ትራምፕ፡ ስለምንታይ'ዩ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዘተኣናግድ ዘሎ ?

መላእ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ኣንፃር-ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ናብ ጐደና ዝወፀኡ ዀይኖም፡ እዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ሰልፍታት ተቓውሞ እዩ።

እቶም 'ግደፈና' ዝብል ናይ ተቓውሞ መደብ ዝወጠኑ፡ ኣብ ኩለን 50 ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ኣብ 1200 ቦታታት ሰልፊ ንምክያድ ዝዓለመ እዩ።

ድሮ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ቦስተን፣ ቺካጎ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ከተማታትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተረኺቦም።

ሰልፈኛታት፡ ካብ ማሕበራዊ ክሳብ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣብ ልዕሊ-ትራምፕ ዘለዎም ቅሬታታት ጠቒሶም።

ትራምፕ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ቀረጽ ክትሰልዕ ምዃና ድሕሪ ምእዋጁ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ እውን ኣብ ለንደን፣ ፓሪስን በርሊንን ሓዊሱ ምትእኽኻባት ተኻይዱ።

ኣብ ቦስተን፡ ገለ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብዝተኻየደ ወፍሪ ኢሚግሬሽን ዝተደፋፍኡ ዀይኖም፡ እዚ ድማ ማእሰርትን ምስጓግን ኣስዒቡ ከምዘሎ ገሊጾም።

ተማሃሪት ሕጊ ኬቲ ስሚዝ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርካዊት ኣህጉራዊት ተማሃሪት ሩመይሳ ኦዝቱርክ ብዝተፈፀመ ማእሰርቲ ከምዝተደፋፍአት ገሊፃ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጥቓ ቦስተን-ከባቢ ቱፍትስ ዩኒቨርሲቲ ማስኬራ ዝገበሩ ኣባላት ፀጥታ ኣመሪካ ከወስዱዋ ኣብ ካሜራ ይረአ።

"ሎሚ ደው ክትብል ኣለካ ወይ ድማ ፀኒሕኻ ክትውሰድ ትኽእል ኢኻ" ዝበለት ንሳ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ተቓውሞ ጓል ኣይኮንኩን" ትብል።

ኣብ ለንደን፡ ሰልፈኛታት "WTAF ኣመሪካ?"፡ "ሰባት ምጉዳእ ኣቋርጹ" ከምኡ'ውን "ፅሉል እዩ" ዝብሉ ጽሑፋት ሒዞም ነይሮም።

"ካብ ካናዳ ኣእዳውካ ኣክብ"፣ "ካብ ግሪንላንድ ኣእዳውካ ኣክብ" ከምኡ'ውን "ካብ ዩክሬን ኣእዳውካ ኣከብ" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ለውጢታት ትራምፕ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ብምውካስ እዮም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ።

ትራምፕ ንካናዳን ግሪንላንድን ንምጥቕላል ድሌቱ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ምስ ካናዳ ተፈሓፊሐዑ ይርከብ።

ኣብ መንጎ ዩክሬንን ሩስያን ስምምዕ ሰላም ንምድራር ዝቀላስ ዘሎ ዀይኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ'ውን ኣብ ህዝባዊ ትዕዝብቲ ኣትዩ ይርከብ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተኣኪቦም መደረታት ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትስ ሰሚዖም።

እቶም መግለጺታት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ትራምፕ ብሃብታማት ለገስቲ ዝጻወትዎ ተራ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ ኤሎን ማስክ ከም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎን፡ ወጻኢታት ንምንከይ ኣሸሓት ስራሕ-ኣልቦ ዝገብር ዘሎ ወፍሪ ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ።

ኣባል ኮንግረስ ፍሎሪዳ ማክስዌል ፍሮስት፡ "ቢልዮነር ንመንግስትና ተቖፃፂሩዎ" ክብል ኮኒኑ።

"ካብ ህዝቢ ክትሰርቕ ከለኻ ህዝቢ ክለዓለካ ግድን እዩ፤ ኣብ መውሀቢ ድምፅን [ሳንዱቕ] ኣብ ጎደናታትን" ኢሉ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ።

ዳህሳሳት እንታይ ይብሉ?

ገለ ዳህሳሳታት ከም ዘመልክትዎ፡ ቅቡልነት ፕረዚደንት ትራምፕ እናነከየ ይሓድር ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተዘርግሐ ሓደ ዳህሳስ ሮይተርስ/ኢፕሶስ፡ ቅቡክነቱ ናብ 43% ከምዝወረደ፡ እዚ ድማ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካልኣይ እዋን-ስልጣን ካብ ዝጅምር እቲ ዝወሓደ ነጥቢ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ብዕለት 20 ጥሪ ስልጣን ክርከብ ከሎ፡ ደረጃ ተቐባልነቱ 47% ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 37% ኣመሪካውያን ነቲ ኣብ ቁጠባ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ክድግፍዎ እንከለዉ፡ 30% ድማ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ንዋጋ መነባብሮ ንምፍታሕ ዝጥቀመሉ ስትራተጂ ከም ዝድግፉ ይሕብር።

ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃርቫርድ ካፕስ/ሃሪስ ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 49% ካብ ምዝጉባት መራጽቲ ንኣፈጻጽማ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ከም ዘጽድቑን፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝነበረ 52% ቅሩብ ዝወረደ እዩ።

ተመሳሳሊ ዳህሳስ ግን 54% መራጽቲ ካብቲ ጆ ባይደን ከም ፕረዚደንት ዝገበሮ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ይኣምኑ።

ኣብ ዋሽንግተን ተረዛ ዝተባህለት ሓንቲ ሰልፈኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡"ዲሞክራስያዊ መሰላትና ንኸስር ኣለና" ኢላ።

"ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንካይ ሰራሕተኛታት ኣዝዩ የሻቕለኒ" ዝበለት ንሳ፡ ብዛዕባ ናይ ጡረታን ትምህርትን ሓገዛት'ውን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ።

ትራምፕ መልእኽቲ ናይቶም ሰልፈኛታት ይቕበል ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበት፡ "እዋእ ክንርአ። [ትራምፕ] ዳርጋ መዓልታዊ ጎልፍ ክጻወት እውዕል ኣሎ" ኢላ።

ትራምፕ ትማሊ ቃዳም ዝኾነ መንግስታዊ/ ህዝባዊ ፍጻመታት ኣየካየደን ውዒሉ።

ኣብቲ ንሱ ባዕሉ ዝውንኖ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ ጎልፍ ክጻወት ኣሕሊፍዋ።

ሎሚ ሰንበት ዳግማይ ጎልፍ ክጻወት መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።