እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ፈላማይ መድረኽ መጥቃዕቲ ቓዛ ከም ዝጀመረት ገሊጻ
ሰራዊት እስራኤል ንመላእ ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ብዘውጽኦ ውጥን መሰረት፡ "ፈላማይ ስጕምቲ" መጥቃዕቲ መሬት ከም ዝጀመረን ድሮ ንወሰናስን እታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸረን ይገልጽ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል፡ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ዘይቱንን ጀባልያን ነቲ መጥቃዕቲ ዘድሊ ምድላው ንምግባር ድሮ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ነዚ እማመ ብሰሉስ ዘጽደቐ ኰይኑ፡ እቲ ውጥን ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ካቢነ ምኒስተራት ጸጥታ ክቐርብ እዩ።
ኣስታት 60,000 ዕቑር ሰራዊት ኣብ መጀመርታ መስከረም ክኸቱ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።
ሓማስ፡ እስራኤል ነቲ "ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ኣረሜናዊ ኲናት" ንምቕጻል ዝዓለመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ትዀልፎ ከም ዘላ ገሊጹ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን፡ ነታ ከተማ ንምቍጽጻር ምድላዋት ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ካብቲ ቦታ ክወጽኡን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ናብ ዝርከቡ መዕቆቢ ቦታታት ክኸዱን ክሕበሩ ትጽቢት ይግበር።
ብዙሓት መሓዙት እስራኤል ነቲ መደብ ነቒፎሞ ኣለዉ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ረቡዕ፡ "ንኽልተኡ ህዝብታት ሓደጋ ጥራይ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ንመላእ እቲ ዞባ ኣብ ዘየቋርጽ ቀዋሚ ኲናት ከእትዎ ሓደጋ ከም ዘለዎን፡" ኣጠንቂቑ።
ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ነቲ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ተወሳኺ ምምዝባልን ዝያዳ ብድሆን ዘስዕብ፡ "ነቲ ድሮ ኣዕናዊ ዝዀነ ኵነታት ዘጋድድ ሓደጋ፡" ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሓማስ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅስን ምፍታሕ ጅሆታትን ዝርርብ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ክቈጻጸር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ወሃቢ-ቓል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብርጋደር ጀነራል ኤፊ ደፍሪን ብረቡዕ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓማስ ድሕሪ ናይ 22 ኣዋርሕ ኲናት "ተኸትኪቱን ተጐዲኡን እዩ፡" ኢሉ።
"ኣብታ ዕርዲ መንግስትን ባይታ ንዕጡቓት ግብረ-ሽበራን ዝዀነት ከተማ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዝወርድ መጕዳእቲ ከነሐይሎ ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። "ንመሰረተ-ልምዓት እቶም ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ክንሃርሞ ኢና፣ ህዝቢ ኣብ ሓማስ ከም ዘይምርኰስ ክንገብር ኢና።"
እንተዀነ፡ ሰራዊት እስራኤል ስርሒት ንምጅማር ይጽበ ከም ዘየሎ ገሊጹ።
"እቲ ፈላማይ ስጕምትታት ጀሚርና ኣለና። ድሮ ድማ ወተሃደራት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ወሰናስን ከተማ ቓዛ ኣለዉ።"
ኣብ ከባቢ ዘይቱን ክልተ ብርጌድ ኣብ መሬት ከም ዝነበራን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣጽዋር ዝሓዘ ትሕተ-ባይታዊ ታንከር ከም ዝረኸባን፣ ከምኡ'ውን ሳልሳይ ብርጌድ ድማ ኣብ ከባቢ ጀባልያ ከም ዝተንቀሳቐሰ ሓቢሩ።
"ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ጕድኣት ንምንካይ"፡ ሰለማዊ ህዝቢ ከተማ ቓዛ ንድሕነቶም ክብሉ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ።
ወሃቢ-ቓል ብሓማስ ዝምራሕ ትካል ምክልኻል ሰለማውያን ሰባት ቓዛ ማሕሙድ ባሳል፡ ብሰሉስ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ከባቢታት ዘይቱንን ሳብራን እታ ከተማ "ኣዝዩ ሓደገኛን ዘይጽወርን" ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ብረቡዕ 25 ሰባት ቀቲሉ።
ደፍሪን፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 50 ጅሆታት ንምክልኻል ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ካብዚኦም እቶም 20 ብህይወት ከም ዘለዉ ይእመን። ስድራቤቶም ኣብ ከተማ ቓዛ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ እንተ ተጀሚሩ ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ ይሻቐሉ።
ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ቓዛ ዝካየድ ውግእ እንተ ወሲኹ፡ ንዅነታት ሰላማውያን ፍልስጤማውያንን እቶም ጅሆታትን ኣዕናዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
"ሰባት ኣብ ቓዛ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእን ምምዝባልን ተዳኺሞም ኣለዉ። ረድኤት እምበር ተወሳኺ ሽግር ኣየድልዮምን። ድሕነት እምበር ዝያዳ ፍርሒ ኣይግብኦምን። ብኽብሪ ንኽነብሩ መሰረታዊ ነገራት ክረኽቡ ኣለዎም፤ ማለት መግቢ፡ ሕክምናን ጽሬትን፣ ከምኡ'ውን ቀረብ ጽሩይ ማይ፡ ውሑስ መጽለሊ፡" ይብል ቀይሕ መስቀል።
"ተወሳኺ ምሕያል ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ስቓይ ክብእስ፡ ስድራቤታት ዝያዳ ክበታትን፣ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋድድ እዩ። ህይወት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ'ውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፡ ተዅሲ ብቝልጡፍ ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብስሉጥንን ናጽነትን ኣብ መላእ ቓዛ ክኣቱን ጸዊዑ።
ቐጠርን ግብጽን ከም መንጎኛታት ኰይነን ምቍራጽ ተዅሲ ንምውሓስ ይጽዕራ ኣለዋ። ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅስን ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምፍታሕን ሓድሽ ውጥን ኣቕሪበን ኣለዋ። ሓማስ ድማ ብሰኑይ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ እዩ።
እስራኤል ዛጊት ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበትን። እንተዀነ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ድሕሪ ደጊም ከፊላዊ ስምምዕ ከም ዘይቅበሉን ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናጻ ዝገብር ምሉእ ስምምዕ ክህሉ ከም ዝደልዩን ገሊጾም።
ትማሊ ረቡዕ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ነቲ መንጎኛታት ዘቕረቡዎ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ዕሽሽ ብምባል፡ "ንዝዀነ ዕርቂ ዕንቅፋት ዝዀነ ስምምዕ ክብል፡" ከም ዝወቐሶ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ወፍሪ ጀሚሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 62,122 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።