እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኮቪድ ደጊም ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ኣይኰነን' - ኢትዮጵያ ግን እንታይ ትብል?
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህጹጽ ኵነታት ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ከም ዘብቅዐ ዝተገልጸ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ንፍርቂ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ከም ዘጥቀዐን ህይወት 7,574 ሰባት ከም ዝቐተለ ይፍለጥ።
እዚ ዝተበሃለ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ለበዳ ሞትን ቅልውላው ጥዕናን፡ ንምክልኻል ዝተወሰዱ ስጕምትታትን ቀጻሊ ኣንፈታትን ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ጥዕና ዓለም ወግዓዊ ዝገበሮ መግለጺ፡ እቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዜጋታት ዝቐተለን ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐን ለበዳ ኮቪድ-19 ደጊም ህጹጽ ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና ከም ዘይኰነ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ ኢትዮጵያ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ክዀኑ እንከለዉ 7,574 ድማ ሞይቶም እዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብቶም ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ 6 ሚእታዊት፡ ንሰሙናት፡ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝጸንሕ ጸገም ጥዕና ከም ዘስዓበሎም ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ክታበት ጸረ-ኮቪድ ምስ ኣተኣታተወት፡ ኣስታት 44 ሚልዮን ተኸቲቦም እዮም።
ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ዝተቐመጠ ኣገባብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ብምትግባራ ዓለምለኸን ኣህጕራውን ዋዕላታት ከተአንግድ ከም ዝኸኣለትን ከምኡ’ውን ናይ ጥዕና፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምንቅስቓሳት ከይተቋረጹ ከም ዝቐጸሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኮቪድ-19 ከም ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማት ኰይኑ ክቕጽል እዩ ክብል ወሲኑ ኣሎ።
ኮቪድ፡ ደጊም ዓለምለኻዊ ህጹጽ ኵነታት ምዃኑ’ኳ እንተተረፈ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሳርስ-ኮቪድ-2 ክልከፉን ክሞቱን ስለዝኽእሉ፡ እታ ሃገር ነቲ ለበዳ ንምቍጽጻር እትገብሮ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኵሉኹም ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብነጻ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ተዓዲሞም ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ምላሽ እትኽተሎ ኣንፈታት እውን ኣቐሚጣ ኣላ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት - ጥሪ፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕማም ይሞቱ ከም ዝነበሩን ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ግን እቲ ቍጽሪ ናብ 3500 ከም ዝወረደን ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብውሕዱ 7 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።
እቲ ጭቡጥ ቍጽሪ ሞት ግን ካብቲ ወግዓዊ ኣሃዝ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ከም ዝዀነን ኣስታት 20 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ዓቢይ ስግኣት ጥዕና ኰይኑ ከም ዝቕጽል ኣጠንቂቍ።