ሩስያ ሴናተር ኣሜሪካ ሊንድሰይ ግራሃም ንኽእሰር ኣዚዛ

ሩስያ፡ ኤዲት ኣብ ዝተገብረ ሞት ወተሃደራት ሩስያ ዘርኢ ቪድዮ ክጽንብል ንዝርኣየቶ ሴናተር ኣሜሪካ ሊንድሰይ ግራሃም ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኣ።

እዚ ቪድዮ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ህሞታት ተላጊቡ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኪቭ ድሕሪ ምርኻቡ ዝተጠቅዐ ምስሊ እዩ።

ኣብዚ ቪድዮ፡ ሴናተር ግራሃም ወተሃደራት ሩስያ "ይሞቱ" ከም ዘለዉ ብምግላጽ ንኪቭ ዝግበር ሓገዝ "እቲ ዝበለጸ ገንዘብ ዘውጻእናሉ እዩ" ክብል ይስማዕ።

እቲ ገዲም ኣባል ሪፓብሊካን፡ ነቲ ብሩስያ ተመሓላሊፉሉ ዘሎ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከም "ባጅ ክብሪ" ክለብሶ እየ ክብል መልሲ ሂብሉ ኣሎ።

ሴናነተር ግራሃም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “ንዩክረይን ዘለኒ ተወፋይነት ቍጥዐ ስርዓት ፑቲን ከም ዝሰሓበ ምፍላጠይ ዘይተኣደነ ሓጐስ ኣምጺኡለይ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ሩስያ ካብ ግዝኣት ዩክረይን ክሳብ ዝስጐግ ኣብ ጐድኒ ናጽነት ዩክረይን ደው ክብል እየ” ኢሉ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ንስርዓት ፑቲን ገበነኛ ኲናት ኢለ ብምጽውዐይ ንዓይ ክኣስሩን ክፈርዱን ንዝደልዩ ሩስያውያን 'ኣዕሩኽተይ' ዘቕርቦ ዕድል እንሆ፡ ንስኹም’ውን እንተገይርኩምዎ ብስልጣን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክግዛእ እየ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሞስኮ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንርእይቶታት ሴናተር ግራሃም ድሕሪ ምንቃፋ፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ “ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሴናተራት ዘለውዋ ሃገር ምዃን ዝፈጥሮ ዝዓበየ ሕፍረት ክትሓስቦ ኣጸጋሚ እዩ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ዩክረይን ግን ነቲ ምሉእን ኤዲት ዘይተገብረን ቪድዮ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክወጽእ ገይራ።

እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከም ዘመልክቶ፡ ሴናተር ግራሃም ነዚ ርእይቶ ዝሃበ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይቲ ኣኼባ ምዃኑ እዩ።

እዚ ድማ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ተኣሪሙ ብቕጽበት ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ተዘርጊሑ።

ኣብታ ቀዳመይቲ ክሊፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ንቕድመ-ገስጋስ ሩስያ ንምዕጋት ኣብ ምሕጋዙ ዕዉት ምዃኑ ብምእማን፡ "እቲ ዝበለጸ ገንዘብ ዘውጻእናሉ" ሓገዝ’ዩ ክብል ንኢዱ።

ድሒሩ ኣብ ዝተፈልየን ምስዚ ዘይተኣሳሰርን ክሊፕ ድማ፡ ብዙሓት ኣብ መጀመርታ ዩክረይን ካብ መጥቃዕቲ ሞስኮ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ክትድሕን እያ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ብምዝኽኻር ኣብ ክንድኡ "ሩስያውያን ይሞቱ ኣለዉ" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ግን ኪቭ ንሴናተር ግራሃም ካብ ነቐፌታ ክትከላኸለሉ ፈቲና ክብል ከሲሱ፤ ቃላት እቲ ሴናተር ካብ ዓውዲ ወጻኢ ዝተወስዱ እንተዀይኖም ድማ ብግልጺ ክገልጽ ጸዊዑ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሩስያ፡ ንሴናተር ግራሃም ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ዘእተወ፡ እንታይ ዓይነት ገበናት ከም ዝፈጸመ ኣይገለጸን።

ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ኮሚተ መርማሪ ሞስኮ ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣሜሪካ ዝመዓራረ ፈደራላዊ ኣኽባሪ ሕጊ፡ "እቲ ኣሜሪካዊ ሴናተር ንቕትለት ሩስያውያን ብዝምልከት ዝሃቦ ቃላት" መርመራ ከም ዘበገሰ ገሊጹ እዩ።

ሴናተር ግራሃም ኣብ ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ሓደ ካብቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን እዩ ተባሂሉ ይግለጽ።

እቲ ሓጋጊ ደቡብ ካሮላይና ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ብዕቱብ ዝድግፍ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ሞስኮ ኣብ እዋን እቲ ኲናት "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት" ፈጺማ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክቕተል ድሕሪ ምጽዋዑ ኣብ ሞስኮ ቍጥዐ ኣለዓዒሉ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዛዘመሉ እንኰ መገዲ "ኣብ ሩስያ ዘሎ ሰብ ነዚ ወዲ እዚ ክቐትሎ” እንተኽኢሉ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ወዲ 67 ዓመት ሴናተር ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ውን'ዩ።

ኣብ 2024 ንዝካየድ መረጻ ንሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ትራምፕ፡ ዳግማይ እንተተመሪጹ ነቲ ኲናት ድሕሪ 24 ሰዓታት ከብቅዖ ምዃኑ ብቐጻሊ'ኳ እንተገለጸ፡ ዩክረይን ክትዕወት ይደሊ ድዩ ኣይደልን ግን መርገጺ ክወስድ ኣይደለየን።