ካብ መላእ ዓለም ዝተመርጹ ዘደንቑ ኣሳእል 2024

ኣብ ኣይስላንድ ኣብ ሓውሲ ደሴት ረይክጃነስ ኣይስላንድ ላቫ (ዝመኸኸ ከውሒ እሳተ ጐመራ ጽርግያ ሰጊሩ እንክውሕዝ

ምንጪ ስእሊ, ANTON BRINK/EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣይስላንድ ኣብ ሓውሲ ደሴት ረይክጃነስ ኣይስላንድ ላቫ (ዝመኸኸ ከውሒ እሳተ ጐመራ ጽርግያ ሰጊሩ እንክውሕዝ

ዓለምና ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ጥራይ ብዙሓት ፍጻመታት ኣኣንጊዳ እያ። ሰኣልቲ ማዕከናት ዜና እውን ንገለ ካብቶም ፍጻመታት ንታሪኽ ኣቀሚጦም ኣለው። ኣብዚ ዓመት ኣጋጢሞም ካብ ዝተሳኣሉ ፍጻመታት ድማ ንዞም ዝስዕቡ መሪጽናልኩም።

ብ3 ጥሪ 2024 ኣብ ጃኩምባ ሆት ስፕሪንግስ ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ ብዝተፈጥረ ሃጓፍ ስደተኛታት ኣብ ሓጹር ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ይሰግሩ

ምንጪ ስእሊ, Qian Weizhong/VCG via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ3 ጥሪ 2024 ኣብ ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ ብዝተፈጥረ ሃጓፍ ስደተኛታት ብሓጹር ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ይሰግሩ

ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ክብረወሰን ሒዙ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ'ዩ።

እቲ ቁጽሪ ኣብ 2018 እዩ ምውሳኽ ጀሚሩ። መብዛሕትኦም ድማ ካብ ድኽነት፡ ዓመጽ ጕጅለታት፡ ፖለቲካዊ ዓፈናን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝሃድሙ ዜጋታት ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ እዮም።

ሰንበት 11 ለካቲት 2024 ኣሊሻ ኪስ ኣብ ዕረፍቲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኤንኤፍኤል ሱፐር ባውል 58 ኣብ መንጎ ሳንፍራንሲስኮ 49ነርስን ካንሳስ ሲቲ ቺፍስን ኣብ ላስ ቬጋስ ምርኢት ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, AP Photo/David J. Phillip

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት 11 ለካቲት 2024 ኣሊሻ ኪስ ኣብ ዕረፍቲ ጸወታ ኩዕሶ ኢድ ኤንኤፍኤል ሱፐር ባውል 58 ኣብ መንጎ ሳንፍራንሲስኮ 49ነርስን ካንሳስ ሲቲ ቺፍስን ኣብ ላስ ቬጋስ ምርኢት ኣቕሪባ

ኣመሪካዊት ሙዚቀኛ ኣሊሻ ኪስ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሱፐር ቦውል ዕረፍቲ ምርኢት ምርኢት ኣቕሪባ። ኣሊሻ ኪስ "If I Ain't Got You" እትብል ደርፋ እያ ኣቕሪባ።

ብድሕሪኡ ምስ ኮኾብ ኮኾብ ኣርኤንድቢ ኣሸር ተጸንቢራ ነታ ኣብ 2004 ዝደርፍዋ "ማይ ቡ" እትብል ጽምደ-ዜማ ኣቕሪቦም።

ስደተኛታት ሮሂንጋ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባኦም ደው ኢሎም ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Reza Saifullah/AP

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ሮሂንጋ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባኦም ደው ኢሎም ይረኣዩ

ኢንዶነዥያውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ብጸሓይ ዝተቓጸሉን ማይ ዝሰኣኑን 69 ሮሂንጋውያን ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣቸ ተንሳፊፎም ረኺቦም።

ትካል ምድላይን ምድሓንን እታ ሃገር፡ 9 ህጻናት፡ 18 ደቂ ኣንስትዮን 42 ደቂ ተባዕትዮን ከምዝደሓኑ ምሕባሩ ይዝከር። ካልኦት ኣስታት 80 ሰባት ግን ሓለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ብተለምዶ ብሰሜናዊ መብራህቲ ዝፍለጥ ኣውሮራ ቦርያሊስ ብ7 መጋቢት 2024 ኣብ ኪሩና ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኪሩና ኣብ ሰማይ ተረእዩ

ምንጪ ስእሊ, Leon Neal/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብልምዲ ብሰሜናዊ መብራህቲ ዝፍለጥ ኣውሮራ ብ7 መጋቢት 2024 ኣብ ኪሩና ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኪሩና ኣብ ሰማይ ተረእዩ

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ብዙሕ ግዜ ሰሜናዊ መብራህቲ ተራእዩ ነይሩ። ጸሓይ ኣብ መወዳእታ 2024 ወይ መጀመርታ 2025 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ናይ 11 ዓመት ዑደታ ስለ እትበጽሕ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ኣውሮራ ናይ ምርኣይ ዕድል ልዑል ከምዝዀነ ይግለጽ።

ሰባት ናብቲ ብ23 ሚያዝያ 2024 ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቃዛ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጓየዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰባት ናብቲ ብ23 ሚያዝያ 2024 ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቓዛ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጓየዩ

ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቃዛ ዝተደርበየ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይጓየዩ።

ኣብ ከተማ ሁዋሊን ዝተበላሸወ ህንጻ ኣብ 4 ሚያዝያ 2024

ምንጪ ስእሊ, Carlos Garcia Rawlins/Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሁዋሊን ዝዓነወ ህንጻ ኣብ 4 ሚያዝያ 2024

ታይዋን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝሓየለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 7.4 ዝዓቐኑ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ደሴት ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ኣዕንዩ እዩ።

ጸሓያዊ ከውሊ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ዋሽንግተን - 8 ሚያዝያ 2024

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጸሓያዊ ከውሊ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ዋሽንግተን - 8 ሚያዝያ 2024

ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፡ ጸሓያዊ ከውሊ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ዋሽንግተን ዲሲ ክዓርፍ ተዓዚቦም።

ሓደስቲ መጻምድቲ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብ24 ሚያዝያ 2024 ድቕድቕ ጸልማት ኣብ ከባቢ ዓድረ ቻድ ኣብ ጥቓ ሓደ መዓስከር መግቢ የብስሉ

ምንጪ ስእሊ, Dan Kitwood/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደስቲ መጻምድቲ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብ24 ሚያዝያ 2024 ድቕድቕ ጸልማት ኣብ ከባቢ ዓድረ ቻድ ኣብ ጥቓ ሓደ መዓስከር መግቢ የብስሉ

ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም። ካብቶም ኰይኖም ናብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ዝሰግሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ሕጹጽ ደገፍን ሕሱም ቃልሲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ሱዳን ኣብ ዕግርግር ተጸሚዳ ትርከብ።

ብ29 ግንቦት 2024፡ ኣብ እዋን መረጻ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ሰባት ንምምራጽ ሪጋ ሒዞም ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሳኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Ihsaan Haffejee/Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብ29 ግንቦት 2024፡ ኣብ እዋን መረጻ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ሰባት ንምምራጽ ሪጋ ሒዞም ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሳኢሎም
ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ፡ ብቀዳም 13 ሓምለ 2024 ፈተነ ቅትለት ተፈጺምዎ

ምንጪ ስእሊ, AP/Evan Vucci

መግለጺ ስእሊ, ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ፡ ብቀዳም 13 ሓምለ 2024 ፈተነ ቅትለት ተፈጺምዎ

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ሓደ ዕጡቕ ካብ ናሕሲ ናይቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ህንጻ ብምትኳስ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙሉ።

ዶናልድ ካብ መድረኽ ተጓይዩ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ መሬት ወዲቑ ኣብ ጎድኒ ገጹ ደም እናፈሰሰ ተራእዩ።

ኣብ እዋን መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ባንዴራ ኦሎምፒክ ኣብ ድሕሪት ኣይፍል ታወር

ምንጪ ስእሊ, FRANCOIS-XAVIER MARIT/REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ባንዴራ ኦሎምፒክ ኣብ ድሕሪት ኣይፍል ታወር
ንቕትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ኢራን ንምኹናን ብ31 ሓምለ 2024 ሰልፈኛታት ኣብ ሲዶን ሊባኖስ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Alkis Konstantinidis

መግለጺ ስእሊ, ንቕትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ኢራን ንምኹናን ብ31 ሓምለ 2024 ሰልፈኛታት ኣብ ሲዶን ሊባኖስ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ኣብ ሲዶን ሊባኖስ ሰልፈኛታት ብሰንኪ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ቃዛ ዝቆጻጸር ፍልስጤማዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃኒየ ኣብ ምረቓ ፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን ንምስታፍ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝነበረ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ ዘመተ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።

7 ጥቅምቲ 2024፡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ደቡባዊ ምድረበዳ ቃዛ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ካን ዩኒስ ካብ ዝርከቡ ከባቢታት ክሃድሙ ከለዉ ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Hatem Khaled

መግለጺ ስእሊ, 7 ጥቅምቲ 2024፡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ደቡባዊ ምድረበዳ ቓዛ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ካን ዩኒስ ካብ ዝርከቡ ከባቢታት ክሃድሙ ከለዉ ይረኣዩ

ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እስራኤልን ሓማስን፡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ውሽጢ ዝተበላሸወት መኪና ክግዕዙ ይረኣዩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ሲቪላት ካብ ሰሜናዊ ቃዛ ክወጹ መምርሒታት ብምሃብ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ቃዛውያን ናብ ደቡብ ናይቲ ጽርግያ ክግዕዙ ተገዲዶም እዮም።

ሓሙስ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ካብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃሪ ሪድ ላስ ቬጋስ ናብ ኣሪዞና ኣብ እትብገሰሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Jacquelyn Martin/AP

መግለጺ ስእሊ, ሓሙስ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ካብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃሪ ሪድ ላስ ቬጋስ ናብ ኣሪዞና ኣብ እትብገሰሉ እዋን
ረቡዕ 30 ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ቫለንሽያ ኣብ እዋን ዕልቕልቕ፡ መካይን መንገደን ተዓጻጽዩ እንከሎ እትዕዘብ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Alberto Saiz/AP

መግለጺ ስእሊ, ረቡዕ 30 ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ቫለንሽያ ኣብ እዋን ዕልቕልቕ ዘጋጠመ ዕንወት እትዕዘብ ሰበይቲ
ኣብ ሶርያ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብቂዑ

ምንጪ ስእሊ, Omar HAJ KADOUR / AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሶርያ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብቂዑ

እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣልሻምን መሻርኽቲ ዓመጽቲ ውድባትን ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ መደበሮም ዓቢ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ኣብ ሶርያ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብቂዑ።