እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢዮንሴ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ‘ረናይሳንስ’ ዘርእስታ ሓዳስ ኣልበም ክትዝርግሕ ምዃና ኣፍሊጣ
ቢዮንሴ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ንበይና ዘዳለወታ ኣልበም ‘ረነይሳንስ’ ኣብ 29 ሓምለ ከምእተውፅእ ኣፍሊጣ ኣላ።
ቢዮንሴ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝነበሩ ስእልታታ ካብ እትድምስ ኣትሒዙ ኣድነቕታ ነዚ ዜና እዚ ክጽበይዎ ጸኒሖም እዮም።
ሓሙስ ንግሆ "ኣክት 1...ረነይሳንስ" ዝብሉ ቃላት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ለጠፈት ድማ ካብቲ ዝጸንሖም ጭንቀት ኣናጊፋቶም ኣላ።
ኣብ ኣፕል ሙዚክ ከምዝተዘርዘረ ‘ረነይሳንስ’ ኣልበም 16 ደርፍታት ዝሓዘት እያ። እቲ "ኣክት 1" ዝብል ኣርእስቲ፡ ንብዝሒ ፕሮጀክት ኣልበም ዝገልጽ - እዚ እቲ ቐዳማይ ይዅን ወይ ከኣ እተን 16 ዝበሃላ ደርፍታት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዝወጽኣ እየን፡ ግን ዛጊት ዝተነጸረ የለን።
እታ ጓል 40 ዓመት ዝሓለፈ ዓመት፡ ንሃርፐር ባዛር ሓድሽ ሙዚቃ ክትሰርሕ ከም ዝጀመረት ኣረጋጊጻትሉ ነይራ።
"ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ዅሉ ጽምዋን ምጕዳል ፍትሕን፡ ኵላትና ንኸነምልጥ፡ ንኽንጓዓዝ፡ ንኽነፍቅር ከምኡ'ውን ንኽንስሕቕ ድሉዋት ዝዀንና እመስለኒ" ከምዝበለት ይዝከር።
"ህዳሰ ዝቕልቀል ዘሎ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ ብዝከኣለኒ መጠን ድማ ክፍሊ እቲ ህዳሰ ክኸውን እደሊ እየ። ኣብ ስቱድዮ ካብ ዝኣቱ ዓመትን መንፈቕን ገይረ ኣለኹ።"
እታ ኮዀብ ኣብ 2003 ንበይና ምድራፍ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ብ1997 ኣባል ጕጅለ ዴስቲንስ ቻይልድ ኰይና እያ ደርፊ ጀሚራ። ከም ‘ክሬዚ ኢን ላቭ’፡ ‘ሲንግል ሌዲስ’ን ‘ሆልድ ኣፕ’ ዝኣመሰሉ ደርፍታታ ካብቶም ኣብዚ ወለዶ ዕዉታትን ፅልዋ ዘሕደሩን ደርፍታታ እዮም።
ካብ ዝዀነት ትዅን ጓል ኣንስተይቲ ሙዚቀኛ ንላዕሊ 28 ግራሚ ዝተሸለመት፡ 79 ግዜ ድማ ዝተሓረየት ኮዀብ እያ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሰርሓታ ሙዚቃ፡ ነቲ ‘ብላክ ላይቭስ ማተር’ ዝብል ምንቅስቓሳት ስዒባ፡ ኣብ 2020 ዝተዘርግሓታ ‘ብላክ ፓሬድ’ ዘርእስታን ደርፊ እያ።
እታ ደርፊ ብዛዕባ ታሪኽ ጸለምቲ፡ ጭካነ ፖሊስ ከምኡ'ውን ተቓውሞታት ጆርጅ ፍሎይድ ሓያል ግጥሚ ዝሓዘት ነይራ።
እታ ደርፊ ወግዓዊ መወዳእታ ባርነት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኽበረሉ መዓልቲ እያ ናብ ሰማዕቲ ቀሪባ።