እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓልታዊ 7000 ስጕሚ ኣብ ጥዕናኹም ዘለዎ መኽሰብ ትፈልጡዶ?
ኣብ መዓልቲ 7000 ስድሪ ምጕዓዝ ሓይሊ ሓንጎልካ ንምዕባይን ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምክልኻልን እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ሓደ ዓቢ መጽናዕቲ ይሕብር።
ካብቲ ንነዊሕ እዋን ከም መዐቀኒ ዝርአ ዝነበረ 10 ሽሕ ስጕምቲ ምጕዓዝ ዝብል ኣምር ዝያዳ ክውንነታዊ ሸቶ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ኣብ ዘ ላንሰት ፓብሊክ ሄልዝ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ውሑድ ስጕምቲታት ምጕዓዝ፡ ንመንሽሮ፡ ረሲዕን ሕማም ልብን ሓዊሱ ከበድቲ ጉዳያት ጥዕና ኣብ ምንካይ ጽቡቕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብመጽናዕቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሰባት መዓልታዊ ስጕሚታቶም ዝያዳ ክከታተሉ ከም ግብራዊ መንገዲ ጥዕናኦም ንምምሕያሽ ከተባብዕ ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
"ኣብ መዓልቲ 10 ሽሕ ስድሪ ክንስጕም ኣለና ዝብል ኣረኣእያ ኣለና" እትብል መራሒት እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዶክተር ሜሎዲ ዲንግ፡ "ግን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ኣይኰነን" ኢላ።
እቲ 10 ሽሕ ስጕምቲ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ካብቲ ኣብ 1960ታት ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ወፍሪ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኣብ ምድላው ኦሎምፒክ 1964 ቶክዮ፡ ማንፖ-ኬይ ዝበሃል ምልክት መለክዒ እግሪ ተጀሚሩ፣ እዚ ድማ '10,000 ስዳሮ' ዝብል ትርጕም ኣለዎ።
ዶክተር ዲንግ፡ እዚ ኣሃዝ "ካብ ዓውደ-ጽሑፍ ወጻኢ" ከምዝተወስደን፡ ዘይወግዓዊ መምርሒ ኰይኑ ከምዝቐጸለን ገሊጻ።
እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰባት ብዛዕባ ጥዕናን ንጥፈታትን ዝምልከት መረዳእታታት ተንቲኑ።
ኣብ መዓልቲ ኣስታት 7000 ስዳሮ ምስዳር ምስ ምጕዳል ሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን (ብ25 ሚእታዊት)፡ መንሽሮ (6 ሚእታዊት)፡ ምዝንባል (38 ሚእታዊት)ን ጭንቀትን (22 ሚእታዊት) ዝተኣሳሰር ምዃኑ ረኺቡ።
ይዅን እምበር፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ገለ ካብቶም ርኽበታት ኣብ ውሑዳት መጽናዕትታት ዝተመርኮሱ ምዃኖምን ክሳብ ክንደይ ቅኑዕ ምዃኑ ንጹር ከምዘይኰነን ይዛረቡ።
መጽናዕቶም ከም ዝሕብሮ፡ ዋላ'ውን ትሑት ቍጽሪ ስዳሮ ኣብነት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 4000 ስዳሮ ምስዳር'ውን ካብ ዘይምንቅስቓስ ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መብዛሕትኦም ወግዓውያን መምርሒታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ስዳሮታት ምቝጻር ንሓደ ንጥፈት ንምፍጻም ዘሕለፍዎ ደቓይቕ ዘተኮሩ እዮም።
ንኣብነት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ን150 ደቓይቕ ማእከላይ ኤሮቢክ ንጥፈታት ወይ ን75 ደቓይቕ ብርቱዕ ኤሮቢክ ንጥፈታት ክገብሩ ኣለዎም ይብል።
ዶክተር ዲንግ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መምርሒታት ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ምኽሪ ሰባት ንምዕቃን ከጸግሞም ከምዝኽእል ትዛረብ።
"ዝሕንብሱ፡ ብሽክለታ ዝዝውሩ ወይ ድማ ስዳሮ ክስድሩ ዘየኽእሎም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣለዉ" ክትብል ትገልጽ።
ሰባት ክጓዓዝዎ ዝግባእ ብዝሒ ስዳሮ ዝምልከት ለበዋ ግን፡ ኣብ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓሶም ንምዝርጋሕ ክሓስቡ ዝድርኽ ከም ተወሳኺ ክጠቓለል ከምዝኽእል ትዛረብ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሩነል ለንደን ክኢላ ባህርያትን ጥዕናን ዶክተር ዳኒኤል ቤይሊ፡ እቲ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ መዓልቲ 10 ሽሕ ስጕሚ ኣድላዪ እዩ ዝብል "ጽውጽዋይ" ዝፈታተን እዩ ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ላዕለዋይ መምህር ክሊኒካዊ ምንቅስቓስ ኣካላት ፊዚዮሎጂ ዶክተር ኣንድሩ ስኮት፡ እቲ ብልክዕ ዝተጠቐሰ ቍጽሪ ኣገዳሲ ከምዘይኰነ ይሰማማዕ።
"ዝያዳ ዅሉ ግዜ ዝሓሸ'ዩ" ዝበለ እቲ ዶ/ር፡ ኣስዒቡ ድማ ሰባት ነቲ ቍጽሪ ንምስዳር ኢሎም ብዙሕ ክጭነቑ ከምዘይብሎም'ዩ ዝምዕድ።