“ንህዝቢ ብድሮን ደብዲብና ኣይንፈልጥን” - ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ዘለው ጐንጺታት፡ ሰራዊቱ ኣብ ዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነበፈርቲ ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

እዚ ኣዛዚ፡ ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝካየዱ ዘለው ወተሃደራዊ ጐንጺታት ዝምልከት ምብርሂ ሂቡ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝወስዶም ስጉምታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት የብጽሕ ከም ዘሎ መንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካለት ክገልጹ እኳ እንተጸንሑ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግን ነዞም ክስታት ነጺጉ።

“ንህዝቢ ብድሮን ሃሪምና ኣይንፈልጥን፤ ንሕና ኣብ መጽናዕቲ ዝምርኰስ ተዓጢቑን ተወዲቡን ንዝንቀሳቐስ ፀረ-ሰላም ሓይሊ ፈሊና እምበር ንህዝቢ ብድሮን ኣይንሃርምን” ኢሉ።

"እቶም ፀረ-ሰላም ዕጡቓት ምስቲ ህዝቢ ምስ ተሓወሱ ንህዝቢ ክንብል ፈሊና ኢና ንሃርሞም” ፡ “ከምኡ እንተዘይኸውን ነይሩ ክሳብ ሕጂ ኣይምጸንሑን ነይሮም። ስቕ ኢልና ጨፋሊቕና ሓዋዊስና ነጥቅዕ እንተንኸውን ነይርና ክሳብ ሕጂ ኣይምጸንሑን” ክብል ተዛሪቡ።

ብርሃኑ ጁላ ወሲኹ፡ “ናትና ድሮን ኣብ ልዕሊ ሸኔ ወይ ጃዊሳ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይዓርፍን። ህዝቢ ኦሮሞ ኰነ ህዝቢ ኣምሓራ ነዚ ይፈልጥ’ዩ” ብምባል ኣብ ክልቲኡ ክልላት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲታት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ድሮን ንዕጡቓት ዒላማ ዝገበሩ ጥራይ’ዮም ኢሉ።

ይኹን’ምበር፡ ነበርትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ቦታን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ድሮን ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተቕትሉይዛረቡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ነፈርቲ/ ድሮን ሓዊሱ ብኸበድቲ ብረት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ሞትን ኣካላዊ መጉዳትን ኣስዒቡ’ዩ፤ ሰባት ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ክሃድሙ ተገዲዶም” ምባሉ ይዝከር።

እዚ ጸብጻብ፡ ኣብ ሰሜን ሸዋ ወረዳ በረኸት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ቈልዓ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ሓዊሱ “ ብዙሓት ሲቪላውያን” ተቐቲሎም ይብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ “ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ” ኢሰመኮ ይገልጽ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕቲታት ጉድኣት የብጽሑ ከም ዘለው ሓቢሩ ነይሩ።

ቢቢሲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋን ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ ብውሑድ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ “ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ኣምሓራ ይጭፍጭፍ ኣሎ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ይጭፍጭፍ ኣሎ"፡ እናተባህሉ ዝቐርቡ ክስታት ከም ዘለው ብምግላጽ፡ “ጨፍጪፍና ዲና ኣይጨፍጨፍናን ከይድኹም ካብቲ ህዝቢ ስምዑ። ንሕና ንህዝቢ ኣይንጭፍጭንን” ክብል ተኸላኺሉ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኢሰመኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ መራዊ፡ ሓይልታት መንግስቲ ጸጥታ “ንፋኖ ሓጊዝኩም” ብዝብል ብውሑድ 45 ሰባት “ካብ ሕጊ ወጻእ ቀቲሎም” ምባሉ ይዝከር።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ፡ ናፃ መርመራ ክግበርን ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ኣካላት ክሕተቱን ጸዊዖም’ዮም።