በዅሪ፡ ማእከል፡ ሕንሳስ-ልደ ምዃን ኣብ ባህርያት ጽልዋ ኣለዎ ድዩ?

ኣብ ስድራቤት ኣበየናይ መስርዕ ትውለድ ንባህርያትካ ይጸልዎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንዓመታት ንስድራቤታትን ክኢላታት ስነኣእምሮን ኣገሪሙዎም እዩ። እቲ መርትዖ ግን ከምቲ እንሓስቦ ኣይኰነን።

"ኣነ በዅሪ እየ፣ ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋት ኣለዋኒ። ዓባይ ሓብቲ ብምዃነይ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብፍሉይ ዝልለየሎም ባህርያት ኣለዉኒ። ንኣብነት ዝያዳ ሓላፍነት ይስመዓኒ፣ ብሕልና ዝዓዪን ነገራት ምሉኣት ክዀኑለይ ዝደሊን ሰብ'የ። ኣደይ እውን ብተመሳሳሊ ንስድራኣ በዅሪ ጓል ስለ ዝዀነት ከምዚ ናተይ ባህርያት ተንጸባርቕ እያ።

"ብኣንጻሩ፡ ንእሽቶ ሓፍተይ ቍሩብ ሓልዮት ዝጎጐደላ እያ። ኣነን ንሳን ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ወለድና ዝዓበና እኳ እንተዄንና ንስነተና (ስብእናና) ግን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።

"እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ናይ ባህርያት ፍልልይ፡ ብሰንኪ ኣቐዲምናን ድሒርናን ምውላድና ዝሰዓበዶ ክኸውን ይኽእል? ኢለ ሓሲበ። በዅሪ፡ ማእከለይቲ ወይ ድማ ሕንሳስ-ልደ ምዃን ንግላዊ እንታይነትናን ንዓለም ብኸመይ ከም እንመርሓን ይቐርጽ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሳይንስ ኣሎ ድዩ?" - ጸሓፊት ናይዚ ዓንቀጽ'ዚ ሞሊ ጎርማን።

ንሓደ ዘመን ዝቐጸለ ምስጢር

እዚ ኣርእስቲ'ዚ ንስነፍልጠተኛታትን ሕብረተሰባትን ንልዕሊ ሓደ ክፍለዘበን መሲጡ እዩ። ኣብ ስድራቤትካ ኣበየናይ መስርዕ ትውለድ ንውልቃዊ እንታይነትካ ቅርጺ የትሕዞ ድዩ ዝብል ሕቶ ገና ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ዝተራእዩ መጽናዕትታት፡ እቲ ዝረኸቡዎ ውጽኢታት ኣብ ሓድሕዱ ኣይሰማማዕን እዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ንምዕቃኑ ኣጸገሚ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ እዩ።

ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነልቦና ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሂዩስተን ሮዲካ ዳምያንኣመሪካ ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕትታት ዓማሚ ከም ዘይኰነን ኣብ ውሱን ሰባትን ሕብረተሰባትን ዝተገብረ ምዃኑ ይገለጽ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መጽናዕትታት ኣብ ንስነት ወይ ግላዊ ባህርያት ሰባት ተመርኲሱ ስለ ዝካየድ፡ ብወገናውነት ክጽሎ ይኽእል።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተገበሩ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣበየናይ መስርዕ እትውለድን ባህርያትካን ልሉይ ስርዓት ክህልዎ ንምምርማር ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ።

ጠቕላላ ብዝሒ ኣሕዋት ሓደ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክልተ ኣሕዋት ዘለዋ ስድራቤት ምስ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘለዋ ስድራቤት ክነጻጸር ከሎ፡ እቲ ሓፈሻዊ ከይዲ ዝተፈላለየ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ኣብዘን ዝተፈላለየ ብዝሒ ቈልዑ ዘለወን ስድራቤታት በዅሪ ወይ ሕንሳስ ልደ ምዃን ኣዝዩ ዝተፈልየ ተመኵሮ ክኸውን ይኽእል፣ ብቐጥታ ድማ ዘይወዳደር እዩ።

ብዝሒ ስድራቤትን ኣብ ዝዀነት ስድራቤት ቈልዓ ናይ ምዃን ተመኵሮን ብግዲኡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ረቛሒታት ክተሓላለኹ ይኽእሉ፣ ከም ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት ሓንቲ ስድራቤት (ንኣብነት፡ ዝለዓለ ማሕበረ-ቍጠባዊ ደረጃ ዘለወን ሃብታማት ስድራቤታት ውሑዳት ቈልዑ ክወልዳ ይኽእላ)።

ደሓር ከኣ ዕድመን ጾታን ሓደ ሰብ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትን ኪኖኡን ንዘለዎ ተመኵሮ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ተመራመርቲ ቀዲምካን ድሒርካን ምውላድካ ኣብ ባህርያትካ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክድምድሙ ኣይከኣሉን።

እንተዀነ፡ ቀዲምካ ኰነ ድሒርካ ምውላድካ ኣገዳስነት የብሉን ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ዝተወሰኑ ስድራቤታት ወይ ባህልታት ናቱ ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

"ሰባት ብዙሕ እምነታት ዘለዎም ይመስለኒ። ብገለ መልክዑ ግዜኡ ዝሓለፎ፡ ወይ ድማ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ደገፍ ተገይሩሉ ዘይፈልጥ እዩ፡" ትብል ጁልያ ሮህረር፡ ተመራማሪት ስብእና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይፕዚግ ጀርመን።

"ንኣብነት፡ እቲ 'ናይታ በዅሪ ጓል ሲንድሮም' ዝብል ነገር ዓቢይ እዩ። ብርግጽ፡ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለየ ተራ ዘለወን ኰይነን፡ ዝያዳ ክንክን ክህባ ድማ ትጽቢት ይግበር። ድሕሪኡ ድማ እተን በዅሪ ንንኣሽቱ ኣሕዋተን ክኣልያ ትጽቢት ይግበር፡" ትብል።

እታ ተመራማሪት ኣስዒባ፡ "ንገለ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ምስ ተመኵሮአን ፍጹም ክሰማማዕ ይኽእል'ዩ፣ ንገሊአን ግን ከምኡ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ነፍሲወከፍ ስድራቤት ዝተፈላለየ'ዩ።"

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኵለን ንስድራቤተን በዅሪ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ንንኣሽቱ ኣሕዋተን ዝግደሳን ዝሓልያን ዘይክዀና ይኽእላ'የን። ንገሊኦም ግን፡ "ሲንድሮም በዅሪ ጓል" ዝብል ሓሳብ ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምኽንያቱ፡ ንንኣሽቱ ኣሕዋተን ክከናኸና ተገዲደን ስለ ዝዓበያን እዚ ተመኵሮ'ዚ ከም ዝጸለወን ኰይኑ ስለ ዝስምዐንን እዩ።

ሮህረርን መሳርሕታን፡ ነፍሲወከፎም ካብ ሓያሎ ኣሽሓት ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ ዝሓቘፉ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ጀርመንን ካብ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ዝተረኽቡ ሰለስተ ዓበይቲ መጽናዕትታት ድሕሪ ምምርማሮም፡ ቅድመን ድሕረን ውልደት፡ "ኣብ ባህርያት ስብእና ነባሪ ጽልዋ ከም ዘይብሉ፡" ረኺቦም።

ይዅን'ምበር፡ እቲ መጽናዕቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ጽልዋ ቅድመን ድሕረን ውልደት ብዝተኣሳሰር ኣብ ብልሒ፡ ዝረኸቦ ርኽበታት ኣረጋጊጹ እዩ።

ብልሒ ዝተሓላለኸ ተርእዮ ኰይኑ፡ እቲ መጽናዕቲ ብመልክዕ ኣፈጻጽማ ኣብ ፈተናታት ብልሒ፡ ከምኡ'ውን ባዕሉ ዝጸብጸቦ ኣእምሮ ጥራይ እዩ ዝዕቅኖ።

ሮህረርን መሳርሕታን ኣብቲ መጽናዕቲ፡ "ንስድራቤቶም በዅሪ ዝዀኑ ውሉዳት፡ ክጭበጥ ኣብ ዝኽእል ብልሒ ዝለዓለ ነጥቢ ከም ዘምጽኡ ኣረጋጊጽናዮ፡" ክብሉ ጽሒፎም።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መርመራታት ብልሒ ዝረኽቡዎ ብቕዓት፡ "ካብ በዅሪ ናብ ድሒሮም ዝተወልዱ ብመጠኑ ከም ዝንኪ፡" ሰኒዱ ነይሩ።

ብዛዕባ ስርዓት ውልደትን ካልኦት ባህርያት ስብእናን እንተዀይኑ፡ ሮህረር፡ ዋላ'ውን ኣድማሳዊ ዝዀነ መደምደምታ እንተ ዘይሃለወ፡ ብዛዕባ ተመኵሮኻ ምሕሳብ ግን ሕጂ'ውን ትርጕም ክህልዎ ከም ዝኽእል ትዛረብ።

"ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝዓበዩ ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ። ተመኵሮታትን ካልእን ክትለዋወጥ ትኽእል ኢኻ፡" ትብል፣ ንኣብነት፡ ከም "በዅሪ ጓል ሲንድሮም" ዝኣመሰሉ ኣምራት።

"እዚ ተመኵሮ ኣድማሳዊ እዩ ኢልካ ክሳብ ዘይገመትካ"፡ ንተመኵሮኻ ከምኡ ገይርካ ምቕራጽ ጌጋ የብሉን ትብል።

ካልእ ኣካል እቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ዳምያን ንሓሳብ ሮህረር ዘራጕድ ሓሳብ ኣስዒቡ፡ "ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ስብእና ፍልልያት እኳ እንተ ዘይረኸብና፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ስድራቤት ወይ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ባህሊ ኣብ ስርዓት ውልደት ዝተመርኰሰ ዝተፈላለየ ውጽኢት ከብጽሑ ዝኽእሉ ማሕበራዊ መስርሓት የለዉን ማለት ኣይኰነን።"

ዕድመ ቍጽሪ ጥራይ ድዩ?

ኣብ ሕብረተሰባት መስርዕ ውልደት ምስ ባህርያት ኣዛሚድካ ኣብ ዝወሃብ መግለጺታት "ከጋጊ" ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይግለጹ።

ነቲ ዓቢይ፡ "ሓላፍነታዊ" ሓው ከም ኣብነት ንውሰዶ። "ሰባት እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ይስምዖምን ዝያዳ ርእሰ-ምቍጽጻር ይገብሩን'ዮም። ስለዚ፡ እቲ በዅሪ ኵሉ ግዜ ካብቶም ድሒሮም ዝተወልዱ ዝያዳ ሓላፍነት ይስምዖ። ንኣብነት፡ ደቅኻ እናዓበዩ ምስ እትዕዘቦም፡ እቲ በዅሪ ወትሩ ዝያዳ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ክትርዳእ ኢኻ፡" ይብል ዳምያን።

"ካልእ ነገር ድማ ሰባት እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ይህልዎም፡" ክብል ይውስኽ። "ስለዚ፡ እቲ ካልኣይ ዝተወልደ ቈልዓ ዝያዳ ሕዉስ ሰብ ክመስል ይኽእል'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ወዲ 10 ዓመት ካብቲ ወዲ 14 ዓመት ምዕባይ ሓዉ ዝያዳ ሕጉስን ብገዛእ ርእሱ ዝተመልአን'ዩ። እቲ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ብዙሓት ዘየቕስኑ ነገራት ክህልውዎ ስለ ዝኽእል'ዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዘለዎም ዝተፈላለየ ብድሆታት ዝነቅል እዩ።"

በላሕቲ ኣሕዋት

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ ምርምር ስርዓት ውልደት ዝረአ ሓደ ቀጻሊ ርኽበት፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ውልደትን ብልሕን ዘሎ ምትእስሳር ኰይኑ፡ በዅሪ ውላድ ካብ ንኣሽቱ ዝተወልዱ ቈልዑ ብማእከላይ ገምጋም ምስ ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ባህርያት ቍሩብ ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ናይ ፈለማ ናይ ህይወት ዓመታት ብዝግበር ኣእምሮኣዊ ምልዕዓል እውን ክግለጽ ይኽእል። ዳምያን ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ነፍሲወከፍ ቈልዓ ዝበዝሑ ዓበይቲ ሰባት ብዝረኸብካ መጠን፡ ንእሩም ቋንቋን ስነቓላትን ዝያዳ ከም ዝቃልዑ ይሕብር።

ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ዝውለዱ ኣሕዋት ምስ ዝበዝሑ ግን ደረጃታት ኣእምሮኣዊ ምልዕዓል ክጐድል ይኽእል እዩ።

ዓበይቲ ኣሕዋት ንንኣሽቱ ኣሕዋት ኣብ ዝምህሩሉ እዋን፡ ወይ ነገራት ኣብ ዝገልጹሉ እዋን፡ "ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጸጋታት" ይጥቀሙ ዝብል ሓሳባት'ውን ኣሎ።

እቲ ዝገርም ግን እዞም ቅዲታት ብልሒ ብዓለም ደረጃ ኣይድገሙን እዮም። ካብ ኣብ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዝመጽእ መረዳእታ ምስቲ ካብ ምዕቡላት ሃገራት ዝመጽእ መረዳእታ ይፍለ'ዩ።

ንኣብነት ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ድሒሮም ዝተወልዱ ኣሕዋት ካብ ዓበይቲ ኣሕዋቶም ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ክህልዎም ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ጸገማት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዝዀነ ድማ ዓበይቲ ኣሕዋት ኣብ ኣታዊ ስድራቤት ኣበርክቶ ክገብሩ ምስ ጀመሩ ጥራይ እዩ።

ብመሰረት ዳምያንን መሳርሕቱን፡ ስርዓት ውልደት ኣብ ሞያታት'ውን "ንእሽቶ ጽልዋ" ኣለዎ ይብሉ። እቲ ዓቢይ ሓው ዝያዳ ናብ ኣካዳሚያዊ ወይ ሳይንሳዊ ሞያ ንምእታው ከዘንብል እንከሎ፡ እቲ ዝነኣሰ ድማ ዝያዳ ናብ ፈጠራዊ ሞያ ክኣቱ ተኽእሎታት ኣሎ።

ዳምያን ዝረኸቦ ውጽኢት ግን ምስ እቲ ላዕለዋይ ነጥቢ ዝጋጮ'ዩ። ኣብቲ ኣብ 1960 ንናሙና ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮ፡ ድሕሪኡ ድማ ድሕሪ 60 ዓመት ተመሳሳሊ ተሳተፍቲ ዝረኣየ ነዊሕ መጽናዕቱ፡ እቶም በዅሪ ዝያዳ ኣብ ፈጠራዊ ሞያታት ይነጥፉ ዝብል መደምደምታ እዩ ረኺቡ።

'ነብሶም ጥራሕ ዝፈትዉ' ቈልዑ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣሕዋት ዘይብሎም ቈልዑ ካብቶም ኣሕዋት ዘለውዎም ቈልዑ ንላዕሊ ንነብሶም ጥራይ ዝሓልዩ ዝብል ጽልዋ ከም ዘሎ ይግለጽ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ናይ ወለዲ ቆላሕታ ዝቃጸጽ ስለ ዘይብሎም'ዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነን ብዘይ ኣሕዋት ምዕባይ ናብ ምውሳኽ ርእሰ-ፍትወት ወይ 'ናርሲዝም' ከም ዘየምጽእን ይሕብር።

መጽናዕቲ ስርዓት ልደት ብተለምዶ ምስ ኣሕዋት ዝዓበዩ ቈልዑ ብፍትሓዊ መንገዲ ክወዳደሩ ኣይክእሉን እዮም ብዝብል ምኽንያት ንቘልዑ ኣየጠቓለለን።

ይዅን'ምበር፡ ባህርያት ስብእና ኣሕዋት ምውድዳር ከም ዝከኣል፡ ብፕሮፌሰር ስነልቦና ማይክል ኣሽተን ከምኡ'ውን ፕሮፌሰር ስነልቦና ኪብዮም ሊ ኣብ 2025 ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ይሕብር።

ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዝተወልዱን ኣብ መወዳእታ ዝተወልዱን ኣሕዋት ብመንጽር "ቅንዕናን ትሕትናን" ኣብ ዝርኣይሉ፡ እቶም ድሒሮም ዝተወልዱ ካብቶም በዅሪ ኣሕዋት ብማእከላይ ገምጋም ዝለዓለ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

"ቅንዕና-ትሕትና" ሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ቅኑዕን ትሑትን ምዃኑ ዝዕቅን ኰይኑ፡ ልዑል ነጥቢ ዝረኸበ ሰብ ንኻልኦት ክቈጻጸር፡ ሕግታት ክጥሕስ ወይ መሰል ዘለዎ ኰይኑ ክስምዖ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።

ትሑት ነጥቢ ዘምጽእ ሰብ፡ ሕግታት ንምጥሓስ ዝያዳ ዝንባለ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዓቢይ ኣገዳስነት ክስምዖ ይኽእል።

ብመዐቀኒ ስምምዕነት፡ ሓደ ልዑል ነጥቢ ዝረኸበ ሰብ ይቕረ ዝብል፡ ንኻልኦት ኣብ ምፍራድ ልኡም፡ ምዕሩይ ቍጥዐ ዘለዎን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ፍቓደኛን ክኸውን ከሎ፡ ትሑት ነጥቢ ዝረኸበ ሰብ ድማ ቂምታ ክሕዝ፡ ድርቅና ዘለዎ፡ ቀልጢፉ ዝቝጣዕን ንኻልኦት ዝነቅፍን ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ፡ ሓደ መዓልቲ፡ በዅሪ ጓል ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝያዳ ንጹር መልሲ ክህልወና ይኽእል ይኸውን። ክሳዕ ሽዑ ንንእሽቶ ሓፍተይ ብባህሪኣ ካብኣ ንላዕሊ በላሕ ምዃነይ ክትኣምን እየ ዝደሊ።