ክልል ጋምቤላ ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, GAMBELLA PRESS SECRETARIAT OFFICE
መንግስቲ ክልል ጋምቤላ ካብ ሎሚ13 ሓምለ 2015 [ግ] ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ክልላዊ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ፡፡
ኣብቲ ክልል ከም ብሓድሽ ዝተወለዐ ጎንጺ ህይወት ሰባት ምብልዑ ስዒቡ እዩ ኣብ ሰዓታት ምሸት ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ ዘሎ፡፡
በቲ ክልከላ መሰረት ካብ ምሸት ሰዓት 1፡00 ክሳብ 12፡00 ወጋሕታ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን፡፡
ኣብ ስራሕ ካብ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ወጻእ ተሸከርከርትን ግለ ሰባትን በቲ ዝተጠቐሰ ሰዓት ከይንቀሳቐሱ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ፡፡
ካብቲ ኣብ ስብን ተሽከርከርትን ዝተገበረ ክልከላ ብተወሳኺ፡ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ወጻኢ ኣጽዋር ሒዝካ ምንቅስቓስ እውን ተኸልኪሉ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ጸገማት ጸጥታ ድሕሪ ምግምጋም፡ ካቢነ እቲ ክልል ነቲ ክልከላ ከምዘንበረ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሸሽን እቲ ክልል ብማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጡ፡፡
ቁጽሪ በቲ ጐንጺ ዝሞቱን ዝተጎድኡን ሰባት ዘይገለጸ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ‘‘ኣብ ምዝራግ ሰላም ኢድ ዝነበሮም ኣመራርሓ ይዅን ካልኦት’’ ከምዝሕተቱ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ መጀርታ እዚ ሰሙን ግጭት ከምዝተወለዐን ከምኡ እውን ኣብ ክልተ ከባቢታት ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎም ጎንጺታት ከምዝተርኣዩ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ጋምቤላ፡ ትማሊ 12 ሓምለ 2015 ኣግ ትካላት ንግድን ቤት ጽሕፈታትን ተዓጽዮም ከምዝነበሩ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዝተወለዐ ጎንጺ ብውሑድ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 10 ከምዝቆሰሉን ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ግንባር ናጽነት ህዝቢ ጋምቤላን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብሓባር ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር ኮይኑ እታ ከተማ ስሩዕ ምንቅስቓስ ደው ኣቢላ ነይራ፡፡
ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዋሰን ክልል ጋምቤላ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት የተኣናግድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ክልል ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ጎንጺታትን መጥቃዕቲታን ዘጋጥሙ ኮይኖም፡ ብተወሳኺ ካብ ደቡብ ሱዳን ሰሊኾም ዝኣትዉ ዕጡቓት እውን መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እዮም፡፡
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ 480 ሽሕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብቲ ክልል ተዓቚቦም ይርከቡ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







