መበቆል ኮቪድ፡ ተመራመርቲ ቻይና ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮም መረዳእታ ኣውጺኦም

ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ ቻይና ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰረ፡ ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ ዕዳጋ ዝተወስደ ቅምሶታት ዝረኸቦ ውጽኢት ዝነግር ጸብጻባት ኣውጺኡ።

ዕዳጋ መግቢ ባሕርን እንስሳ ዘገዳምን ሁናንን፡ ኣብ ምድላይ መንቀሊ ቫይረስ ኮሮና ማእከል ስሕበት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ግን፡ ኣብ 2020 ካብ ዕዳጋ ዝተኣከበ ናይ መጀመርታ ምሁራዊ መጽናዕቲ ስነ-ህይወታዊ መርትዖታት እዩ።

እዚ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ምስ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጡ እንስሳታት ብምትእስሳር፡ እቲ ለበዳ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ሓድሽ መስመራት መርመራ ክኸፍት ይኽእል እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተገብረሎም ቅምሶ ዝተወስደሎም ናውቲ፡ ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝርከብ ጀነቲካዊ ንጥረ ነገራት እውን ከም ዝነበሮም ይሕብር።

እዚ ሕማም መጀመርታ ካብ ዝተለኽፈ እንስሳ ናብ ሰብ ከም ዝተመሓላለፈ ዝሕብር ተወሳኺ መርትዖ ምዃኑ ገለ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ካልኦት ግን ነቲ ርኽበታት ኣብ ምትርጓም ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ስለ ምንታይ ጀነቲካዊ ትሕዝቶ ናይቶም ቅምሶታት ንህዝቢ ንኽግለጽ ሰለስተ ዓመት ከም ዝወሰደሎም ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ብጌጋ ካብ ቤተ ፈተነ ውሃን ልሑኹ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ እዩ።

ውዱእ መርትዖ የለን

እቲ ቻይናዊ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ለካቲት ቀዳማይ ስራሕ መጽናዕቶም ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብኢንተርነት ክዝርግሑዎ እንከለው፡ ኣብቲ ካብ ዕዳጋ ዝተኣከበ ቅምሶታት ዝነበረ ምሉእ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ግን ኣይዘርግሑን።

ካልእ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ተመራመርቲ ድሒሩ፡ እቲ ጀነቲካዊ መስርዕ ኣብ ሳይንሳዊ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝተለጠፈ ምስ ርኣዩ፡ እቶም ወሳኒ ካብ ዕዳጋ ዝተኣከቡ ቅምሶታት እንታይ እዮም ኣቃሊዖም ዝብል ናይ ገዛእ ርእሱ ገምጋም ኣካፊሉ።

እዚ ሓድሽ ትንታነ፡ ኣብ መጽሔት 'ኔቸር' ቅድሚ ምሕታሙ ብኻልኦት ተመራመርቲ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ዕዳጋ ካብ ዝርከቡ ደምበታት፡ ጋብያታት፡ ማሽነሪታትን እቲ ከባቢን ዝተኣከቡ ቅምሶታት ዝያዳ ኣገዳሲ ዝርዝር ሓበሬታ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ቻይናዊ ጕጅለ መጽናዕቲ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ ገለ ቅምሶታት - ካብቲ እንስሳ ዘገዳም ዝሽየጠሉ ከባቢታት ዝተኣከበ - ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ኣረጋጊጹ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፡ ሕጂ ንቫይረስ ተቓላዕቲ ምዃኖም ዝፍለጡ እንስሳታት፡ ብፍላይ ድማ ኣኽላባት ራኮን፡ ኣብቶም ቦታታት ብህይወት እንከለው ከም ዝተሸጡ ይሕብር።

እቶም ቻይናውያን ተመራመርቲ ግን፡ እቲ ለበዳ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዝሕብር ርኽበታቶም፡ ውዱእ መርትዖ ከም ዝጐድሎም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

"እዞም ከባብያዊ ቅምሶታት እቶም እንስሳታት በቲ ሕማም ከም ዝተለኽፉ ከረጋግጹ ኣይክእሉን እዮም" ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ ቫይረስ ብእንስሳ ዘይኰነስ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ናብ ዕዳጋ መጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ተኽእሎ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ደቪድ ሮበርትሰን፡ ኣብ 2020 ሳርስ-ኮቪ-2 ካብ ዝቕልቀል ጀሚሩ፡ ኣብ ጀነቲካዊ መርመራ መበቆል ሳርስ-ኮቪ-2 ዝነጥፍ ተመራማሪ ቫይረስ (ቫይሮሎጂስት) እዩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ሕጂ ተሓቲሙ ካልኦት ንኽሰርሑሉ ዕድል ዝህብ ምዃኑ’ዩ” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ትሕዝቶ ናይቶም ቅምሶታት ግን “በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ እንስሳት ነይሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ ኣገዳሲ መርትዖ” ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ድማ፡ “ኣገዳሲ ዝዀነ ምሉእ መርትዖ'ዩ” ክብል ይገልጾ።

“ነዚ ምስቲ ኣብ ውሃን ኣብ ቀዳሞት እዋናት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዝነበረ ኵነታት ምስቲ ዕዳጋ ጉዳያት ከተራኽቦ እንከለኻ፡ ኣብዚ ቦታ ካብ ሓደ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ እንስሳ ዘጋጠመ ምዃኑ ጽኑዕ መርትዖ'ዩ” ይብል።

እዚ ርኽበታት፡ እቲ ካብ ቤተፈተነ ልሒኹ ዝወጽአ እዩ ዝብል ግምት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ቅቡልነት ክረክብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዝመጽአ እዩ።

መንግስቲ ቻይና መንቀሊ እቲ ቫይረስ ካብ ሳይንሳዊ መሳለጥያ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓሳባት ብትሪ ክነጽጎ'ኳ እንተጸንሐ፡ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣሜሪካ ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን፡ እቲ ክስተት “ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ" ምዃኑ ከም ዝኣምን ይምጕት፤ ክፍሊ ጸዓት ኣሜሪካ’ውን ተመሳሳሊ እምነት ኣለዎ።

ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ትካላትን ኣሜሪካ ነቲ ኣካታዒ ጉዳይ መርሚሮም ዝተፈላለየ መደምደምታታት'ኳ እንተኣቕረቡ፡ ብ1 መጋቢት ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ በይጂን እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ምውጽኡ፡ “ንኸተፍሽልን ንኸተህስስን ዝከኣላ ትገብር ኣላ" ክብል ከሲሱ።

እቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብዚ ዙርያ ዝረኸቦ ውጽኢት ንህዝቢ ስለ ዘይገለጸ ግን፡ ንገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ተስፋ ኣቝሪጽዎም ኣሎ።

መሪሕ ተመራማሪ እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ዝዀነ ካብ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ቻይና (ቻይና ሲዲሲ) ርእይቶ ንምርካብ ቢቢሲ ጻዕሪ ገይሩ እዩ።