እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህልቂት ኪቡዝ፡ 'ምስ ህጻን ጓለይ ን27 ሰዓታት ተሓቢእና'
ዕጡቓት ሓማስ ብቐዳም 7 ጥቅምቲ ኣብ ኪቡዝ ኪፋር ዓዛ ብዝፈጸምዎ ጭፍጨፋ፡ ህጻናት ዝርክዎም ብዙሓት እስራኤላውያን ተቐቲሎም። እስራኤላዊት ኣዳላዊት ፊልም ሻይሊ ኣታሪን ውልዶ ጓላን፡ ሰብኣያ ምስቶም ዕጡቓት ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበረ እዋን ካብ ገዛአን ኣምሊጠን ን27 ሰዓታት ብምሕባአን ብህይወት ተሪፈን። ኣታሪ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ ምስ ቢቢሲ ኣዕሊላ ኣላ።