ዓለምለኻዊ ደረጃ ፓስፖርት ዕላዊ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራከ?

ፓስፖርት ሲንጋፖር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደረጃ ሓይሊ ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ዘውጽእ ‘ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ’፡ ናይ 2023 ‘ሓያል’ ን ‘ደኹም' ዝበሎም ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት'ዚ ሲንጋፖር ካብ ጃፓን በሊጻ ኣብ ዓለምና ዝሓየለ ፓስፖርት ዘለዋ ሃገር ኰይና ኣላ።

እቲ ትካል፡ ካብ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ወነንቲ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ክበጽሕዎም ዝኽእሉ መዳረግቲ ሃገራት መሰረት ብምግባር’ዩ ዓመታዊ ዓለማዊ ደረጃ ፓስፖርት ዘውጽእ።

ፓስፖርት ሲንጋፖር ዝውንኑ ሰባት ካብ 227 ሃገራት ዓለምና ናብተን 192 ኣቐዲሞም ቪዛ ምርካብ ከየድለዮም ክኣትዉ ብምኽኣሎም እዩ እታ ሃገር ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ክኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ጽቡቕ ዝምድና፡ ሲንጋፖር ኣብ ሓይሊ ፓስፖርታ ርኡይ ምምሕያሽ ክተርእይ ኣኽኢልዋ እዩ።

ኣብ 2014 ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓባር ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዝነበረት ኣመሪካ ኣንቆልቊላ ኣብ ሻምናይ ደረጃ ትርከብ።

ሲንጋፖር ዜጋታታ ኣቐዲሞም ቪዛ ምሕታት ከየድለዮም ዝኣትዉለን መዳረግቲ ሃገራት ብ25 ኣብ ዝወሰኸሉ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣመሪካ 12 መዳረግቲ ሃገራት ጥራይ እያ ወሲኻ።

ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን ብማዕረ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዛ ክዀና ከለዋ፡ ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ናብ 190 ዓለማዊ መዳረግቲ ሃገራት ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዝነበረት ጃፓን ናብ ሳልሳይ ደረጃ ወሪዳ ኣላ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ፓስፖርታ ጃፓን ዝውንኑ ሰባት ድማ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም መዳረግቲ ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 193 ናብ 189 ብምውራዱ እዩ ።

ካልኦት ምስ ጃፓን ማዕረ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዓ ድማ ኣውስትርያ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ሉክሰምበርግ፡ ደቡብ ኮርያን ሽወደንን እየን።

ዴንማርክ፡ ኣየርላንድን ሆላንድን ብ188 መዳርግቲ ሃገራት ኣብ ራብዕይ ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።

ብ187 መዳርግቲ ሃገራት መበል 5ይ ዝተሰርዓ ቤልጅም፡ ቼክ ሪፓብሊክ፡ ማልታ፡ ኒው ዚላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖርቹጋልን ስዊዘርላንድን እየን።

ኣውስትራልያ፡ ሃንጋሪን ፖላንድን መበል 6ይ፡ ካናዳን ግሪክን መበል 7ይ፡ ኣመሪካን ሊቱወኒያን መበል 8ይ፡ ላትቪያ፡ ስሎቫኪያን ስሎቨኒያን መበል 9ይ ደረጃ ከምኡ’ውን ኢስቶንያን ኣይስላንድን መበል 10ይ ሓያል ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ኣለዋ።

ብኣንጻሩ ኣብ ዓለም እቲ ዝደኸመ ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ድማ ካብ መበል 101 ክሳብ 103 ዝተሰርዓ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እየን። ዜጋታት እዘን ሃገራት ናብ 30 ወይ ትሕቲኡ መዳርግቲ ሃገራት ጥራይ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ከም ዝፍቀደሎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ፓስፖርት ዘለዎም ዜጋታት ሲሸልስ እዮም፤ እታ ሃገር ዜጋታታ ናብ 153 መዳርግቲ ሃገራት ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ኮይኖም ብዓለም ደረጃ መበል 24 ተሰሪዓ ትርከብ። ካብ ሲሸልስ ቀጺለን ሞሪሸስን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓሸ ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ብኣንጻሩ ኣብታ ኣህጉር ዝደኸመ ፓስፖርት ዝውንኑ ዜጋታት ሊብያን ሶማልያን እዮም።

ፓስፖርት ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ

ጸብጻብ ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ ከም ዘመልክቶ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ቪዛ ምሕታት ከየድለዮም ናብ 47 ሃገራት ክኣትዉ ይኽእሉ።

እዚ ድማ ኣብ 2022 መበል 100 ተሰሪዑ ዝነበረ ፓስፖርት እታ ሃገር፡ ምምሕያሽ ኣርእዩ ኣብ 2023 መበል 89 ደረጃ ረኺቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያውያን ናብ 22 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 10 ሃገራት ኤስያ፡ 6 ሃገራት ኦሻንያ፡ 5 ሃገራት ካሪብያ፡ 3 ሃገራት ላቲን ኣመሪካን 1 ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገርን ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ይኽእሉ።

ኢትዮጵያ ዝሓሸ ደረጃ ዘመዝገበትሉ እዋን ኣብ 2006 ነይሩ፤ ሽዑ መበል ኣብ 78 ተሰሪዓ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ኤርትራ

ፓስፖርት ኤርትራ

ብተመሳሳሊ ፓስፖርት ኤርትራ’ውን ምምሕያሽ ኣርእዩ ኣብ መበል 92 ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣብ 2022 ካብ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ቀጺሉ ኣብ መበል 101 ተሰሪዑ ዝነበረ ፓስፖርት እታ ሃገር፡ ብዘይ ቪዛ ናብ 44 ሃገራት ከእቱ ይኽእል።

እዚ ማለት ዜጋታት ኤርትራ ናብ 23 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 10 ሃገራት ኤስያ፡ 6 ሃገራት ኦሻንያ፡ 3 ሃገራት ካሪብያ፡ 1 ሃገራት ላቲን ኣመሪካን 1 ሃገር ማእኸላይ ምብራቕ ንምእታው ኣቐዲሞም ቪዛ ምርካብ ኣየድለዮምን።

ይኹን እምበር ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸመ ፓስፖርት ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

ምሕያል ፓስፖርት ብምንታይ እዩ ዝውሰን?

ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም፡ ምሕያል ሓደ ፓስፖርት ካብ ዝውስኑ ጉዳያት ሓደ፡ ዜጋታት ዝረኽብዎ መጠን ኣታዊ እዩ።

ዜጋታት ዝለዓለ መጠን ነብሲወከፍ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ካብ ድኻ ሃገራት ብዝሓሸ ኣቐዲሞም ቪዛ ከይረኸቡ ናይ ምጕዓዝ ተኽእሎ ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ሰላም ሃገራት ምስ ሓይሊ ፓስፖርተን ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎ።

ሓንቲ ሃገር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጐንጺ ከምኡ ድማ ብጕጅለ ዝፍጸሙ ገበናት ብብዝሒ ዝረኣየላ እንተዀይና ዜጋታታ ዝገብርዎ ዓለም ለኻዊ ጕዕዞ ዝተደረተ እዩ ዝኸውን።

ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ዘይብለንን ብዙሓት ተፈናቐልቲ ዘለወንን ሃገራት እውን፡ ዜጋታተን ቪዛ ዝሕተቱለን ሃገራት ክበዝሓ ምኽንያት ይኸውን እዩ።

ብሰንኪ'ዚ ከም ናይ የመን፡ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታትን ዝኣመሰላ ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ብዙሕ መገሻታት ቪዛ ይሕተቱ።