዕሽሽ ኢለን ዘይክሓልፈኦ ይኽእላ።
ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ- ነፍሰጾር፡ ብዛዕባ ሕርሲን ኣተዓባብያን ምንጋር ዘድልያ ሓበሬታ ክትረክብ የኽእላ ድዩ ወይስ ዘየድሊ ፍርሒ እዩ ዘሕድረላ?
ሮዝ ስቶክስ ጋዜጠኛ እያ፤ ንሳ ቐዳማይ ውላዳ ኣብ ዝጸነሰትሉ እዋን፡ ካብ ኣዕሩኽታ፣ ቤተሰባን ዘይትፈልጦም ሰባትን ብዛዕባ ሕረሲን ኣተዓባብያን ዝገልጹ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ትሰምዕ ነይራ።
“በቃ ነፍሰጾር ምዃነይ ካብ ዘፍልጥ ኣትሒዘ፡ ካብ ኣዕሩኽተይን ዘይፈልጦም ሰባትን ዝተነግረኒ ኣሉታዊ ተመኩሮታት ኣተዓባብያን ዘስካሕክሑ ዛንታታት ሕርሲን ኣዕለቕሊቐ’የ” ትብል።
“ድምር ናይዚ ኩሉ ኣብ ጥዕና ኣእምሮይ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምፍጣሩን ብዛዕባ እቲ ዝጽበየኒ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ጭንቀት ክስምዓኒ ገይሩ” ብምባል ኣብ ልዕሊኣ ዘሕደሮ ጽልዋ ትገልጽ።
ሰባት ዝህብዎም ምኽሪታት ኣብ ነፍሰጾራት ኣዴታትን ኣቦታትን ዝተፈላለየ ስምዒት ክፈጥር ይኽእል’ዩ።
“ምናልባት ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ኣብ መጻኢ ክጠንሳ ድልየት ዝነበረን ዘየድሊ ፍርሒ ክስመዐን ወይ ጥንሲ ከናውሓ ክገብረን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ” ትብል እታ ጋዜጠኛ።
ስለዚ፡ ንነፍሰጾራት ኣዴታት ምኽሪ ምሃብ ብኸመይ መገዲ ክንቀርቦ ንኽእል?
ጋዜጠኛ ሮዝ ስቶክስን ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኪም ኣና ማቱርን ነዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ይህባ።
ብዛዕባ ሰብነተን ርእይቶ ካብ ምሃብ ንተዓቀብ
ኰነ ኢልካ ይኹን ኣይኹን፡ ብዙሕ ሰባት ነፍሰጾራት ክብደት ሰብነት ከም ዝወሰኻ ይገልጹለን እዮም።
ኣብ እዋን ጥንሰን ብዛዕባ ክብደት ሰብነተን ውሕስነት ዘይስምዐን ደቂ ኣንስትዮ ሒደት ኣይኰናን።
ብዛዕባ ክብደተን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ርእይቶ ምሃብ፡ ርእሰ ተኣማንነተን ክንክይ ወይ ክጭነቓ ክገብር ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ንኣብነት “ማንታ ዝጠነስኪ ትመስሊ” ወይ “ክሳዕ ሕጂ ኣይወለድክን?” ዝብሉ ዋዛ ዝመስሉ ርእይቶታት፡ እታ ነፍሰጾር ሕማቕ ስምዒት ክስምዓ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም።
ብኣንጻሩ ከም “ከብድኺ ንእሽቶን እያ፡ ጥንስቲ ኣይትመስልን” ዝኣመሰሉ ርእይቶታት ኣድንቖት ክመስሉና ይኽእሉ፤ እንተዀነ ግን ነታ ነፍሰጾር “ዕሸልኪ ጥዑይ ምዃኑ ርግጸኛ ዲኺ?” ዝብል ትርጉም ክህባ ይኽእል።
እዚ ርእይቶ ኣሉታዊ ዘይክመስል ይኽእል፤ ብፍላይ ንሓንቲ ንመጀመርታ ግዜ ነፍሰጾር ዝዀነት ኣደ ግን ክትጭነቕ ይኽእል እዩ።
እንታይ ክገብራ ከም ዘለወን ኣይንምከር
ሓንቲ ነፍሰጾር እንታይ ክትገብር/ክትበልዕ/ክትሰቲ ከም ዘለዋ ምኽሪ ክንህብ ኣይግባእን።
ሓኪም ክሳብ ዘይኮንና፡ “እዚ ምብላዕ/ምስታይ ጽቡቕ ምዃኑ ርግጸኛ ዲኺ?” ዝብል ሕቶ ኣይንሕተት።
ስምዒተን ንሕተት
ሮዝ፡ “ብዙሓት ነፍሰጾራት ከም ዝፈልጥኦ፡ እቲ እዋን ጽዑቕ ስምዒታት ዝፍጠረሉ ግዜ እዩ፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ዝቕየር ሆርሞናት ኣይኰነን” ትብል።
ኣብ እዋን ጥንሲ ጽቡቕ ጥዕና ኣእምሮ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ መጽናዕትታት የረጋግጹ - ንረብሓ ነፍሰጾራት ኣዴታት ከምኡ’ውን ንዕሸለንን።
እታ ጋዜጠኛ፡ “ስለዚ ስለምታይ ብዛንታታት ስቓይ ነሻቕለን? ዋላ’ውን ምኽሪ ክንህበን ዝደልያ እንተዀና፡ ከመይ ከም ዘለዋ ክንሓትት እንከለና ብዛዕባ ጥንሲ ወግዒ ንጅምር ኢና ዘለና። እዚ ድማ እታ ነፍሰጾር ብዛዕባ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ክትሰምዕ ዘኽእል ጥዑይ ኣእምሮ ከም ዘለዋ ወይድማ እንተዘይሰምዐት ዝሓሸ ምዃኑ ንክትውስን ዝመርሓ’ዩ” ብምባል እንታይ ክነቐድም ከም ዘለና ትሕብር።
ውሳነአን ነኽብር
“ኣብ ቅኑዕ ኵነታት ብዛዕባ በሰላ ወይ ስንባደ ምዝራብ ነቲ ሰብ ፍወሳ ክኸውን ይኽእል እዩ” ትብል ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኪም ኣና ማቱር።
ይኹን እምበር፡ እቶም ነቲ ዛንታ ዝሰምዑ ሰባት ንካልኣይ ደረጃ ስንባደ ተቓላዕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ትገልጽ።
ኣብ እዋን ሕርሲ ብዛዕባ ዘጋጠመ ስንባደ ምስማዕ፡ ጭንቀትን ፍርሕን ከለዓዕል ይኽእል እዩ።
ሕማቕ ዛንታታት ምንጋር እታ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ድሮ ትጭነቕ ዘላ ኣደ ካልእ ዘይሓሰበቶ ጭንቀት ክፈጥረላ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ኣብ ክንድኡ ተስፋ ዝህበንን ዘጸናንዐን ነገር እንተተዛረብና ዝሓሸ ይኸውን። እንተዀነ ግን ጽቡቕ ዛንታታት’ውን ከይተሓተትና ወይ ፍቓደኛ ከይኰነት ክነካፈል የብልናን።
ንመን ንዛረብ ከምዘለና ኣይንዘንግዕ
“ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ኣሉታዊ ዛንታታት ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝዛረቡ ሰባት ግድን ብዛዕባ ሰማዒኦም ይሓስቡ ኣለዉ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ድልየቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ቃንዛ ክዛረቡን ከካፍሉን ክኸውን ይኽእል” ትብል ሮዝ።
“ምናልባት ግን ሰማዕትና መን ምዃነን፡ ከምኡ’ውን ምኽርኽና ብሓቂ ክሕግዘን ድዩ ወይስ ንገዛእ ርእስና ዝምልከትን ኣብ መወዳእታ ኣገዳሲ ዘይኰነን ከይኸውን ክንሓስበሉ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ ሕርሲን ዕሸልን ዝተፈላለዩ እዮም፤ ምኽሪ ክንህብ ከለና ድማ ነዚ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ።”
‘ህይወትኪ ኣብቂዑ’ ኣይንበል
“ብርግጽ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ብድሆታት ክፈልጡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ” ትብል ሮዝ።
እንተዀነ ‘በቃ ኣኺሉኪ/ህይወትኪ ኣብቂዑ’ ኢልካ ንሓንቲ ነፍሰጾር ምዝራብ ኣዝዩ ስምዒት ክጎድእ ከም ዝኽእል እያ ተጠንቅቕ።
“ዋላ ብዋዛ ክበሃል ከሎ፡ ልዕሊ ዓቕማ ክኸውን ይኽእል እዩ” ትብል።
ወለዲ ኣማራጺታት ባዕሎም ክውስኑ ዕድል ንሃብ
ሮዝ ኣስታት ጥንስቲ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት እንታይ ዓይነት ኣማራጺ ሕርሲ ክትወስድ ከም ዘለዋ ወይ’ውን ምጥባው ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይነግርዋ ከም ዝነበሩ ትዝክር።
“እዚ ኩሉ ምኽሪ ካብ ጽቡቕ ትምኒት ዝተበገሰ’ኳ እንተዀነ፡ ብኸመይ ከም ዝወለድ፡ ዕሸለይ ጡብ ኣደ ክምግብ ድየ ኣይምግብን ገና ሓሳብ የብለይን ነይረ” ትብል።
ክብደት ናይ ኩሎም ሰባት ርእይቶታትን ትጽቢታትን ድማ ኣብታ ነፍሰጾር ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ተመልክት።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዝበለጸ ስጉምቲ ብርግጽ ነቲ ወይ ነታ ዕሸል ዝረብሕ ውሳነ ክውሰን ኣለዎ ትብል።
“ሓድሓደ ግዜ ርእይቶ ካልኦት ካብቲ ብጭቡጥ ባዕልና እንሓስቦ ነገር ምፍላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተወሓደ ግን ነቶም ወለዲ ክዀኑ ዝጽበዩ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ሕርሲ ይኹን ኣተዓባብያ ደቆም ባዕሎም ክውስኑ ዕድል ክንህቦም ይግባእ።”
ብዛዕባ ብሉጽ ተመክሮታት ንዛረብ
ኣና፡ “ጥንስቲ ጠኒሰ ከለኹ፡ ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኣደ ‘ፍሉይ ነገር እዩ። ከቢድ’ዩ ግን ከኣ ዘገርም’ዩ’ ኢላትኒ። ብኣወንታኣ ተገሪመን ተሓጒሰን። ስለዚ፡ እወታዊ ተመክሮታት ኣካፍሉና!” ብምባል ብዛዕባ እቶም ብሉጽ ተመክሮታት ምዝራብ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝፈጥር ኣብሪሃ።
ሮዝ ብወገና፡ “ብዛዕባ ኣተዓባብያ ብቕንዕና ምዝርብ፡ ነቶም እወታዊ ነገራት’ውን ምክፋል ዘጠቓልል እዩ” ትብል።
እዚ ምግባር ንነፍሰጾራት ኣዝዩ ዘተባብዕን ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ኣዝዩ እወታዊ ስምዒት ንኽስምዐን ክሕግዘን ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሒደት ሰሙናትን ሕርሲ እናቐረበ ክኸድ ከሎን ድማ እወታዊ ስምዒት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
“ሰባት ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ከም ዘይሓዙ ምርግጋጽ ኣገዳሲ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ጽቡቕ ግዜ’ውን ከምዘሎ ኽፈልጡ ምግባር፡ ብሓቂ ጭንቀቶም ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል።”
“ኣብ መወዳእታ፡ በዳሂ እዋናት ህይወት’ውን ዓቢ ዓስቢ ክህልዎም ከም ዝኽእል ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ፡ ቃንዛን ሓጐስን ድማ ብሓባር ክነብሩ ይኽእሉ” ትብል።
ንሓንቲ ነፍሰጾር እንታይ ክንብላ ንኽእል
ኣብዚ እዋን እዚ ምናልባት ንሓንቲ ነፍሰጾር እንታይ ክንብላ ንኽእል ኢልኩም ትሓስቡ ትህልዉ።
ከም እንቋዕ ሓጎሰ፣ ጽቡቕ ኣለኺ፣ በርትዒ ዝብሉ ኣገላልጻታት ውሑሳት እዮም።
“ከመይ ይስምዓኪ ኣሎ?” ኢልካ ምሕታት’ውን ቅቡል እዩ፤ ሽዑ ብዛዕባ ተመኩሮኣ ክንዲ ዝደለየቶ ዝኣክል ከተካፍል ትኽእል እያ።
መጻምድቲ፡ ካልኦት ፈተውቲን ኣዝማድን ከምኡ’ውን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትን እውን ተመችይዋ እንተዀይኑ፡ ክገብሩላ ዝኽእልዎ ነገር እንተሃልዩ ወይ እንታይ ከም እትደሊ ክሓቱዋ ይኽእሉ።
ጥንሲ ኣብ ህይወት ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዝረኣዩ ፍሉያት ግዜታት ሓደ’ዩ። ዋላ’ኳ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቃንዛን ሕማምን ዝተኣሳሰር እንተዀነ፡ ክንጽንብሎ ዝግበኣና እዋን’ዩ።