እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንደሴታት ፐንጒዊን ዘይነሓፈ ቀረጽ ትራምፕ ንገለ የንብሕ ንገለ የስሕቕ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳርጋ ንኹለን ሃገራት ዓለም ዝወሰኾ ቀረጽ (ታሪፍ) ንዕዳጋታት ኣናዊጹ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ዘገርም ግን ሰብ ዘይነብረለን ደሴታት ከይተረፋ ግዳይ ታሪፍ ምግባሩ'ዩ።
በቲ ስጉምቲ ዝተቖጥዓ ከም ቻይና ዝበላ ሃገራት 'ኣብ ክንዲ ዓይኒ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ' ዝብል ፖሊሲ ብምኽታል ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝዳረግ ግብረመልሲ ይህባ ኣለዋ።
በዢንግ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ኣቑሑት ኣመሪካ ተወሳኺ 34 ሚእታዊት ቀረጽ ከምእተንብር ኣፍሊጣ። ኣቐዲማ 20 ሚእታዊት ቀረጽ ወሲና ምንባራ ይዝከር።
እታ ትራምፕ 54 ሚእታዊት ቀረጽ ዝገበረላ ቻይና ካብኡ ሓሊፋ'ውን ንሃገራዊ ድሕነታ የስግኡ'ዮም ንዝበለቶም ትካላት ኣመሪካ ዒላማ ብምግባር ንገለ ፍርያት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ጠቕሊላ ከምዝኣገደት ሎሚ ገሊጻ'ላ። ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና ከምዝበሎ፡ እቶም ዝተኣገዱ 11 ትካላት ምስታ 'ኣካለይ'ያ' እትብላ ደሴት ታይዋን ወተሃደራዊን ቴክኒካዊን ምትሕግጋዝ ዘካይዱ'ዮም።
እቲ ድሮ ብስጉምቲ ትራምፕ ዘንቆልቁል ዘሎ ዕዳጋታት (ስቶክ) ዓለም፡ ግብረመልሲ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ተወሲኽዎ ንታሕቲ ክንቆት ይርአ'ሎ- ኒውዮርክ፡ ለንደን፡ ፍራንክፈርት፡ ቶክዮ፡ በዢንን ሲድኒን ይመስክራ።
እቲ ንኣስታት 450 ሚልዮን ህዝብን 23 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለምን ዝውክል ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ሓያል ግብረመልሲ ከምዝህብ'ዩ ዝነብሕ ዘሎ፡ ክነክስ ድዩ ክላዘብ ግን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክርአ'ዩ።
እቲ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንግዳዊ ቅማረ ከምዝተጠቕመ ዝንገረሉ ዘሎ ትራምፕ ግን ንቐንዲ መወዳድርቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ጥራይ ኣይኮነን ብቀረጽ ዝጸፍዕ ዘሎ፡ ናብ ኣመሪካ ብዙሕ ሰደድ ዘይብለን ከም ብዓል ኤርትራ ዝበላ ንኣሽቱ ሃገራት'ውን ኣይተናሕፋን።
ሕሉፍ-ሓሊፉ ብዙሕ ዘይፍለጣን ካብ ሰበን እንስሳታተን ዝበዝሑ ዞባታት ዒላማ ምግባሩ ግን ከስሕቕ ጂሚሩ'ሎ።
ቀረጽ ክኸፍላ ብትራምፕ ዝሕተታ ዘለዋ ፐንጒዊን
ኣብ ከባቢ እታ ሰብ ዘይነብረላ ኣህጉር ኣንታርክቲካ ዝርከባ ክልተ ማንታ ደሴታት ነበርተን ፐንጕዊንስን (ዑፍ ባሕሪ) ሲልስን እዮም።
እዘን 'ሀርድ' ከምኡ'ውን 'ማክዶናልድ' ዝብሃላ ደሴታት ካብ ኣውስትራልያ ኣስታት 4,000 ኬሜ ንደቡባዊ-ምዕራብ ርሒቐን ዝርከባ'የን።
ካብ ምዕራባዊት ከተማ ፕረዝ ብጃልባ ንክትበጽሐን'ውን ሓደ ሰሙን ዝወስድ ጉዕዞ'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝበጽሐን ሰብ ዘየለ።
ሎሚ ግን እንሆ፡ ነዘን ካብ ኣዒንቲን ዝኽርን ብዙሓት ዝተኸወላ ደሴታት፡ ዓለም ክትዛረበለን በቒዓ ኣላ፡ ትራምፕ ስለዝበጽሐን- ግና ብጃልባ ዘይኮነስ፡ ብታሪፍ።
ሚኒስተር ንግዲ ኣውስትራልያ ዶን ፋረል፡ ውሳነ ትራምፕ "ብጌጋ" ዝተገብረ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝዛረብ።
"መሳኪን ኣረገውቲ ፐንጒዊን፡ ንትራምፕ እንታይ ከምዝበደልኦ ኣይፈልጥን፡ ግና ብታህዋኽ ዝተገብረ ምዃኑ'ዩ ዘመልክት" ክብል በቲ ጉዳይ ከምዝተገረመ ይገልጽ።
"ማእለያ ዘይብለን ፐንጒዊንን ሓራምዝ ሲል፡ ከምኡ'ውን ኩሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ባሕሪ ዝነብሩለን እየን" ክብል ኣብተን ደሴታት መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮፌሰር ማይክ ኮፊን።
ብፍላይ ሓንቲ ካብአን (ሀርድ) ብበረድ ዝተሸፈነትን እሳተጎመራ ዝራኣየላን ጥራይ ምዃና ይግለጽ።
ካልኦት ንኣሽቱ ውሑዳት ነበርቲ ዘለዉወን ሓያለ ደሴታት ኣውስትራልያ'ውን ዕጫ ናይተን ፐንጒዊንስ በጺሕወን ኣሎ።
ብፍላይ እታ ነበርታ ካብ 2,200 ዘይበዝሑ ደሴት ኖርፎልክ ዘይተጸበየቶ'ያ ረኺባ።
እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ ነዚኣ'ውን ብኸመይ ከምዝረኸባ 29 ሚእታዊት ቀረጽ ኣንቢሩላ ኣሎ።
"ኩሉ ሰብ'ዩ ብዛዕባኡ ዝስሕቕ ዘሎ" ክብል ኣብታ ደሴት ዝቕመጥ ዝነበረ ጊየ ዳንከን ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
" [ነበርተን'ውን] ይስሕቁ ወይ ተደናጊሮም'ዮም ዝህልዉ፡ ምንኽንያቱ፡ [ትራምፕ] ከምኡ ክገብር ዘኽእሎ ናይ ብሓቂ ምኽንያት የብሉን"።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባኒስ ከም ዝበሎ'ውን ካብ ታሪፍ ትራምፕ ክኽወል ዝኽእል ፍጥረትን ቦታን ከምዘየለ'ዩ ዝዛረብ።
"ኣብዛ ዓለም ክድሕን ዝኽእል ዝኾነ ቦታ ከምዘየለ ዘርኢ እዩ" ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር
እንተኾነ ግና ነዘን ኣብ ማእከል ውቅኖስ ዝርከባ ጽምዋት ደሴታት ሃንደበት ዓለም ክትዛረበለን ምኽኣላ በጻሕቲ ንምስሓብ ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩለን ኣሎ።