እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ዕንወትን ተስፋ ዳግመ ህንጸትን
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዝተዘረገሐን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸብቅዕ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ሓደ ወርሒ ኰይኑዎ ኣሎ።
ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮቢ ኬንያን ተራኺቦም ነቲ ስምምዕ ካብ ዝፍርሙ ንደሓር፡ እቲ ኲናት ሃዲኡ።
‘ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይኰነን’ ዝብል ክስታት'ኳ እንተቐረበ፡ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ከምዘለዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብዙሓት ኣህጉራዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ስዒቡ ዝመጽእ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕንወት ትሕተ-ቅርጽን ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ዛጊድ ተመዛቢሎም ይርከቡ።
እዚ ክልተ ዓመት ዘቝጸረ ደማዊ ኲናት፡ ከምቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብዕርቀ-ሰላም እንተተዛዚሙ፡ እቲ ዝቕጽል ዓቢ ዕማም፡ ነቲ ብኲናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግማይ ምህናጽ ከም ዝኸውን ይእመን።
ንምዃኑ፡ እቲ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝወረደ ዕንወት ክሳብ ክንደይ እዩ? ዳግመ-ህንጸቱ ዝወስዶ ወጻኢታትን ግዜንከ? መንከ እዩ ተሓታቲኡ?
እቲ ዝወረደ ዕንወት
ነዚ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዙሓት ትሕተ-ቅርጺታት ከምዝዓነዉ፡ ኣብ ጥንታውያን ቅርስታትን ዕንወትን ዘረፋን ከምዝተራእየ ይግለጽ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ገለ ትካላት ምሉእ ብምሉእ ክዓንዋ እንከለዋ፡ ገለ ድማ ብኸፊል ጉድኣት ወሪዱወን።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ 2013 መቐለን ኣብ ዝተቘጻጸረሉ እዋን፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢሉ ንእሽተይ ዳህሳስ ናይቲ ዕንወት ኣካይዱ ነይሩ።
እቲ ዳህሳስ ኣብ መቐለን ከባቢኡን'ኳ እንተተኻየደ፡ እቲ ዕንወትን ምዝማትን ግን ልዑል ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ኣብቲ ክልል ካብ ዝዓነዋ ትካላት፡ ማእከላት ትምህርቲን ሕክምናን ፋብሪካታትን ይርከባአን።
ካብቶም ዝዓነዉ፡ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፡ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም፡ ፋብሪካ ጨርቃጨርቂ ኣልመዳ፡ ፋብሪካ ሕክምና ዓዲግራትን ፋብሪካ 'ሼባ ቆዳና ሊጦ ' ውቕሮን ይጥቀሳ።
ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ተዘርግሐ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ፋብሪካታትን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ዓንዮም። ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ኣስታት 292 ቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደ ይሕብር።
ብቤት ጽሕፈት ኮንስትራኽሽን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተገበረ መጽናዕቲ እውን፡ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተዘረፋ ኣረጋጊጹ እዩ። ገለ ካብኣቶም ድሒሮም ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ከምዝተመልሱ ዘርኢ እዩ።
ኣባል ቦርድ-ሓደራ፡ ትካል ኢንደውመንት ትእምት፡ ኣቶ ምሉኣለም ኣስፋው፡ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ትእምት ዝወረደ ዕንወት ብሓፈሻ፡ 11 ቢልዮን ብር ከምዝግመት ይዛረብ።
እቲ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ብቐዋምን ግዝያውነትን ቈጺሩ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 140 ሚልዮን ቅርሺ ደመዎዝ ዝኸፍል ዝነበረን ትእምት፡ ዳግም ንምህናጽ 60 ቢልዮን ብር ክሓትት ከምዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ከምዝዓነዋ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተመሃሮን 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ትምህርቲ በዂሮም ከምዝተረፉ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝወረደ ዕንወት ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ብሓይልታት ትግራይ ከምዝዓነዋ'ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቃሊዑ።
ብሂዩማንራይትስ ዎች ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መዓስከራት ወተሃደራት ኰይነን ከምዝነበራን፣ ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን ድማ፡ ኮምፒዩተራት፡ ፕላዝማን ካልኦት መሳርሒታትን ብናይ ጽዕነት መካይን ከምዘጓዓዓዙ ይኸስስ።
ጕጅለ ሓካይም ዶብ-ኣልቦ ብወገኑ፡ ኣብ መፋርቕ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰለስተ ኢድ ማእከላት ጥዕና ከምዝተዘመታን ከምዝዓነዋን ሓቢሩ።
ብሰንኪ'ዚ፡ መብዛሕትአን ማእከላት ጥዕና፡ ኣገልግሎት ዘይህባ ክዀና እንከለዋ፡ ብፍላይ ህጻናትን ኣደታትን ንልዑል ሓደጋ ጥዕናን ሞትን ከምዝተቓልዓ ኣስፊሩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ጥንታውያን ሓወልትታትን [ንመካነ መቓብር ኣኽሱም ሓዊሱ] ታሪኻዊ መስሕባትን'ውን ጉድኣት ከምዝወረዶም ጸብጻበት የመልክቱ።
ንኣብነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ጥንታዊ ገዳም ዝዀነ ደብረዳሞ ብሰራዊት ኤርትራ ብመድፍዕ ብተደጋጋሚ ከምዝተደብደበን ጉድኣት ከምዝወረዶን መጽናዕቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን'ቲ ክልል የመልከት። ኤርትራ ነዚ ክስታት ኣይትቕበሎን።
ጥንታውያን ገዳማትን ከም ኣልነጃሺ ዝኣመሰሉ መሳጊድን ከምዝተሃስዩን ከምዝተዘመቱን፡ ካብ ጥንታውያን ገዳማት ትግራይ ዝተሰርቀ ንብረት ድማ ብመንገዲ ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ዕዳጋታት መርበብ ኢንተርነት ብሕሱር ዋጋ ይሽየጥ ከምዝነበረ ይዝከር።
ዳግመ ህንጸት ብኸመይ’ዩ ዝካየድ?
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ሓደ ካብቶም ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሰላም ንምምጻእ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።
ኦባሳንጆ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሰማፎራ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽአ ጽሑፍ፡ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ንምህናጽ 25 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ገሊጹ።
ካሜሮን ሃድሰን ኣባል ስለያ ኣመሪካ [CIA] ነበርን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሮግራም ሲኤስኣይኤስ ኣፍሪቃን እዩ።
ነቲ ኲናት ብቐረባ ክከታተል ዝጸንሐ ሃድሰን፡ እቲ ቀዳማይ ዝፍጸም ነገር 'ዶነር ኮንፈረንስ' እዩ ይብል። እዚ ዘተ እዚ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት፡ ተኣኪበን ክንደይ ገንዘብ ከምዘድልየን ዝውሰነሉ መድረኽ እዩ ክኸውን።
"ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ፈደራል እዩ" ዝብል እቲ ኣማኻሪ፡ ማእከላይ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ክኢላ ዓለምለኸ ሕጊ ባይሳ ዋቅወያ ብወገኑ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዩጎዝላቭያ ዘጋጠመ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ኣመልኪቱ ርእይቶኡ ንቢቢሲ ሂቡ ኣሎ።
እቲ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገለ ምሁር፡ ክሮኤሽያን ሰርብያን ብኲናት ሓድሕድ ዩጐዝላቭያ ብዝያዳ ከምዝተሃስያ ይገልጽ።
"እቲ ኲናት ካብ ዝውዳእ 27 ዓመታት ኰይኑ'ሎ፣ ክሳብ ሎሚ ግን ምሉእ ብምሉእ ዳግማይ ምህናጽ ኣይተኻእለን"።
ሃድሰን፡ ዓለምለኸ ትካላትን፡ ትካላት ረድኤትን ንሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ዳግም ንምህናጽ ክጓየዩ እዮም ዝብል እምነት የብሉን።
ንሱ፡ ባንክ ዓለምን ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ]ን፡ ምናልባት ክልግሱ ይዀኑ'ዮም፣ እንተዀነ ካልኦት ብዙሕ ዝረባረባሉ ጉዳይ ከምዘይኰነ ስግኣቱ ይገልጽ።
“ንዓበይቲ ለገስቲ፡ ዳግመ-ህንጸት ማለት ወፍሪ ማለት እዩ። ንሓንቲ ሃገርን ህዝባን ዝሓሸ መጻኢ ዝኸውን መሰረት ምንጻፍ እዩ። ካብቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ካብዚ ዕንወት ዝተማህረ የለን። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኢትዮጵያ ናብ ተመሳሳሊ ግጭት ይኸዱ ኣለዉ።"
'ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጥረ ቍስሊ ግን ኣይሓወየን'
ባይሳ ዋቅዋያ፡ ክሮኤሽያን ሰርብያን ብገንዘብ ኣህጉራዊ ትካላት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓገዝ ዲያስፖራ እውን ተወሲኽዎ፡ ከም ብሓድሽ ከም ዝተሃነጻ ይዛረብ።
“እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዓንዩ ዝነበረ መሰረተ ልምዓት ናብ ንቡር ክምለስ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ መንጐ እቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጥረ ቍስሊ ግን ዳግማይ ክህነጽ ኣይከኣለን።"
ሃድሰን ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምትእምማን ዘይምህላው ምዃኑ ጠቒሱ፡ "ዋላ ምድንጓያት እንተሃለወ፡ 'ለውጢ የለን' ምባል ግን ፍትሓዊ ኣይኰነን" ኢሉ።
ነበርቲ ክልል ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርእሰ ከተማ እታ ክልል ዝዀነት መቐለ፡ ዳርጋ ድሕሪ ሓደን ፈረቓን ዓመት ንፈለማ እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተረኸበት ይዛረቡ።
ኢትዮ-ቴሌኮም ካብ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብተወሳኺ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ናይ ፈተነ ስርሓትን ኣገልግሎት ቴሌፎን ውሽጢ ዓዲን ጀሚሩ ኣሎ።
ሓደ ካብቲ ሕቶታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ንዘመጽኦ ዕንወት፡ ንመሰረታዊ ዳግመ ህንጸት ዝኸውን ገንዘብ ካበይ ይመጻእ ዝብል እዩ።
ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ፡ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዘሎ ዳግመ ህንጸት ዝኸውን ባጀት ኣይህልዎን ዝብል ስግኣት እዩ።
ልክዕ ከም ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ክኢላ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝዀነ ባይሳ እውን፡ ብዛዕባ ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዳግመ ህንጸት ሕቶታት ኣለዎ።
“ምዕናው ቀሊል እዩ። ነቲ ዝዓነወ ምትካእ ግን ኣብ ዝዀነት ሃገር ከቢድ'ዩ።"
እቲ ምሁር ቀንዲ መፍትሒ እዚ እዩ ይብል።
"ሰብና እቲ ዝጠፍአ ከም ዝጠፍአ ንነብሱ ኣእሚኑ፡ 'ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ፡ ሕጂ ግና ንቕድሚት ንጠምት' ኢሉ ካብ ዜሮ ጀሚርና ክንለዓል ብዝብል መንፈስ ክሰርሕ ይግባእ።"