ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሓድሽ ዓይነት ሕማም ጅግል ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ምህላው ተገሊጹ

ኮንዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተመራመርቲ ትካል ምርምር ሕክምና ኬንያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ብፍላይ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ፋይቶት፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሓድሽ ዓይነት ሕማም ጅግል ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ገሊጾም።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ሕማም ጅግል ንመደበኛ ጸረ-ነፍሳት ዝጻወር ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ ኣብመንጎ ፋይቶት ንዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ይወቅሱ።

መዓልታዊ ከኒና መከላኸሊ ኤችኣይቪ ዝወስዳ ገለ ካብተን ፋይቶት፡ እቲ ክኒና ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እውን ከም ዝከላኸለለለን ይኣምና።

ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ንኣጠቓቕማ ኮንዶም ዕሽሽ ክብላ ከም ዝገበረን እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 350 ፋይቶት ተሳቲፈን እየን።

ሰለስተ ርብዒ ካብተን ተሳተፍቲ ምስመጻምድተንን ዓማዊለንን ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸማ ተኣሚነን፡ ምኽንያቱ ድማ ብዘይ መከላኸሊ ካብ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዝያዳ ክፍሊት ስለዝረኽባ እዩ።

ገለ ካብኣተን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብውሑዱ ምስ 29 ዓማዊል ከም ዝደቀሳ ተዛሪበን።

እቶም ተመራመርቲ፡ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ፖሊሲ መስርሕ ሕክምና ክቕይርን ከምኡ’ውን እቲ ጸገም ኣብታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ንምፍላጥ ተወሳኺ መርመራታት ንክገብር ይጽውዑ ኣለዉ።

ጅግል ካብቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓደ እዩ።

ብደረጃ ዓለም በብዓመቱ ልዕሊ 80 ሚልዮን መልከፍቲ ከም ዘጋጥም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጅግል እንታይ እዩ?

ነይሰርያ ጎኖርያ

ምንጪ ስእሊ, CAVALLINI JAMES/SCIENCE PHOTO LIBRARY

  • እዚ ሕማም፡ ነይሰርያ ጎኖርያ ብዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ።
  • እቲ ረኽሲ ብዘይ መከላኸሊ ብርሕምን ካብኡ ወጻእን ብዝፍጸም ፍንው ጾታዊ ርክብ ይላባዕ።
  • በቲ ቫይረስ ካብ ዝልከፉ 10 ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ከምኡ'ውን ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ እተን ሰለስተ ብቐሊሉ ዝልለ ምልክታት ከየርእዩ ይኽእሉ እዮም።
  • ገለ ካብ ምልክታት እቲ ሕማም፡ ካብ ኣካላት ጾታዊ ርክብ ዝፈስስ ረጒድ ቀጠልያ ወይ ብጫ ፈሳሲ፡ ኣብእዋን ሽንቲ ቃንዛን ኣብ መንጎ ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥም መድመይቲን ከጠቓልል ይኽእል።
  • ዘይተሓከመ ረኽሲ ናብ መኻንነት፡ ሕማም ነድሪ ሽምጢ ከስዕብን ኣብ እዋን ጥንሲ ድማ ናብ ዕሸል ክመሓላለፍን ይኽእል።