እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርጀንቲና ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2022 ኰይና
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዛጊት ካብ ዝተራእዩ ኣገረምቲ ናይ ፍጻመ ጸወታት ሓደ ዝዀነ ግጥም፡ ሃራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ዋንጫ ክትዓትር እንከላ፡ ሊዮነል መሲ ናይ ዋንጫ ዓለም ሕልሙ ኣዐዊቱ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ መንጐ ወዲ 35 ዓመት ሜሲን ፈረንሳዊ ኮኾብ ኪልያን ምባፐን ከቢድ ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ዘደንቕ ጸወታ፡ ክልቲአን ሃራውያን ጋንታታት ማዕረ ድሕሪ ምውጸአን ብፍጹም ቅላዕ ኣርጀንቲና 4 ን 2 ስዒራ።
ምባፐ ድሕሪ 1966 ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ ዋንጫ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታት (ሃትሪክ) ብሽሙ ብምምዝጋብ ታሪኽ ዝሰረሐ ኰይኑ፡ ፈረንሳ ግን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ሉሰይል ዝተኻደ ግጥም ካብ ስዕረት ኣይደሓነትን።
ኣብቲ ግጥም፡ ፈለማ ኣርጀንቲና ብ 2 ሽቶታትክትመርሕ እንከላ፡ መሲ ነታ ኣብ ዝነኣድ ናይ ኩዕሶ ታሪኹ ተሪፋቶ ዝነበረት ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ብቐሊሉ ከዐውታ እዩ ዝብል ግምት ፈጢሩ ነይሩ።
ኰይኑ ግን ምባፐ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንተስፋ ኣርጀንቲና ማይ ሓዊስሉ።
ኣብ መበል 23 ደቒቕ፡ ፈረንሳዊ ደምበለ ኣብ ልዕሊ ዲ ማርያ ብዝፈጸሞ ጌጋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ፍጹም ቅላዕ ረኺባ፤ መሲ ድማ ፈላመይቲ ሸቶ ኣቝጺሩ። በዚ መሰረት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓደ ውድድር፡ ኣብ ናይ ምድብ፡ ዙር 16፡ ፍርቂ ፍጻመን ፍጻመን ጸወታታት ሽቶ ዘቝጸረ እንኮ ተጻዋታይ ኰይኑ።
መሲ ኣብታ ድሕሪ 13 ደቓይቕ ዲ ማርያ ዘቝጸራ ሽቶ እውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
እቲ ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሳልሰይቲ ሸቶ ኣቝጺሩ ንሃገሩ ናብ መሪሕነት መሊስዋ'ኳ እንተነበረ እቲ ጸወታ ክዛዘም ክልተ ደቒቓ ክተርፎ እንከሎ ምባፐ ሳልሰይቲ ሸቶ ብምቝጻር እቲ ጸወታ ናብ ፍጹም ቅላዕ ክቕጽል ገይሩ።
ኣብ መጀመርታ ፍጹም ቅላዕ ክልተ ጽቡቓት ሸቶታትት እኳ ተመዝጊበን እንተነበራ፡ ሓላዊ ልዳት ኣርጀንቲናን ኣስቶን ቪላን ዝዀነ ኢሚልያኖ ማርቲነዝ ካብ ፈረንሳዊ ኪንግሰለይ ኮማን ዝተቐለዐት ኩዕሶ ኣድሒኑ፤ ካልእ ፈረንሳዊ ትቾመኒ እውን ስሒቱ።
ምባፐ ሕልሚ ሊዮኔል መሲ ከበርዕን ኣብ ጫፍ በጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይሰመረሉን።
ምባፐ፡ ዓወት ዘይቀንዖ ሰራሕ ታሪኽ
ምባፐ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1966 እንግሊዝ ንምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸዋታ ዋንጫ ዓለም፡ ሰር ጂዮፍ ሀርስት ዘቝጸረን ሰለስተ ሸቶታት፡ ሃትሪክ ብምስራሕ ካልኣይ ተጻዋታይ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ። ኰይኑ ግን በቲ ዘጋጠሞም ስዕረት እቲ ወዲ 23 ዓመት ኣዝዩ ሓዚኑ ተራእዩ።
ዋላ'ኳ ፈረንሳውያን፡ ነቲ ብራዚልን ኢጣልያን ዝሓዛኦ ንተኸታታሊ ክልተ ግዜ ዋንጫ ናይ ምውሳድ ታሪኽ ንምክፋል ድልየት እንተነበሮም፡ ምባፐ ን 80 ደቓይቕ ልክዕ ከም ካልኦት ደቂ ጋንታኡ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣይገበረን ነይሩ፡፡
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዲድየር ደሻምፕስ እውን ኣብ ፈላማይ እብረ ጸወታ ተጻዋትቲ ክቕይር ተገዲዱ እዩ።
ኰይኑ ከኣ ኮኾብ ኮይኑ ዘምሰየ ምባፐ፡ ብዘደንቕ ንከይዲ እቲ ጸወታ ቀይርዎ።