መዓር ምብላዕ ጥዕናዊ ጸገም ኣለዎ ድዩ?

መዓር፡ ሰራሕተኛታት ኣናህብ ካብ ተኽልታት ዕምባባ ብዝቐስምዎ ጽገ ይዳለው፤ ኣብ ውሽጢ ቆፎ ንኣዋርሕ ከም ስፈ ንህቢ ተኸዚኑ ድማ ብፍላይ ኣብ እዋን ሓጋይ ቀለብ ይዀኖም።

ከከም ምንጪ እቲ ጽገ ዝፈላለ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኬሚካላዊ ውህደት ኣለዎ፤ ብደቂ ሰባት እውን ኣዝዩ ዝፍተው መግቢ እዩ።

ስእልታት ዘመነ እምኒ ከምዘመልክትዎ ካብ ቅድሚ ኣስታት 8000 ዓመት ጀሚሩ ሰባት ከም መግብን መድሃኒትን ክጥቀመሉ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ መዓር ‘መግቢ ኣማልኽቲ’ ተባሂሉ ክግለጽ እንከሎ ኣብ ቻይና ድማ ከም መድሃኒት ይርአ ነይሩ።

መኣዛዊ ትሕዝቶ መዓር

ዘይተመስርሐ መዓር ኣሚኖ ኣሲዳት፡ ኣንቲኦክሲዳንት ወይ መከላኸሊ ጉድኣት ዋህዮታት፣ ቫይታሚናት፣ ማዕድናትን ሽኮርን የጠቓልል።

ልዑል ትሕዝቶ ፍሩክቶስ ስለዘለዎ ካብ ሽኮር ዝጥዕም ኰይኑ ማእከላይ ደረጃ ‘ግላይሰሚክ ኢንዴክስ’ ኣለዎ።

ግላይሰሚክ ኢንዴክስ፡ ስርዓት መዓቀኒ ካርቦሃይድሬት ዘለዎም መግብታት እዩ፤ ነፍሲ ወከፍ መግቢ ክብላዕ ከሎ፡ ኣብ ደም ንዝርከብ ደረጃ ሽኮር (ግሉኮስ) ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ከም ዝጸልዎ የመልክት።

ሓደ ማንካ (20 ግራም) መዓር ዘለዎ መዓዛዊ ትሕዝቶ፡

• 58 ኪሎካሎሪ (ኣሃዱ ሙቐት ወይ ካብ መግቢ ዝርከብ ጽዓት)

• 15.3 ግራም ካርቦሃይድሬት

• 15.4 ግራም ሽኮር

• 0.1 ግራም ፕሮቲንን

• 0 ግራም ስብሒን እዩ።

ንጥዕና ዘለዎ ረብሓ

ጥዕናዊ ረብሓታት መዓር ኣብ ኣሰራርሓኡን ከምኡ’ውን ኣብ ጽሬት ናይቶም ኣናህብ ዝቐሰምዎ ጽገን ይምርኰስ።

ዘይተመስርሐ መዓር ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ዘይወዓየ፣ ዘይተነጸረን ዘይመከነን (ፓስተራይዝ ዘይተገበረ) እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝርከብ መዓር ድማ ብተለምዶ ዝያዳ ኣብ ጥዕና ረብሓታት ዘለዎም መኣዛታት ይዕቅብ፤ ምኽንያቱ ዝተመስረሐ መዓር ኣብ እዋን መስርሕ መኣዛታቱ ክስእን ይኽእል እዩ።

መዓር ንነዊሕ ግዜ ከም ጸረ-ረኽሲ ከገልግል ጸኒሑ እዩ። ከቢድን ቀሊልን ቁስሊ ከምኡ’ውን ነድሪ ከስዐን ቃጸሎን ኣብ ምሕዋይ ከምዝሕግዝ ይእመን።

መዓር ብቐንዱ ብግሉኮስን ፍሩክቶስን ዝበሃሉ ክልተ ኣዝዮም ማይ ዝስሕቡ ዓይነታት ሽኮር ዝቖመ ስለዝዀነ፡ ኣብቲ ቁስሊ ዝርከብ ማይ ብምምጣጥ፡ ዕብየት ባክተርያን ፋንጋስን ይዓግት፤ ብኸምዚ ድማ እቲ ቁስሊ ክነቅጽ ይሕግዝ።

ብፍላይ እቶም ዘይጸዓዱ ዓይነታት መዓር፡ ቀንዲ ምንጪ ከም 'ፍላቮኖይድ' ዝኣመሰሉ ኬሚካላዊ ውህደታት እዮም።

ፍላቮኖይድስ ዝተበሃሉ ውህደታት ጸረ-ባክተርያ፡ ጸረ-ቫይረስ፡ ጸረ-ነድሪን ጸረ-ኣለርጂን ባህርያት ከምዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። መዓር ትሕዝቶ ፍላቮኖይድ ስለዘለዎ፡ ገለ ሰባት ከም ጥዑይ ኣማራጺ ሽኮርን ምንጪ ጸረ-ረኽሲን ይርእይዎ።

መዓር ካብ ሽኮር ይሓይሽ ድዩ?

መዓር ካብ ሽኮር ዝተሓተ ደረጃ ግላይሰሚክ ኢንዴክስ ኣለዎ፤ እዚ ማለት ከም ሽኮር ቀልጢፉ መጠን ሽኮር ኣብ ደም ክውስኽ ኣይገብርን።

መዓር ካብ ሽኮር ዝዛይድ ጣዕሚ ስለዘለዎ ብዙሕ ምውሳድ ኣየድልየናን፤ ይኹን’ምበር ዝያዳ ካሎሪ ስለዘለዎ እንወስዶ ዓቐን መዓር ብቐረባ ክንከታተል ኣገዳሲ እዩ።

መዓር ክትበልዑ ትመርጹ እንተዀይንኩም፡ ካብ ጻዕዳ ሽኮር ዝዛይድ ቫይታሚናት፣ ኢንዛይማት፣ ጸረ-ረኽሲን ካልኦት መኣዛታትን ዝሓዘ ዘይተመስረሐ ዓይነት እንተፈተንኩም ዝሓሸ ይኸውን፤ ክበዝሕ ድማ የብሉን።

ካብ ዘይተመስርሐ መዓር ዝርከብ ዝዀነ ይኹን መኣዛዊ ረብሓ ግን ንእሽቶ ምዃኑ ምዝካር የድሊ።

ካብ ደቂ ሓደ ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ኵሎም ሕጻናት ዝዀነ ይኹን መዓር ክበልዑ የብሎምን።

መዓር ንኹሉ ሰብ ውሑስ ድዩ?

መዓር ከም ሽኮር 'ዘይብሉ' ይምደብ፤ ሽኮር ኣብ ኣመጋግባና ክንድርቶ ዝመከር እዩ። ስለዚ ዋላ'ኳ ንመብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት ውሑስ ክኸውን ዝኽእል እንተዀነ፡ ክውሰድ ከሎ ግን ብመጠኑ ክኸውን ኣለዎ።

ንሕሙማት ሽኮርያ፡ ወይ ድማ ደረጃ ሽኮር ደሞም ክቆፃፀሩ ንዝፍትኑ ሰባት፡ ሽኮር ብመዓር ምትካእ ዳርጋ ረብሓ የብሉን፤ ምኽንያቱ ክልቲኡ - ሽኮርን መዓርን - ኣብ ደረጃ ሽኮር ደም ጽልዋ ኣለዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ደቂ ሓደ ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ኵሎም ሕጻናት ዘይተመስርሐ ይኹን ዝተመስርሐ መዓር ክበልዑ የብሎምን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ 'ቦቱሊዝም' ዝበሃል ዓይነት ምምራዝ መግቢ ከጋጥሞም ተኽእሎ ስለ ዘሎ እዩ።

ቦቱሊዝም ንመትኒታት ብምጥቃዕ ከም ጸገም ምውሓጥ፣ ምዝራብ፣ ምስትንፋስ ከምኡ’ውን ለምሲን ሞትን ከስዕብ ዝኽእል ሳሕቲ ዘጋጥም ከቢድ ሕማም እዩ።

መብዛሕትና ኣብ ኣመጋግባና መዓር ክነስተማቕር ንኽእል እኳ እንተዀንና፡ ንኵሉ ሰብ ግን ቅቡል ኣይኰነን። ንኣብነት ንቬጋን (ኣትክልቲ ዝምገቡ ሰባት) መዓር ኣማራጺ ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ምህርቲ መዓር ምእካብ፡ ነቶም ብጻዕሮም ዘፍረይዎን ኣብ እዋን ሓጋይ ከም ቀለብ ዝጥቀሙሉን ኣናህብ ዝጎድእ ንጥፈት ከምዝዀነ እዮም ዝርእይዎ።