ቅልውላው ሱዳን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንከተማ ደቡብ ዳርፉር ተቖጻጺሮም

ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ዓዕራብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ዓዕራብ፡ ዓንዲ ሕቖ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከም ዝዀኑ ይንገር

ኣብ ሱዳን ኣንጻር ሰራዊት ዝዋጋእ ዘሎ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ኣብ ደቡብ ዳርፉር ንእትርከብ ከተማ ከም ዝተቖጻጸረ ተሓቢሩ።

እቲ ሓይሊ ተወሳኺ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸመ’ውን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ሰራዊት ሱዳንን ዘጋጠመ ግጭት፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ ከተማ ካስ ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።

ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ህንጻታት መንግስትን ዕዳጋታትን ከም ዝዘምቱ ወይ ከም ዘዕነዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ።

እቲ ኲናት ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ መላእ ዳርፉር ዝርከቡ ዓዕራብ ዘይኰኑ ማሕበረሰባት ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቲ ሓይልታትን ዒላማ ይግበሩ ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ሓያሎ ከባቢታትን ከቢድ ውግእ ይቕጽል ኣሎ፡ ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ዝግበር ዞባውን ዓለምለኻውን ጻዕርታት ሽምግልና ሕጂ’ውን እናቐጸለ ይርከብ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ካሚስ ኣባካር፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከም ዝተቐተለ ይዝከር።

ካሚስ ኣብ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብዝፍጸም ዓመጽ ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቱ ዓዕራብ ምልሻን ዝወቅስ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝተላዕለ ግጭት ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ካሚስ ኣባካር ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተጨውዩ ከም ዝተቐተለ ይገልጽ፤ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ግን ነዚ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር።

ካሚስ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተቐትለ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዳርፉር፡ ኣብ መንጎ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ዓዕራብን ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትህልላኽ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ቅድሚ ከባቢ ዕስራ ዓመት፡ ዓዕራብ ዘይኰኑ ሰባት፡ መንግስቲ ኣድልዎ ይፍጽም ከም ዘሎ ብምኽሳስ ቃልሲ ድሕሪ ምጅማሮም ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝኸፍአ ግጭት ተላዒሉ ነይሩ።

ከም ግብረ መልሲ ድማ መንግስቲ ጃንጃዊድ ብዝብል ዝፍለጡ ዓዕራብ ምልሻታት ኣዕጢቑ። ጃንጃዊድ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ፈላማይ ምጽናት ዓሌት ከም ዝዀነ ዝግለጽ ሰፊሕ ግፍዕን ዓሌታዊ ቅትለትን ብምፍጻም ተኸሲሶም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ካብዞም ተቓለስቲ ጃንጃዊድ ዝተወልደ እዩ።

ሕጂ እዚ ሓይልን ካልኦት ዓዕራብ ምልሻታትን ንማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ዒላማ ብምግባርን ኣብ ከተማ ኤል ጀነና ዕግርግር ብምፍጣርን ዳግማይ ይኽሰሱ ኣለዉ።

ብዙሓት ብሄረ ማሳሊት ዝነብሩላ ከተማ ኤል ጀነና፡ ኣብ ዳርፉር ከም ምልክት ሓይሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እያ ትቑጸር።