እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ 2023፡ ኤርትራ ትርከበን 20 ጋንታታት ክሳተፋ’የን
ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዝኾነ ዙር ርዋንዳ ዓመተ 2023 ኤርትራ ትርከበን 20 ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ንኽሳተፋ ተሓርየን ዕድመ ከምዝቐረበለን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ኣፍሊጡ።
ኤርትራ’ውን ድሮ ንዝቐረበላ ዕድመ ተቐቢላ ክትሳተፍ ምዃና ምግላጻ ፕረዚደንት ኮምሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ሜሮዚ ዓብደላ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ኣፍሪቃ ናይ 2.1 መለክዒ ዘለዎ ክልተ ዙራት ጥራይ’ዩ ዘሎ፤ ዙር ትሮፒካለ ኣሚሶን ባንጎን [ዙር ጋቦን] ዙር ርዋንዳን።
እዚ ንመበል 15 ግዜኡ ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት ዝካየድ ዙር ርዋንዳ፡ ብሓፈሻ ሸሞንተ መድረኻት’ዩ ክህልዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ 937 ኪሎሜተር’ዩ ሸፊኖም ነይሮም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ክልተ መድረኻት ምምሕያሻት ብምግባር ሓፈሻዊ ርሕቐት ናብ 1129 ኪሎ ሜተር ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ንኻልኣይ ግዚኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ነቲ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ካብ ዝበል እቲ እንኮ ነቲ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ብሓፈሻ ዙር ርዋንዳ ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ኢሉ ካብ ዘካየዶ ኣርባዕተ ውድድራት ኤርትራውያን ነቲ ሰለስተ ክዕወትሉ ክኢሎም’ዮም፡ ኣብ 2019 መርሃቂ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ’ኸኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2021 ኸኣ እቲ እንኮ ንዙር ርዋንዳ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ኣውሮጳዊ፡ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ክዕወትሉ ክኢሎም።
ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኮቪድ ዝምልከት ቅጥዕታት እቲ ውድድር ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ካብቲ ውድድር ምብኳራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ጋንታታት ዝወዳደሩ ዕዉት እቲ ውድድር ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አየድ ዝወዳደር ዝነበረ ሄኖክ ሙሉብረሃን ከምኡ ኸኣ ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደር መትከል እዮብን ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ስም ኤርትራ ከርቍሑ ክኢሎም’ዮም።
ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት
ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ርዋንዳን
ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፋ ክለባት
ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ቶታል ኢነርጂ፡ ባርድያኒ ሱኤስኤፍ፡ ኖቫ ኖርዲክ፡ ኪው 36.5፡ ኢስካልተል ኢስኳዲ፡ ቦልቶን ኢኵቲስ፡ ባይክ ኣይድ፡ ታርቱ 2024፡ ኢኤፍ ኢድኬሽን፡ ሳውዳል ዂክ ስቴፕ፡ ቤንዲክሽን፡ ቻይና ግሎሪ፡ ትረንጋኑ ፖሊጎን እየን።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ
2022፡ ናትናኤል ተስፋጸዮን
2021፡ ክሪስትያን ሮድሪገዝ
2020፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን
2019፡ መርሃዊ ቅዱስ
2018፡ ሞጉሻ ሳምኤል
2017፡ ኣረሩያ ጆሴፍ
2016፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ
2015፡ ንሰንጊማና ቦስኮ
2014፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ
2013፡ ግሪድሊንስቶን ደይላን
መድረኻት
19 ለካቲት፡ ኪጋሊ ጎልፍ ናብ ርዋምንጋን 115.6 ኪሎ ሜተር
20 ለካቲት፡ ኪጋሊ ናብ ጊሳጋራ 132.9 ኪሎ ሜተር
21 ለካቲት፡ ሁየ ናብ ሙሳንዘ 199.5 ኪሎ ሜተር
22 ለካቲት፡ ሙሳንዘ ናብ ካሮንጊ 138.3 ኪሎ ሜተር
23 ለካቲት፡ ሩሲዚ ናብ ሩባቩ195.5 ኪሎ ሜተር
24 ለካቲት፡ ሩባቩ ናብ ጊሱምቢ 157 ኪሎ ሜተር
25 ለካቲት፡ ንያማታ ናብ ኪጋሊ 115.8 ኪሎ ሜተር
26 ለካቲት ካናል ኦሎምፕያ ናብ ካናል ኦሎምፕያ 75.3 ኪሎ ሜተር