እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ቀቲሉ - ሰብመዚ ጥዕና
ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝተጨናነቐ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ ፍንጀራ ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም።
ሓደ ዶክተር ነቲ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ ዝተፈፀመ “ጃምላዊ ጨፍጫፋ" ዝበሎ ተግባር ክኹንን እንከሎ፡ ካልእ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣዕናዊ ፍፃመ ዝረአዮ ተዛሪቡ።
ሰበስልጣን ፍልስጤም፡ እቲ ፍንጀራ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ዝሰዓበ ምዃኑ ይገልጹ።
ሰራዊት እስራኤል ግን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ዘወንጨፎ ሮኬት ብምፍሻሉ ዝሰዓበ ምዃኑ ይገልጽ - እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ነዚ ክሲ ኣይቕበሎን።
ነፈርቲ ውግእን መዳፍዕን እስራኤል፡ ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጤም ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ፅዑቕ ደብዳባት ከካይዳ ቀንየን ኣለዋ።
በቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
መጥቃዕቲ እቲ ሆስፒታል፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ፡ ዮርዳኖስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንጉስ ዓብደላ፡ መራሕቲ ፍልስጤምን ግብጽን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋዕላ ሰሪዛቶ።
ጆ ባይደን ሃገሩ "ምስ እስራኤል ዘለዋ ምትሕግጋዝን ሓጺናዊ ስምረትን" ንምርኣይ ናብ ተልኣቪቭ ኣትዩ ምህላው ተገሊጹ ኣሎ።
ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ ዝወጹ ስእልታት፡ ስቓይ ዘርእዩ ኮይኖም፡ ንጉዱኣት ኣብ ጸልማት ብባሬላ ተጓይዮም ከውጽኡ የርእዩ።
ኣብ ደገ ኣብቲ ብፍርስራስ ዝተዘርግሐ ጎደና ሬሳታትን ዝተሰብራ መካይንን ተደፊኦም ይረኣዩ።
ሓደ ቪድዮ፡ ገለ በራሪ ነገር ነቲ ከባቢ ክሃርም ከሎ፡ ድሕሪኡ ድማ ክፍንጀር የርኢ።
"ኣብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ንገብር ኔርና፡ ሓያል ፍንጀራ ተፈጢሩ፡ ናሕሲ ድማ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ወዲቑ። እዚ ህልቂት'ዩ" ይብል ዶክተር ጋሳን ኣቡ-ሲታህ ዝተባህለ ሓኪም ፕላስቲክ መጥባሕቲ ሜዲሲንስ ትካል ግብረሰናይ ሳንስ ፍሮንቲየርስ።
ካልእ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 80 ሚኢታዊት ናይቲ ሆስፒታል ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝኾነን፡ 1000 ሰባት ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቖሰሉ ገሚቱ።
ሆስፒታል ኣህሊ ኣል ዓረብ ምሉእ ብምሉእ ብኣንግሊካን ቤተክርስትያን ዝምወል ኮይኑ፡ እቲ ማእከል ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፀግዒ ነጻ ምዃኑ ትገልጽ።
ዲን ኮሌጅ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኢየሩሳሌምን ሓደ ካብቶም ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ዝርከቡ ላዕለዎት ኣካላት ቤተ ክርስቲያንን ዝኾኑ ካኖን ሪቻርድ ሰዌል፡ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ዘተኣማምን ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ እቲ ሆስፒታል ከምዝተሃርመ ከረጋግፁ ከምዝኸኣሉን ብዙሕ ሰብ ምማቱን ተዘሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 6 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዝጸንሑ'ውን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ሆስፒታል ብቐዳም ብናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ምስ ተሃርመ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ገሊጾም። ነዚ ስዒቡ 5000 ሰባት ካብቲ ቐጽሪ ክወጹ እንከለው፡ ኣስታት 1000 ኣብኡ ተሪፎም፡ መብዛሕተኦም፡ ስንኩላን ወይ ድጋፍ ዘድልዮም ኣረጋውያን እዮም።
ቀሺ ሰዌል ኣብቲ ናይ ትማሊ ፍንጀራ ኣስታት 600 ሕሙማትን ዝሕክምዎም ሰራሕተኛታትን ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ከምዝነበሩን፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ግን ኣብ ደገ ከምዝነበሩ ገሊፆም።
"እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብኣጋጣሚ ይኹን ኮነ ኢልካ ክተመካንየሉ ዝከኣል ኣይኰነን" ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኣማኻሪ ሲቪል ምህንድስናን ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲን ብሪጣንያዊ ፍልስጤማዊ ዛሄር ኩሃይል፡ እቲ ዝረኣዮ ‘ክትሓስቦ ዝኸብድ’ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ክልተ ሮኬታት ካብ ኤፍ-16 ወይ ኤፍ-35 [ነፋሪት ውግእ] መጺአን፡ ነዞም ሰባት ብዘይ ምሕረት ክቐትልዎም [ርእየ]" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ በቲ ፍንጀራ ብዝተበገሰ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ቀዳሞት ረድኤት ወሃብቲ ነቲ ዝደሓኑ ንምድሓን ዘድልዮም መሳርሒታት ከምዝጎደሎምን ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ 500 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣማኢት ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተደቢኖም ከይህልዉ ስግኣት ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሓማስ ነቲ "ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅትለት" ዝበሎ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ወቒሱ።
ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ዝመደበሩ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ንእስራኤል ብ"ጽዩፍ ገበን" ከሲሱ።
እቲ ቍጥዐ ናብ ጎደናታት ምዕራባዊ ገማግም እውን ፈሲሱ እዩ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ በዓልመዚ ፍልስጤም ክጋጨው እንከለው፡ ንሳቶም ድማ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ምላሽ ሂቦም።
ቀዳማይ ምላሽ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ንሆስፒታላት ዒላማ ከምዘይገበረ ምጉላሕ ኮይኑ፡ ብዛዕባ "ዘይተረጋገጸ ክስታት" ጥንቃቐ ክግበር ግና ኣተሓሳሲቡ።
ድሒሩ ዋና ወሃቢ ቃል ሪየር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ኣብ ዝሃቦ ናይ መግለጺ፡ "ድሕሪ ተወሳኺ ምፅራይን መርመራን፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዘይሃረመ ንጹር'ዩ" ኢሉ።
"እቲ ሆስፒታል ብሰንኪ እቲ ብሽበራዊ ውድብ እስላማዊ ጅሃድ ዝተወንጨፈ ፍሹል ሮኬት እዩ ተሃሪሙ" ኢሉ።
ካብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ናብ እስራኤል ካብ ዝተተኮሰ ኣሽሓት ሮኬታት እቲ 450 ኣብ ውሽጢ ቓዛ ወዲቑ ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ሓቢሩ።
ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ከተማ ቓዛ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከምዘየካየደ ብምግላፅ ነቲ ክሲታት ነጺጉ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል በቲ ዝወፀ ፀብፃባት ከምዘሰንበደ ኣፍሊጡ።
"ሆስፒታላት ህይወት ደቂ ሰባት ንምዕቃብ መዕቆቢ ክኾና እምበር ናይ ሞትን ዕንወትን ትርኢት ክኾና የብለንን። ዝኾነ ሕሙም ኣብ ዓራት ሆስፒታል ክቕተል የብሉን። ሓደ ሓኪም ካልኦት ንምድሓን እናፈተነ ህይወቱ ክስእን የብሉን" ይብል እቲ መግለጺ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል።