ኢትዮጵያ፡ ተቐባልነት ዘለዎ ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል ብኸመይ ምርካብ ይከኣል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ጐንፅን ኲናት ሕድሕድ ብዝሓሰመ ደረጃ ዝረኣየላ ኢትዮጵያ፣ ፍትሒ ንምምፃእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ነገራት እቲ ሓደ ኣብቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ተሓታትነት ምርግጋፅ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልፁ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ኣብ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተሳተፉ ኣካላት ነቲ ዝቐርበሎም ክሲ ኣይቅበልዎን።
ብተወሳኺ እዞም ኣካላት ኣብቶም ዝተፈጸሙ ገበናትን ግፍዕታትን ምፅራይ ይካየድ ክበሃል ከሎ ሓደ ዓይነት መርገጺ የብሎምን።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንፃር ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ተቓወምትን ኣብቶም ዝተፈጸሙ በደላት ብዘይሻራዊ ኣካል ምርመራ ክግበር ብተደጋጋሚ ፃውዒት ከቕርቡ ይስማዕ።
ብኣንጻሩ መንግስቲ ነዚ ጻውዒታት ብወግዒ ክቕበሎ ኣይረኣይን።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር ከምኡ ድማ ደቡብን ምዕራብን ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ዝተወልዑ ጎንፅታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ግን ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ እዩ።
ተቓወምቲ ዘይሻራዊ ኣካል ምድላዮም
ህወሓት ንፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ ምስ ዓብለለ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ክስታት ይቐርቡ።
ግን ድማ ናጻ መርመርቲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ክምርምሩ ፍቓድ ሂቡ ኣይፈልጥን።
ኣብዚ እዋን ኣንፃር ሰራዊት መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ንዘካየድዎ ሓበራዊ ምርመራ ብምንቃፍ ከም ዘይቅበሎ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ቀንዲ ሕቶ ህወሓት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 'ናጻ ኣይኮነን' ዝብል'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ኮሚሽን ግን ነዚ ኣይቅበሎን።
ምስ ህወሓት ምሕዝነት ዘለዎ ኣብ ኦሮሚያ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ዝኽሰስ ኰይኑ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዝምርምር ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል ክኣቱ ይጠልብ።
እዚ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ግብረሽበራዊ ዝፅዋእ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ዝዀኑ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ሰባት መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ንዝቐርበሉ ክሲ ኣይቅበሎን።
ብዘይካ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ድማ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከቕርቡ ይስምዑ።
ክልቲኦም ውድባት ኣብ መንግስቲ እምነት ከም ዘይብሎም ብምግላጽ እዮም ነዚ ሕቶ ዘልዕሉ።
"ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብዝጠልቦ ኩነታት ዝተመስረተ መንግስቲ የለን" ይብል ኣባል መሪሕነት ኦፌኮ ኣይተ ጥሩኔት ገምታ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብኸምዚ ዝበለ መንግስቲ ዝተመስረተ ትካል ከኣ "ነፃ ኮይኑ መርሚሩ ፍትሓዊ ጸብጻብ ከቕርብ'ዩ ኢልና ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይንኣምን ኢና ከምዚ ዝበለ ሕቶ ኣቕሪብና" ክብል ሓሳቡ ንቢቢሲ ሂቡ።
እዞም ትካላት ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ውፅኢት መርመራታት ምሉእ ብምሉእ ኣይቕበልዎን ማለት ግን ኣይኮነን።
ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር መርመራታት "ንፖለቲካዊ ድሌታቶም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ይቕበልዎ፤ እንተዘይኰይኑ ድማ ይነፅግዎ" ክብሉ ነቶም ተቓወምቲ ይነቕፍዎም።
እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ግን ነቲ ነቐፌታ ኣይቕበልዎን።
መንግስቲ ሕቶታት ዘይቅበል ስለምንታይ እዩ?
መንግስቲ ብተደጋጋሚ ብዘይሻራዊ ኣካል ምርመራ ክግበር ንዝቐርቡ ሕቶታት ካብ ዝነፅገሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምርመራ ዘካይድ ትካል ኣለኒ ዝብል’ዩ።
ወሃቢት ቃል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊምቢ ዝተፈጸመ ቅትለትን ድሕሪኡ ዝመጽአ ሳዕቤናትን ብዘይሻራዊ ኣካል መርመራ ክግበረሉ ምስ ተሓተተ፡ "እዚ ማለት [ናጻ መርመራ ክግበር ምሕታት] ኢትዮጵያ ብቑዕ ትካል ከም ዘይብላ ምእማን'ዩ" ክትብል ንማዕኸናት ዜና ተዛሪባ ነይራ።
ሙሁር ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ኣዳም ካሴ (ዶክተር) "መንግስቲ ንነብሱ ከም ናጻን ብቑዕን እዩ ዝሪኣ። ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ኣካል ዝኣትው እንተዀይኑ መንግስቲ ናፃ ከም ዘይኮነ ክእመን ኣለዎ ማለት’ዩ” ይብል።
ተሞክሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ መንግስታት እንተጠቒስና’ውን ኣብ ሃገሮም ንዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ናጻ መርማሪ ጉጅለ ክምስረት ክሕተቱ ከለዉ ዘይምቕባል ልሙድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ በይኑ ክምርምር ይኽእል ድዩ?
ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅ እንተዀይኑ ዘይሻራውያንን ንኹሉ ውድባት ብማዕረ ዝርእዩ ትካላትን ክህልዉ ኣለዎም።
ስእነት እዞም ነጻ ኣካላት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢስመኮ) ሓደ ካብቶም ነፃ ስራሕቲ ንምክያድ ዝፅዕሩ ትካላት ከም ዝኾነ ይእመን።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝፍፀሙ ቅትለታትን መርሚሩ ፀብፃባት ከምዝዘርግሐ ይፍለጥ።
ካብ ሞንጎ እቶም ፀብፃባት ድማ እቲ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ገዳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዝወጽአ ሓበሬታ ዘካየዶ ምርመራ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝርከብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ቀበሌ ኣይሲድ ብ24 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ዝምልከት ፀብፃብ እውን ይጥቀስ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እውን ተኸታቲሉን መርሚሩን ፀብፃባት ከምዝዘርግሐ ዝዝከር እዩ።
ይኹን እምበር ሎሚ’ውን ነቲ ኮሚሽን ዝነቕፉ ኣለው። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ብዝገበሮ ንጥፈታት ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውን ውሽጢ ዓድን ትካላት ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ይፍለጥ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት "መንግስታዊ ፀቕጢ የብልናን። እንተ መጺኡ’ውን ኣይንቕበሎን ኢና" ኢሉ ነይሩ።
ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተሉ ኣካላት ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ካብ ዘጋጥሙ ዓበይቲ ጸገማት እቲ ሓደ ዘይምትእምማን እዩ።
"ከበድቲ ግፍዕታት እዮም ዝፍፀሙ ዘለዉ። እዞም ግፍዕታት ኣብ ማእከል ግጭት ዝፍፀሙ ስለዝኾኑ ከኣ መንግስቲ ባዕሉ ጥርጡር'ዩ" ይብል ዶክተር ኣደም።
"ስለዚ ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ንዝኾነ ኣካል ንበይኑ ጥራይ መርማሪ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቅኑዕ ክኸውን ኣይክእልን" ክብል ወሲኹ ይገልፅ።
መን ዘይሻራዊ መርማሪ ክኸውን ይኽእል?
ተንታኒ ፖለቲካ ኣደም ካሴ (ዶክተር)፡ እቲ ነፃ መርማሪ ኣካል ዝብል ጉዳይ "ብዘተ ዝፍታሕ" ምዃኑ ይሕብር።
እዚ ‘ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል መን ይኹን?’ ዝብል ዝውስን ናይ ዘተ መድረኽ እቶም ኣብ ኲናት ዘለዉ ኣካላት እውን ዝሰማምዑሉ ከም ዝኸውን እቲ ተንታኒ ይኣምን።
“እዚ ዘይሻራዊ ኣካል ካብ ደገ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ካብ ውሽጢን ደገን ዝተወሃሃደ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ውሽጢ ጥራይ እውን ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ኣካል እንተወሓደ ብመብዛሕትኦም ውድባት ተቐባልነት ዘለዎን ብቑዕን ክኸውን ይግባእ። ካብ ህዝቢ ድማ ተኣማንነት ክህልዎ ይግባእ" ይብል።
ነጻ መርመርቲ ትካላት ብናይ ደገ ኣካላት፣ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ጸቕጢን ዝፍጠሩ እዮም። ሓደ ካብቲ ንናጻ መርመራ ዘድልዩ ረቛሒታት ድማ ሰላም እዩ።
“ሰላም እንተዘይሃልዩ መርመራታት ክካየድ ኣይኽእልን። ግርጭታት ክሳብ ዝሃለዉ ፍትሒ ክሰፍን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። . . . እንተወሓደ ሃዋሁ ሰላም ክህሉ ኣለዎ። ፍትሒ ንሰላም ቅድመ ኩነት ዘይኮነስ ኣካል መስርሕ ሰላም እዩ" ይብል ዶክተር ኣዳም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







