ኣብ ሃይማኖታዊ ወጥሪ እትርከብ ኢትዮጵያ እገዳታት ኢንተርነት ኣንቢራ

ኣብታ ሃይማኖታዊ ወጥሪ ዝሓየለላ ኢትዮጵያ ብዙሓት መልእኽቲ ክለዋወጡ ኣብ ዝመርፅዎ መተግበሪታት [‘ኣፕሊኬሽናት’] ገደብ ተገይሩ።

ኔትብሎክ ዝተባህለ ንርክባት ኢንተርነት ዝከታተል ትካል ከምዝሓበሮ ካብ ትማሊ ሓሙስ 2 ለካቲት 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣገልግሎታት ፌስቡክ፣ መሰንጀር፣ ቴሌግራምን ቲክቶክን ተገዲቦም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ነቶም ናይ መልእኽቲ መተግበሪታቶም ምስ ኢንተርነት ክራኸቡ ከምዘይክእሉ ይሕብሩ ኣለዉ።

ብዙሓት ሰባት ድማ ብ‘ቪፒኤን’ [VPN] ኣቢሎም ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ መተግበርታት ማህበራዊ መራኸቢ ይጥቀሙ ምህላዎም ይሕብሩ ኣለዉ።

እቶም ዝተጠቕሱ መተግበርታት በቲ መንግስቲ ዝውንኖ ወሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኢትዮቴሌኮም ከምዝተኸልከሉ ኔትብሎክ ይገልፅ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናዕቢታት ከጋጥሙ ከለዉ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ፈተናታት ኣብ ዝህልዉ ኣብ ናይ መራኸቢ ኣፕሊኬሽናት ገደብ ምግባር ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኢንተርነት ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ልሙድ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምድራት ኣገልግሎታት ኢንተርኔት ዝበሎ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ እቲ ስጉምቲ ግን ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ወጥሪ ስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እዚ ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝተነበረ ገደብ ዝስማዕ ዘሎ፡ መራሕቲ ቤተክርስትያንን ኣመንትን ኣንጻር መንግስቲ ብትሪ ተቓውሞኦም ይገልፁ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዩ።

ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትዎርክ (ቪ ፒ ኤን) እንታይ እዩ?

ቪ ፒ ኤን ኣብ መንጎ ትጥቀመሉ ዘለኻ መሳርሕን (ሞባይል ቴለፎን፡ ላፕቶፕ፡ ኮምፕዩተር...) ካልእ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ኮምፕዩተር ዝግበር ስቱር ርክብ እዩ።

ቪፒኤን ንገለ ከባቢ ዝተኸልከሉ መርበባት ሓበሬታ ንምኽፋት፡ ኣብ ኢንተርነት ትገብሮ ዘለኻ ንጥፈታት ንምኽዋልን ካልእን የገልግል። ንብዙሕ መዓልታት ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣገልግሎት እዩ።

ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ናይ ስራሕ ኮምፕዩተርካ ክትከፍት ምስ እትደሊ እሞ ውሑስ ክኾነልካ ምስ እትመርጽ ቪፒኤን ትጥቀም።

ብዘይካ'ዚ፡ ብመንገዲ ኣብ ካልእ ሃገር እትርከብ ኮምፕዩተር ኣቢልካ ከም እትሓልፍ ብምግባር፡ ካብ ምቁጸጻራት ናይ መንግስቲ ነጻ ንምዃን፤ ውሑስ ኣብ ዘይኮኑ ህዝባዊ ናይ ዋይፋይ ቦታታት ውልቃዊ ሓበሬታና ንምክልኻል'ውን የገልግል።

ቪፒኤን "ኣብ ውሽጢ ዓቢይ መርበብ ናይ ባዕልኻ መርበብ ምፍጣር ኢዩ" ኢሉ ዝገልጾ ከኢላ እቲ ዓውዲ፡ ምሩቕ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ፡ ሃብቶም በርሀ፡ ንባንክታት ከም ኣብነት ይጠቕስ።

"ናይ ባዕሉ ኔትዎርክ [መርበብ] ዘለዎ ባንክ፡ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝርከቡ ጨናፍሩ ንምርካብ ቪፒኤን ይጥቀም።"

በዘይካ'ዚ እቲ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብብዝሒ ዘዘውትርዎ ኢንተርነት ቪፒኤን "ዝተዓጸው መርበባት ሓሊፍካ ንምርኣይ፡ ዘለኻዮ ቦታ ንምሕባእ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ከሎኻ ካብ ኣሜሪካ ትጥቀም ከም ዘሎኻ" ንምምሳል'ውን የገልግል" ኢሉ ኣቶ ሃብቶም።

ቪፒኤን ፈለማ ክመሃዝ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ዋኒናት ውሑስ ዝኾነ ርክብ ብምፍጣር ኣብ ገዛ ኮይነካ ስራሓት ንምስላጥ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን፡ ንካልእ መዓላታት ዝያዳ ተፈላጥነት ረኺቡ ኣሎ።

ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ክንከፍትን ኢንተርነት ክንጥቀምን ኣብ ንፍትነሉ እዋን ብመንገዲ እቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህበና ዘሎ ትካል (ኢንተርነት ሰርቪስ ፕሮቫይደር) ኣቢልና ኢና ናብቲ ዝደለናዮ መርበብ ሓበሬታ ክንበጽሕ እንኽእል።

ቪፒኤን ግና እቲ ናይ ኦንላይን ንጥፈታትና ብኻልእ ኮምፕዩተር (ሰርቨር) ከም ዝሓልፍ ብምግባር፡ መንነትናን እንታይ ንገብር ከም ዘሎናን ከም ዘይፍለጥ ይገብር። ነቲ መርበብ ሓበሬታ ድማ ካብ ካልእ ሃገር ንኸፍቶ ከም ዘለና ብምሕባር ነቲ ምኽልካል ክንሰግሮ የኽእል።

ቪፒኤን ካበይ ንረኽቦ?

ብዙሓት፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጥራይ ክኽፈቱ ንዝፍቀድ ሓበሬታታትን ፊልምታትን ንምርካብ ቪፒኤን ይጥቀሙ። እቲ ዝጥቀምሉ ቪፒኤን ምስ ዝፍለጥን ዝዕጾን ድማ ድማ ናብ ኻልእ ብምቕያር ነቲ ዝደለይዎ ሓበሬታ ምርካብ ይቕጽሉ።

ትካላት ናተን ውልቃዊ ኔትዎርክ ንምግባር ቪፒኤን ካብ ቴለኮማት ይወሃበን ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ሃብቶም፤ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ምኽልካል ንምስጋር ትጥቀምሉ ቪፒኤን ግና "ንናይ ሓበሬታ ነጻነት ብዝንቀሳቐሱ መንነቶም ብዘይገልጹ ኣካላት" ኣብ ኢንተርነት ከም ዝዝርጋሕን ናብ ሞባይልካን ኮምፕዩተርካን ብምጽዓን ምጥቃም ከም ዝከኣልን ሐቢሩ።

ቪፒኤን ምጥቃም ሕጋዊ ድዩ?

መንግስታት ኣብ ሃገራቶም ክዝርጋሕ ንዘይደልይዎ ሓበሬታታት ንምዕጋትን ንዜጋታተን ንምቁጽጻርን፡ ምመያታት (ሰንሰርሺፕ) ይገብሩ'ዮም። ተጠቀምቲ ኢንተርነት ግና ብቪፒኤን ኣቢሎም ነዚ ይሰግርዎ።

እዚ ብዓይኒ ሕጊ ክረአ ከሎ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከም ዝፈላለይን ኣህጉራዊ ዘረዳድእ ሕጊ ከም ዘየሎን፡ ኣቶ ሃብቶም ገሊጹ።

"ኣብተን ንነጻነት ኢንተርነት ንቃለስ ኢና ዝብላ ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ቪፒኤን ሕጋዊ እዩ። ኣብ ከም ቻይና፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ኢንተርነት ብምዕጻው ዝፍለጣ ሃገራት ግና ቪፒኤን ምጥቃም ብሕጊ የኽስስ እዩ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ጽፉፍ ዝኾነ ናይ ቪፒኤን ሕጊ የሎን" ኢሉ።