ፍርቂ ሚዛኑ ዝማሰነ ህጻን ‘ሃብቶም’

ህጻን ሃብቶም ዕድመኡ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ’ሎ። ግን ፍርቂ ናይቲ ክምዘኖ ዝግባኦ ጥራይ እዩ ክብደት ሰብነቱ።

እቲ ዶክተር ነቲ ዓጽሚ ጥራይ ዝተረፈ ቅልጽሙን እግሩን ንምርኣይ ንስረኡን ዝተኸደኖ ጐልፎን ክቐልዖ እንከሎ፡ ኣደኡ ብስቕታ ትጥምቶ ነበረት።

ስማ ክትገልጽ ኣይትደልን።

እዚ ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርአ መዓልታዊ ውጽኢት ጥምየትን ሕጽረት መግቢን እዩ። ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ነቲ ውግእ ደው ከብሎ'ኳ እንተኸኣለ፡ ካብቲ ግጭት ዝተረፈ በሰላ ግን ሕጂ’ውን ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ትግራይ ካብ ሰለስተ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዳርጋ ሓደ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎም ግምት ኣቐሚጡ ነይሩ።

ወተሃደራት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ክንኪ ወይ ብኸቢድ ክግደብ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ናብ እገዳ ኣምሪሖም።

'ጥራሕ ኢደይ. . .'

ምስቲ ኲናት ማዕረ ዕድመ ዘለዋ ማክዳ፡ ልክዕ ከም ህጻን ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ ሂወት ተጣቢቓ ትርአ።

ኣዝያ ተዳኺማ ከብዳ ድማ ብኸቢድ ሓቢጡ ኣሎ።

"መግቢ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ" ትብል ሂወት። ኣስዒባ፡ "ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ'ውን እንተዀነ ክትበልዕ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ክትብል ነቲ ዘሎ ከቢድ ኵነታት ትገልጾ።

ማክዳ ናብ ሆስፒታል ካብ እትኣቱ ጀሚራ ኵነታታ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

"ጓለይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ዘላ፡ መድሃኒት የለን ስለዝተበሃልና እዩ። ዝዀነ ነገር ክንረክብ ኣይከኣልናን" ትብል ሂወት።

"ዓሚ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጸገም ናብዚ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን'ውን እንተዀነ ዋላ ሓንቲ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ጥራሕ ኢደይ ናብ ገዛይ ተመሊሰ።"

ስድራ ሃብቶምን ማክዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ንደቈም ሕክምና ክደልዩ ጸኒሖም ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ወርሒ ብቪድዮ ቀዲሑ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱሎም ነይሩ።

ድሕሪ ነሓሰ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ዝያዳ መሬት እናተቘጻጸሩ ምስ ከዱ መራሕቲ ትግራይ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም።

ብመሰረት ውዕል እቲ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ድማ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተወሳኺ ሓገዝ ክንሰድድ ኢና ክብሉ ኣፍሊጦም።

'ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተወድአ'

ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓኪም መጥባሕቲ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ክልል እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ ሆስፒታል እዩ።

"ንኣሽቱ ህጻናትን ኣዴታትን መዓልታዊ ክሳቐዩን ክበኽዩን ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ይብል ዶክተር ክብሮም።

"ኣብ ሆስፒታልና ብዙሓት ህጻናት ሞይቶም እዮም። ምኽንያቱ ሓደ ህጻን ሕጽረት መግቢ ምስ ኣጋጠሞ፡ ክትህቦም ዘለካ መግቢ ጥራይ ኣይኮነን፤ መድሃኒት፡ ጸረ-ረኽሲ፡ ሚነራላትን የድልዮም እዩ ... እዚ ድማ የብልናን" ክብል የረድእ

ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ቀረባት ሕክምና ዝመጽእ ዘሎ ይመስል ግን ከኣ እዅል ኣይኰነን።

ዶክተር ክብሮም፡ ካብ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ዝተለኣኸ ናውቲ ሕክምና ዝሓዛ ቀዳሞት ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ መቐለ ከምዝበጽሓ ይዛረብ።

"እቲ ዝረኸብናዮ መጠን መድሃኒት ንፍርቂ ሕሙማትና ዝኣክልን ንሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝጸንሐን እዩ ነይሩ" ይብል።

ናብቲ ሆስፒታል ሓገዝ ኣብ ዘይበፅሓላ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝያዳ ሕሙማት ይሞቱ።

"ንኣብነት ሕሙማት ካንሰር (መንሽሮ) እንተርኢና፡ እቲ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኣብ መላእ ትግራይ ኬሞቴራፒ ዝበሃል የለን" ይብል ዶክተር ክብሮም።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ደረጃ መንሽሮኦም እናገደደ ይኸይድ"

"ቅድሚ ሕጂ ዝፍወስ እንተነይሩ፡ ሎሚ ግን ብመጥባሕቲ እውን ክሕከም ዘይክእል ኰይኑ ኣሎ። ነቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ ውልቀሰባት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ትርጕም ኣላታ" ብምባል ነቲ መዓልታዊ ትዕዝብቱ የረድእ።

ጻዕሪ ሓገዝ

ካብ መፋርቕ ሕዳር ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ታሕሳስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን ብልዕሊ 1600 ናይ ጽዕነት መካይን መግቢ፡ መጽለልን ናውቲ ሕክምናን ክሰዱ ከምዝኸኣሉ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) እውን ካብ መፋርቕ ሕዳር ጀሚሩ ብውሕዱ 38 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ መቐለ ከምዝሰደደን ካልኦት ድማ ኣብ መንገዲ ከምዘለዋን ኣፍሊጡ’ሎ።

"ብዅሎም ሰብኣዊ ተዋሳእቲ ጻዕርታት ይግበር'ኳ እንተሃለወ ምስ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ እኹል ኣይኰነን" ይብል ወሃቢ ቃል ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ጁድ ፉህዊ።

እቶም ጠለባት ድማ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ንምብጻሕ ሸቶ ሒዙ’ሎ።

"ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ብዙሕ ምምሕያሻት ኣሎ" ይብል ወኪልን ሃገራዊ ዳይሬክተርን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክላውድ ጂቢዳር።

"ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ግጭት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ንቡር ክንምለስ ትጽቢት ኣይነበረናን" ክብል ይገልጽ።

ሓይልታት ፈደራል ኣብ ሰሜን ብሽረ ዝርከቡ ከባቢታት ዝቈጻጸሩ'ኳ እንተዀኑ መቐለ ግን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ትግራይ ትርከብ።

ኣብ ካልእ ክፍሊ ሆስፒታል ዓይደር፡ ፍቓዱ ጀምበር ዝተባህለ ጡረተኛ መምህር ረኺብና። ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንሕማም ሽኮርያኡ ዝኸውን መድሃኒት ክረክብ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

"ንሕክምና ናብዚ ክንመጽእ ከለና፡ መብዛሕትኡ መሳርሒታት ኣይሰርሕን። ኣብ ኵሉ ቦታ ንጽዕር ኣለና፣ ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ግን ዋላ ሓደ ነገር የለን" ይብል።

"ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ፡ መድሃኒት ክንረክብ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና፣ ክሳብ ሕጂ ግን ዝበጽሐ ነገር የለን" ክብል’ውን ነቲ ኩነታት የረድእ።

ሓካይም እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ቀረብ እዩ ዝጐድሎም።

"መጥባሕቲ ንምግባር እዅል ጓንቲ የብልናን። ዳግማይ ክንሓጽቦምን ክሳብ ሰለስተ ግዜ ክንጥቀመሎምን ኢና ንግደድ" ይብል ዶክተር ክብሮም።

"ደም ስለዘይብልና ዝዀነ ዓይነት ደም ናይ ምትካእ ሕክምና ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሕሙም ምምሕልላፍ ደም ከምዘድልዮ እንተፈሊጥና፡ በቃ እቲ መጥባሕቲ ኣይንገብሮን" ክብል ይውስኽ።

ምምላስ ሓይሊ ኤሌክትሪ

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ስሙ ክግለጽ ዘይደሊ ካልእ ሓኪም፡ ውሑድ ናውቲ ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ይዛረብ።

"እቲ ሆስፒታል ብዝቘሰሉ ወተሃደራትን ሲቪላውያን ሕሙማትን መሊኡ ኣሎ" ዝብል እቲ ሓኪም መብዛሕትኦም ይሕገዙ ከምዘየለዉ ይገልጽ።

ሰበስልጣን ፈደራል ዝገበርዎ ኣወንታዊ ነገር ናብ መቐለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምለስ ምግባር ጥራሕ እዩ ይብሉ እቶም ሓካይም።

እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪን መመርመሪ ናውቲን ክመጹ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ግን ከኣ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ዝለዓለ ዋጋ (ሞት) ኣብ ምኽፋል ይርከቡ።

"ዝሓሸ መጻኢ ክህልዋ እየ ዝደሊ" ትብል ኣደ ማክዳ ሂወት።

"ነዚ ጥራይ እየ ክሓስብ ዝኽእል" ክትብል’ውን ወሲኻ ትዛረብ።