ካብ መላእ ዓለም ዝተመርጹ ዘደንቑ ኣሳእል 2024

ምንጪ ስእሊ, ANTON BRINK/EPA
ዓለምና ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ጥራይ ብዙሓት ፍጻመታት ኣኣንጊዳ እያ። ሰኣልቲ ማዕከናት ዜና እውን ንገለ ካብቶም ፍጻመታት ንታሪኽ ኣቀሚጦም ኣለው። ኣብዚ ዓመት ኣጋጢሞም ካብ ዝተሳኣሉ ፍጻመታት ድማ ንዞም ዝስዕቡ መሪጽናልኩም።

ምንጪ ስእሊ, Qian Weizhong/VCG via Getty Images
ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ክብረወሰን ሒዙ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ'ዩ።
እቲ ቁጽሪ ኣብ 2018 እዩ ምውሳኽ ጀሚሩ። መብዛሕትኦም ድማ ካብ ድኽነት፡ ዓመጽ ጕጅለታት፡ ፖለቲካዊ ዓፈናን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝሃድሙ ዜጋታት ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AP Photo/David J. Phillip
ኣመሪካዊት ሙዚቀኛ ኣሊሻ ኪስ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሱፐር ቦውል ዕረፍቲ ምርኢት ምርኢት ኣቕሪባ። ኣሊሻ ኪስ "If I Ain't Got You" እትብል ደርፋ እያ ኣቕሪባ።
ብድሕሪኡ ምስ ኮኾብ ኮኾብ ኣርኤንድቢ ኣሸር ተጸንቢራ ነታ ኣብ 2004 ዝደርፍዋ "ማይ ቡ" እትብል ጽምደ-ዜማ ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Reza Saifullah/AP
ኢንዶነዥያውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ብጸሓይ ዝተቓጸሉን ማይ ዝሰኣኑን 69 ሮሂንጋውያን ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣቸ ተንሳፊፎም ረኺቦም።
ትካል ምድላይን ምድሓንን እታ ሃገር፡ 9 ህጻናት፡ 18 ደቂ ኣንስትዮን 42 ደቂ ተባዕትዮን ከምዝደሓኑ ምሕባሩ ይዝከር። ካልኦት ኣስታት 80 ሰባት ግን ሓለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ምንጪ ስእሊ, Leon Neal/Getty Images
ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ብዙሕ ግዜ ሰሜናዊ መብራህቲ ተራእዩ ነይሩ። ጸሓይ ኣብ መወዳእታ 2024 ወይ መጀመርታ 2025 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ናይ 11 ዓመት ዑደታ ስለ እትበጽሕ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ኣውሮራ ናይ ምርኣይ ዕድል ልዑል ከምዝዀነ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቃዛ ዝተደርበየ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይጓየዩ።

ምንጪ ስእሊ, Carlos Garcia Rawlins/Reuters
ታይዋን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝሓየለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 7.4 ዝዓቐኑ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ደሴት ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ኣዕንዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፡ ጸሓያዊ ከውሊ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ዋሽንግተን ዲሲ ክዓርፍ ተዓዚቦም።

ምንጪ ስእሊ, Dan Kitwood/Getty Images
ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም። ካብቶም ኰይኖም ናብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ዝሰግሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።
ኣብ ሚያዝያ 2023 ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ሕጹጽ ደገፍን ሕሱም ቃልሲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ሱዳን ኣብ ዕግርግር ተጸሚዳ ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Ihsaan Haffejee/Reuters

ምንጪ ስእሊ, AP/Evan Vucci
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ሓደ ዕጡቕ ካብ ናሕሲ ናይቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ህንጻ ብምትኳስ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙሉ።
ዶናልድ ካብ መድረኽ ተጓይዩ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ መሬት ወዲቑ ኣብ ጎድኒ ገጹ ደም እናፈሰሰ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, FRANCOIS-XAVIER MARIT/REUTERS

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Alkis Konstantinidis
ኣብ ሲዶን ሊባኖስ ሰልፈኛታት ብሰንኪ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ቃዛ ዝቆጻጸር ፍልስጤማዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃኒየ ኣብ ምረቓ ፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን ንምስታፍ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝነበረ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ ዘመተ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Hatem Khaled
ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እስራኤልን ሓማስን፡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ውሽጢ ዝተበላሸወት መኪና ክግዕዙ ይረኣዩ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ሲቪላት ካብ ሰሜናዊ ቃዛ ክወጹ መምርሒታት ብምሃብ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ቃዛውያን ናብ ደቡብ ናይቲ ጽርግያ ክግዕዙ ተገዲዶም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Jacquelyn Martin/AP

ምንጪ ስእሊ, Alberto Saiz/AP

ምንጪ ስእሊ, Omar HAJ KADOUR / AFP
እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣልሻምን መሻርኽቲ ዓመጽቲ ውድባትን ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ መደበሮም ዓቢ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ኣብ ሶርያ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብቂዑ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







