ካብ መላእ ዓለም ዝተመርጹ ዘደንቑ ኣሳእል 2024

ዓለምና ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ጥራይ ብዙሓት ፍጻመታት ኣኣንጊዳ እያ። ሰኣልቲ ማዕከናት ዜና እውን ንገለ ካብቶም ፍጻመታት ንታሪኽ ኣቀሚጦም ኣለው። ኣብዚ ዓመት ኣጋጢሞም ካብ ዝተሳኣሉ ፍጻመታት ድማ ንዞም ዝስዕቡ መሪጽናልኩም።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ክብረወሰን ሒዙ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ'ዩ።

እቲ ቁጽሪ ኣብ 2018 እዩ ምውሳኽ ጀሚሩ። መብዛሕትኦም ድማ ካብ ድኽነት፡ ዓመጽ ጕጅለታት፡ ፖለቲካዊ ዓፈናን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝሃድሙ ዜጋታት ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ እዮም።

ኣመሪካዊት ሙዚቀኛ ኣሊሻ ኪስ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሱፐር ቦውል ዕረፍቲ ምርኢት ምርኢት ኣቕሪባ። ኣሊሻ ኪስ "If I Ain't Got You" እትብል ደርፋ እያ ኣቕሪባ።

ብድሕሪኡ ምስ ኮኾብ ኮኾብ ኣርኤንድቢ ኣሸር ተጸንቢራ ነታ ኣብ 2004 ዝደርፍዋ "ማይ ቡ" እትብል ጽምደ-ዜማ ኣቕሪቦም።

ኢንዶነዥያውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ብጸሓይ ዝተቓጸሉን ማይ ዝሰኣኑን 69 ሮሂንጋውያን ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣቸ ተንሳፊፎም ረኺቦም።

ትካል ምድላይን ምድሓንን እታ ሃገር፡ 9 ህጻናት፡ 18 ደቂ ኣንስትዮን 42 ደቂ ተባዕትዮን ከምዝደሓኑ ምሕባሩ ይዝከር። ካልኦት ኣስታት 80 ሰባት ግን ሓለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ብዙሕ ግዜ ሰሜናዊ መብራህቲ ተራእዩ ነይሩ። ጸሓይ ኣብ መወዳእታ 2024 ወይ መጀመርታ 2025 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ናይ 11 ዓመት ዑደታ ስለ እትበጽሕ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ኣውሮራ ናይ ምርኣይ ዕድል ልዑል ከምዝዀነ ይግለጽ።

ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቃዛ ዝተደርበየ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይጓየዩ።

ታይዋን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝሓየለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 7.4 ዝዓቐኑ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ደሴት ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ኣዕንዩ እዩ።

ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፡ ጸሓያዊ ከውሊ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ዋሽንግተን ዲሲ ክዓርፍ ተዓዚቦም።

ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም። ካብቶም ኰይኖም ናብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ዝሰግሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ሕጹጽ ደገፍን ሕሱም ቃልሲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ሱዳን ኣብ ዕግርግር ተጸሚዳ ትርከብ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ሓደ ዕጡቕ ካብ ናሕሲ ናይቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ህንጻ ብምትኳስ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙሉ።

ዶናልድ ካብ መድረኽ ተጓይዩ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ መሬት ወዲቑ ኣብ ጎድኒ ገጹ ደም እናፈሰሰ ተራእዩ።

ኣብ ሲዶን ሊባኖስ ሰልፈኛታት ብሰንኪ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ቃዛ ዝቆጻጸር ፍልስጤማዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃኒየ ኣብ ምረቓ ፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን ንምስታፍ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝነበረ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ ዘመተ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።

ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እስራኤልን ሓማስን፡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ውሽጢ ዝተበላሸወት መኪና ክግዕዙ ይረኣዩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ሲቪላት ካብ ሰሜናዊ ቃዛ ክወጹ መምርሒታት ብምሃብ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ቃዛውያን ናብ ደቡብ ናይቲ ጽርግያ ክግዕዙ ተገዲዶም እዮም።

እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣልሻምን መሻርኽቲ ዓመጽቲ ውድባትን ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ መደበሮም ዓቢ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ኣብ ሶርያ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብቂዑ።