እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ ምስ ሓደጋ ውሕጅ ብዝተኣሳሰር ንከንቲባ ከተማ ደርና ኣሲራ
ከንቲባ ናይታ ብኸቢድ ውሕጅ ዝዓነወት ሊብያዊት ከተማ ደርና ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ።
ዓብዱልመናን ኣልጋይቲ፡ ካብቶም በቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐ ሓደጋ ዝተኸሰሱ ሰብመዚ ሓደ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በቲ ሓደጋ ዝተቘጥዑ ሰልፈኛታት ነበርቲ ደርና ንመንበሪ እቲ ከንቲባ ብሓዊ ኣቃጺሎምዎ።
ኣብ ትሪፖሊ ዝምቕማጡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ብሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ሰብመዚ፡ “ግድባት እታ ሃገር ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት” ስለዝነበሮም ክሲ ገበን ከምዝቐረቦም ገሊጹ።
ከንቲባ ኣልጋይቲ ዝርከብዎም ገለ ሰብ መዚ ቅድሚ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ብሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ሰብመዚ ነቶም ፈሪሶም ኣሽሓት ሰባት ዝቐተሉ ግድባት መጸገኒ ተባሂሉ ዝተላእከበ ገንዘብ ብምጥፍፋእን ካልኦት ዝተፈላለየ ክስታት ከምዝቐረበሎም ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ጥንቃቐ ኣብ ምውሳድ ብዘርኣይዎ ሸለልትነት ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ሊብያ ዕንወት ወሪዱ ኢሉ።
እቲ ከንቲባ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ተጠቒሙ ዝብል ክሲ እውን ቀሪብዎ ኣሎ።
ሊብያ ምብራቓውን ምዕራባውን ብዝበሃሉ ክልተ ተነሓናሕቲ መንግስታት ኣብ ክልተ ተመቒላ እያ እትመሓደር ዘላ።
እቲ ርእሰ ከተማ ምዕራባዊ መንግስቲ ኣብ ዝዀነት ትሪፖሊ ዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዘለዉ ሰባት ናይ ምእሳር ተኽእሎኡ ኣይተገለጸን።
ምብራቓዊ መንግስቲ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዛጊት በቲ ሓደጋ ምማቶም ዝተረጋገጸ ብዝሒ ሰባት 3,868 ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰብመዚ እውን ምርመራ የካይድ ከምዘሎን ተወሰኽቲ ሰባት ክእሰሩ ከምዝኽእሉን ኣፍሊጡ ኣሎ።