እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪነታዊ ብልሒ (AI) ብኸመይ'ዩ ንቐረብ ማይ ዓቢይ ሓደጋ ዝኸውን ዘሎ?
ኣጠቓቕማ ኪነታዊ ብልሒ (AI) ብፍጥነት ብርሃን እዩ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ።
እንተዀነ እዚ ቴክኖሎጂ ልዑል መጠን ማይ ዝጠልብ ኰይኑ ንመዝሓልን ኣብ ምፍራይ ናይቲ ዝጥቀመሉ ሰፊሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይ የድልዮ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ብገናኡ ሕጽረት ማይ ከምዘጋጥሞን ብሰንኪ ለውጢ ክሊማን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብን እቲ ሕጽረት ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ክጋደድ ከምዝኽእል ይግመት።
እተን ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ AI ብፍላይ ንጥፈታተን ዝጥቀመሉ ማይ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይህባን እየን፤ እንተዀነ ጠቕላላ ዝጥቀማሉ ማይ እናወሰኸ መጺኡ'ዩ።
ንምዃኑ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ኪነታዊ ብልሒ ንነገራት ከጋድዶ ድዩ?
ኪነታዊ ብልሒ ማዕረ ክንደይ ማይ ይጥቀም?
ኣካያዲ ስራሕ ኦፐንኤኣይ ሳም ኣልትማን፡ ቻትጂፒቲ ሓንሳእ ንኽጥቀም 15 ማንካ ሻሂ ማይ ከም ዘህልኽ ይዛረብ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ ካሊፎርንያን ቴክሳስን ብኣመሪካውያን ምሁራት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብቲ ናይቲ ኩባንያ ሞዴል GPT-3፡ ፍርቂ ሊትሮ ማይ ከም ዝጥቀሙ - እዚ ማለት ኣብ ሓደ መልሲ ካብ ክልተ ክሳብ 10 ማንካ ሻሂ ማይ ከም ዝጥቀሙ ደምዲሙ።
ግምታት ናይቲ ዝጥቀመሉ መጠን ማይ ከከም ዓይነት ሕቶ፡ ንውሓት ናይቲ መልሲ፡ እቲ መልሲ ኣበይ ከም ዝስራሕን ኣብቲ ቅማረ ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሒታትን ዝኣመሰሉ ነገራት ይፈላለ እዩ።
ግምት ምሁራት ኣመሪካ - ንኣስታት 10-50 ሕቶታት 500 ሚሊ ሊትር ነቲ ዝጥቀመሉ ሓይሊ ንምፍራይ ዝጥቀመሉ ማይ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ከም ኣብ ከሰል፡ ጋዝ ወይ ኒዩክለሳዊ መደበራት ተርባይናት ዝዝውር እዩ።
ኣሃዝ ሚስተር ኣልትማን ነዚ ዘይከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኦፐንኤኣይ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ ዝርዝር ናይቲ ቀመር ኣይሃበን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ኣጠቓቕማ ማይ ይድመር'ዩ። OpenAI ChatGPT መዓልታዊ ሓደ ቢልዮን ሕቶታት ከም ዝምልስ ይገልጽ።
መጽናዕቲ ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ ክሳብ 2027፡ ኢንዱስትሪ ኤኣይ፡ ሃገረ ዴንማርክ ኣብ ዓመት ካብ እትጥቀመሉ ማይ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ዕጽፊ ክጥቀም ከምዝኽእል ይእምት።
ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ፕሮፌሰር ሻኦለይ ረን፡ "ኪነታዊ ብልሒ [AI] ዝያዳ ብዝተጠቐምና መጠን፡ ልዑል መጠን ማይ ንጥቀም" ይብል።
ኪነታዊ ብልሒ [AI] ማይ ብኸመይ ይጥቀም?
ካብ ኢመይላትን ስትሪሚንን ሓዊስካ ክሳዕ ዲፕፎክ ዝበጽሕ ንጥፈታት ኦንላይን፡ ማእከላት ዳታ [ዳታ ሰንተር] ዝበሃሉ ዓበይቲ መሳለጥያታት ብዓበይቲ ራክስ ናይ ኮምፒተር ሰርቨር'ዩ ዝስራሕ።
እዚኦም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብኮምፒዩተራት እናወሓዘ ምስ ከደ ይውዕዩ።
ጽሩይ ማይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስርዓታት መዝሓሊ ወሳኒ ባእታ እዩ። ኣገባባት ይፈላለዩ እዮም፡ ገሊኦም ግን ክሳብ 80 ሚእታዊት ካብቲ ዝጥቀሙሉ ማይ ናብ ከባቢ ኣየር ክሃፉ ይኽእሉ።
ዕማም AI ካብቶም ልሙዳት ናይ ኦንላይን ዕማማት ኣዝዩ ዝያዳ ሓይሊ ኮምፒዩተር ዝሓትት ኰይኑ ብፍላይ ንዝተሓላለኹ ንጥፈታት ከም ምስሊ ወይ ቪድዮ ንምፍጣር ዝያዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የድልዮ።
እቲ ፍልልይ ብቝጽሪ ንምግላጹ ኣጸጋሚ ኰይኑ፡ ብዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት (IEA) ዝተገብረ ግምት ግን፡ ሓደ ናይ ቻትጂፒቲ መልሲ ንምርካብ ዳርጋ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይድ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝጥቀም ይሕብር።
ከምኡ'ውን ልዑል ኤሌክትሪክ ይጥቀም ኣሎ ማለት ዝያዳ ሙቐት ስለዝፍጠር ልዑል መጠን ምዝሓሊ ማይ የድሊ።
ኪነታዊ ብልሒ [AI] ዝጥቀመሉ ማይ ክሳብ ክንደይ ብናህሪ ይዓቢ ኣሎ?
እተን ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ AI ብፍላይ ንጥፈታተን ዝጥቀመሉ ማይ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይህባን እየን፤ እንተዀነ ጠቕላላ ዝጥቀማሉ ማይ እናወሰኸ መጺኡ'ዩ።
ጉግል፡ ሜታን ማይክሮሶፍትን - ኣብ ኦፐን ኤኣይ ዓቢ ኣውፈርትን ኣክስዮንን ዘለዎም - ኵሎም ካብ 2020 ጀሚሮም ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣዩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብዚ ግዜ እቲ ኣጠቓቕማ ማይ ጉግል ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ። እንተዀነ ኣማዞን ዌብ ሰርቪስስ (AWS) ብዛዕባ ዝጥቀመሉ ማይ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።
ጠለብ ኪነታዊ ብልሒ ክዓቢ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ IEA ኣብ 2030 ኣጠቓቕማ ማይ ማእከላት ዳታ ዳርጋ ብዕጽፊ ክውስኽ ምዃኑ ይግምት። እዚ ድማ ኣብ ምፍራይ ጸዓትን ምፍራይ ቺፕ ኮምፒተርን ዝውዕል ማይ ሓዊሱ እዩ።
ጉግል፡ ማእከላት ዳታታቱ ኣብ 2024፡ 37 ቢልዮን ሊትሮ ካብ ምንጪ ማይ ከምዝተጠቐሙን ካብዚ እቲ 29 ቢልዮን ሊትሮ ድማ ከምዝሃፈፈ ዘመልክት ምዃኑን ይገልጽ።
ንምንታይ'ዩ ኣብ ዝደረቑ ከባቢታት ማእከላት ዳታ ዝህነጽ ዘሎ?
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ዳታ ዝግበር ተቓውሞ እንተላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ላቲን ኣመሪካን ከም ኣሪዞና ዝኣመሰላ ግዝኣታት ኣመሪካን ኣርእስተ ዜና እናዀነ ይመጽእ'ሎ።
ኣብ ስጳኛ ንመስፋሕፍሒ ማእከላት ዳታ ክምክት ዓሊሙ ዝተመሰረተ ጕጅለ ኣሎ።
ኣብተን ክልቲአን ብኸቢድ ድርቂ ዝተሃስያ ቺለን ኡራጋይን፡ ጉግል ድሕሪ ተቓውሞ ንማእከላት ዳታ ዝምልከት መደባቱ ደው ኣቢልዎ'ዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 150 ማእከላት ዳታ ዘካይድ ኤንቲቲ ዳታ፡ ኣቢጂት ዱቤይ፡ ኣብ ውዑያትን ደረቕን ዞባታት ማዕከላት ዳታ ንምህናጽ "ዓቢ ተገዳስነት" ከምዘሎ ይዛረብ።
ከም መሬት፡ ትሕተ ቅርጺ ሓይሊ፡ ከም ጸሓያውን ንፋስን ዝኣመሰሉ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ከምኡ'ውን ምቹእ ሕገ ደንብታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት፡ ነዞም መዳያት ሰሓቢ ክገብሮም ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ብተወሳኺ ሓደ ህንጻ ንምዝሓል ዝያዳ ጸዓት ከም ዘድልን እዚ ድማ ንረብሓ ደረቕ ቦታታት ከም ዝውስኽን ክኢላታት ይሕብሩ።
ጉግል፡ ማይክሮሶፍትን ሜታን ኵሎም ኣብ ከባብያዊ ጸብጻባቶም ካብ ደረቕ ዞባታት ዝመጽእ ማይ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ይገልጹ።
ብመሰረት ናይተን ኩባንያታት ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻባት፡ ጉግል 14 ሚእታዊት ካብቲ ዘውጽኦ ማይ ካብቲ "ልዑል" ሓደጋ ሕጽረት ማይ ዘለዎ ከባቢታት ከም ዝመጽእ ክገልጽ ከሎ፡ ካልእ 14 ሚእታዊት ድማ ካብ "ማእከላይ" ሓደጋ ዘለዎ ከባቢታት ከም ዝመጽእ ይገልጽ።
ማይክሮሶፍት ድማ 46 ሚእታዊት ማይ ካብቲ ልዑል ዋዒ ዘለዎም ከባቢታት ከም ዝወስድ ይገልጽ።
ካልእ ናይ መዝሓሊ ኣማራጺ ኣሎ ድዩ?
ብኣየር ዝዝሕል መስርሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ካብቶም ኣብ ማይ ዝተመስረቱ ኣማራጽታት ዝያዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክጥቀሙ ዝፍትኑ እዮም ይብል ፕሮፌሰር ረን።
ማይክሮሶፍት፡ ሜታን ኣማዞንን ኵሎም ማይ ወይ ካልእ ፈሳሲ ኣብ ዙርያ እቲ ስርዓት ምትናን ወይ ምትካእ ከየድለየ ዝዘውር "closed loop" ዝበሃል ስርዓታት የማዕብሉ ከምዘለዉ ይዛረቡ።
ሚስተር ዱቤይ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ስርዓታት ኣብ ደረቕ ከባቢታት ብሰፊሑ ድልየት ከምዘሎ ይኣምን፡ እንተኾነ እቲ ኢንዱስትሪ ገና ኣብ ምቕባሉ ኣብ ትሑት ደረጃ ከምዘሎ ይዛረብ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኩባንያታት ጽሩይ ማይ ክጥቀማ ከምዝመርጻ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልጹ።
ኣብ ገለ ኩባንያታት ግን ዘይስተ ማይ ናይ ምጥቃም ድሌታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
እቲ ረብሓታት ምስ እቲ ከባብያዊ ወጻኢታት ዝመጣጠን ድዩ?
ኪነታዊ ብልሒ [AI] ኣብ ፕላኔትና ጸቕጢ ንምንካይ ንምሕጋዝ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።
ኣብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ዓለምለኻዊ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ምህዞ ቶማስ ዳቪን፡ ኤኣይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ክሊማን ነጥቢ መቐይሮ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
እንተዀነ ኩባንያታት "እቲ ዝሓየለን ምዕቡልን ሞዴል ንምውጻእ" ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጉዳይ "ብቕዓትን ግሉጽነትን" ክወዳደራ ክርኢ ከምዝደሊ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ኩባንያታት ሞዴላተን ክፉት ምንጪ ክገብራ ክርኢ ይደሊ፣ እዚ ማለት ድማ ኵሉ ሰብ ክጥቀመሉን ክላመድን ክቐርብ ምግባር ማለት እዩ።
ሚስተር ዳቪን፡ እዚ ድማ ኣድላይነት ናይቲ ሓይልን ማይን ዝሓትት መስርሕ ስልጠና ሞዴላት ከጕድሎ እዩ ይብል።
ይዅን እምበር፡ ንሓያሎ መንግስታት ኤውሮጳ፡ ኣካላት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዘማኸረትን ማሕበር ስነ-ምግባር ቴክኖሎጂ ዝበሃል መርበብ እተካይድን ተመራማሪት ሎሬና ጃውመ-ፓላሲ፡ ሰፊሕ ዕብየት ኤ.ኣይ ምስ ከባቢ ኣየር ንምስናይ ከቢድ ከምዝዀነ'ያ እትምጕት።
"ኣብ ነዊሕ ግዜ ነዚ ውድድር ንምቕጻል ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ስርዓታት AI ንምፍጣር እኹል ጥረ ነገራት የብልናን" ትብል።
እተን ትካላት ቴክኖሎጂኸ እንታይ ይብላ?
ጉግል፡ ማይክሮሶፍት፡ ኤውኤስን ሜታን ኵለን፡ ኣብ ከባብያዊ ኵነታት ተመርኲሰን፡ ቴክኖሎጂታት መዝሓሊ ብጥንቃቐ ከም ዝመርጻ ይዛረባ።
ኵለን ክሳብ 2030 ምስ ማይ ዝሳነ ኣጠቓቕማ ከተግብራ መደባት ሓንጺጸን ኣለዋ።
እዚ ማለት ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ኵሉ ንጥፈታተን ካብቲ ዝጥቀማሉ ማይ ንላዕሊ ማይ ናይ ምፍልፋል ዕላማ ኣለወን።
ነዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ከባቢታት ቀረብ ማይ ንምዕቃብ ወይ ንምምላእ ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ይምውላን ይድግፋን - ንኣብነት ኣግራብ ወይ ጠሊታት ብምሕዳስ ወይ ድማ ስራሕቲ መስኖ ምምሕያሽ።
ኣብ ምውሓድ ማይን ጸዓትን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኦፕን ኤኣይ፡ "ብዛዕባ ዝበለጸ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኮምፒዩተር ምሕሳብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ ይቕጽል" ይብል።
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ዝያዳ ቅኑዕን ደረጃ ዝሓለወን ጸብጻብ ኢንዱስትሪ ከም ዘድሊ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ረን "ክንዕቅኖ እንተዘይክኢልና ክንመርሖ ኣይንኽእልን ኢና" እዩ ዝብል።