ሶማልያ ኣባል ዞባዊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሶማልያ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኲናት ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየት ንምዕባይ ዓሊማ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጸንቢራ።
ኣባል ሃገራት ዞባዊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሩንዲ፡ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝሓቖፈ ኮይኑ ዜጋታት እዘን ሃገራት ካብን ናብን ብዘይፖስፖርት ክንቀሳቐሱ ዘኽእልን ንግዳዊ ዕድላት ዘፈጥርን'ዩ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ናብ ዞባዊ ንግዳዊ ውድብ ምጽንባር ንሶማልያ “ተስፋ" እዩ ኢሉ።
"መጻኢ ዕድላትን ብልጽግናን ተስፋ ከም ዝህብ" ድማ ገሊጹ።
ሶማልያ ካብ 1991 ጀሚራ ብግጭት ተሓሚሳ ዝጸንሐት ኮይና፡ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ብጉጅለ ኣልሸባብ ዝተቖጻጸሮ’ዩ።
ገለ ጎረባብታ ነቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጉጅለ ንምምካት ክሕግዙ ሰራዊት ምልኣኾም ይፍለጥ።
መራሕቲ ኣባል ሃገራት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ’ዩ ሶማልያ ናብቲ ዞባዊ ውድብ ክትጽንበር ዝተወሰነ።
ሶማልያ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምእታዋ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እኳ እንተኾነ፡ ብቀሊል ዝመጽአ ጉዳይ ግን ኣይኮነን።
ሶማልያ ናብቲ ዞባዊ ውድብ ንኽትጽንበር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ጎስጓስ'ያ ከተካይድ ጸኒሓ፡ ኣብ ገለ ኣባል ሃገራት ግን ከቢድ ሕቶታትን ምዕርምራማትን ኣስዒቡ’ዩ።
ዜጋታት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ኣባል ሃገራት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ስለዝኽእሉ፡ ገሊኦም ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብቲ ዞባ ንምንቅስቓስ ዝቐለለ ክኸውን ከምዝኽእል ሻቕሎቶም ገሊጾም።
ሓደስቲ ሃገራት ናብቲ ዞባዊ ውዳበ ንኽኣትዋ፡ መትከላት ሰናይ ምምሕዳር፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ዝኽተላ ከርእያ ይግባእ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል’ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሶማልያ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ብልሽውና ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ተሰሪዓ ነይራ።
ገሊኦም ወከልቲ ነዚ መረዳእታ ጠቒሶም ‘ሶማልያ ናብቲ ውድብ ክትጽንበር ድልውቲ ኣይኮነትን’ ኢሎም ክካትዑ ተራእዮም።
ኣብ መንጎ ዞባዊ ውዳበ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሶማልያን ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተጀመረ ኮይኑ መንግስቲ ኬንያ ዝኣንገዶ’ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሓሰን፡ ሃገሩ ነቶም ጉዳያት ንምፍታሕ ብኣባል ሃገራት እቲ ውዳበ ተሓጊዛ ከይተሓለለት ትሰርሕ ከምዘላ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ነቲ ዞባ ምስ ደሴት ዓረብ ዘራኽብ 3000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ሃገሩ ከምኡ’ውን ከም ምግፋፍ ዓሳ ዝኣመሰለ ቁጠባ ባሕሪ ሶማልያን ብምምልካት ምጽንባር ሃገሩ ኣገዳሲ ምዃኑ መዲሩ።
ገለ ደገፍቲ ኣብ ኤክስ[ናይ ቀደም ትዊተር]፡ ምጽንባር ሶማልያ ከምዝደንጎየ ብምግላጽ፡ እቲ ዞባ ርኡይ ተጠቃሚ ከምዝኸውን ወሲኾም ገሊጾም።
ካልኦት ድማ፡ ዞባዊ ውዳበ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገለ ካብ ብድሆታት ሶማልያ ከወርስ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ሻቕሎት ዝያዳ ግዜ ክውሰድ ነይርዎ ይብሉ።
እቲ ዞባዊ ውዳበ ንኹለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውህሃድ ተስፋ ስለዘለዎ ስፍሓት ዕዳጋኡ ንምስፋሕ ዓሊሙ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ዞባዊ ውዳበ ፒተር ማቱኪ፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ናብቲ ውድብ ክጽንበራ ምዃነን ኣተንቢሁ ነይሩ።
ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ተጸንቢራ።
ሶማልያ ድሕሪ ብሩንዲ፡ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ሻሙነይቲ ኣባል ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







