'ሕልምን ተስፋን ኣርጀንቲና ካብ መሲ እዩ' - ፈረንሳ ኸ?

ህንጡያት ፍሱሃትን ዘለዉ ደገፍቲ ፈረንሳን ኣርጀንቲናን ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ተዘካሪ መምኢ ክዀነሎም እናተተስፈዉ ሰዓታት ይቘጽሩ’ለዉ።

ታሪኽ ንኽልቲኡ ወገን ብማዕረ ክጸሓፍ ተዳልዩ’ሎ። ፈረንሳ ኣሰር ኢጣልያን ብራዚልን ስዒባ፡ ኣብዚ ናይ 92 ዓመታት ታሪኽ እዛ ዋንጫ ኣከታቲላ ዓወታ ዝዓቀበት ሳልሰይቲ ጋንታ ክትከውን እዩ ዕላማኣ።

እቲ ኣብ 1998 ሓለቓ ጋንታኣ ዝነበረ ኣሰልጣኒኣ ዲድየር ደሻምፕ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1938 ኢጣልያዊ ቪቶርዮ ፖዞ ዘመዝገቦ - ተኸታታሊ ዋንጫታት ዝዓተረ ኣሰልጣኒ ክኸውን'ውን ይጽዕር።

ተስፋን ሕልምን ኣርጀንቲና ኣብ እንግድዓ ሊዮነል መሲ እዩ ዘሎ። እዚ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ናይ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ተጻዋታይ ምዃኑ ዘየማትእ ኰይኑ፡ ንሃገሩ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝስለፈሉ ዘሎ እዋን፡ ዋንጫ ዓለምን ወርቂ መዳልያ ዓቲሩ ፍሉይ ዘውዲ ክደፍእ ይትስፎ።

ሃዋሁ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ኣብ ቦነስ ኣይረስ

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ዘሎ ድባብ፡ መጻኢ ሓጐስ እታ ሃገርና ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝምስረት ዘሎ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓካ።

ኣርጀንቲና ኣብ ዓሚቝ ቍጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሃገር እያ፤ ናህሪ ዋጋታት ንብረት፡ ሚልዮናታት ዜጋታት እታ ሃገር ንነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብቓልሲ ከሕልፍዋ ኣገዲድዎም ኣሎ። እንተዀነ በቲ ሊዮነል መሲን ጋንታኦም ኣርጀንቲናን ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ክኸድዎን ከመዝግብዎን ዝጸንሑ ጽቡቕ ውጽኢት፡ ዝጸንሖም ስክፍታታት ደው ኣቢሎም ናብኡ ጥራይ ዘድሃቡ ይመስሉ።

ምሉእ ኣቓልቦኦም ናብ መሲን ናብታ ዋንጫን ጥራይ እዩ ኰይኑ ዘሎ።

ወናኒ ባር ኣርጀንቲናዊ ልዊስ ሳርኒ፡ "እዛ ሃገር ኣዝያ [ብቝጠባ] ተሃሪማ እያ፤ እታ ዋንጫ ግን ትጥርንፈና ኣላ - ከምዚ ዝበለ ስብእና እዩ ዘለና፣ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ - ኣብ ኵሉ ቦታታት ድማ ተፈታዊ" ይብል።

ክንዮ መሲ ግን መላእ ጋንታ ሃገራ ንምሕባን እያ ትጽዕር።

"ኵሉ ኣርጀንቲናዊ ንነብሱ ከም ኣሰልጣኒ እዩ ዝቘጽራ፣ ነናቱ ርእይቶ እዩ ዝህብ - ዝካታዕ፣ ኣብታ እንጽንብለላ ህሞት ግን ሓቢርና ንነብዕ ንተሓቛቘፍ ድማ!"

ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ግን ከኣ ንቕንያት በዓል ተመሊሱ ንቤተሰቡ ክበጽሕ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዘሎ ኣርጀንቲናዊ መንእሰይ ማርቲን ሮሃስ እዚ ጸወታ ፍጻመ ብዙሕ ትርጕም ይህቦ።

"ሕልመይ'ዩ! ኣብ 90ታት ካብ ዝውለድ ጀሚረ ኣርጀንቲና ሻምፕዮን ዓለም ክትከውን ኣይረኣኹን" ይብል። ብርግጽ ንመሲ ናይ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኡ እዩ፣ ዓባይን ናይ መወዳእታን ዕድል፡” ይብል።

“ነታ ጽብቕቲ ሃገር ኣርጀንቲና ድማ ካብዚ ዘለዋ ከቢድ ሽግር ክትሕበነሉ እትኽእል ዕድል እዩ።”

ፓሪስ፡ ሰዓታት ኣብ ዝቐርበሉ ፍናንን ምትእምማንን ይብርኽ

ኣብዚ፡ ሰዓታት ግጥም ፍጻመ እናቐረበ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፓሪስ ምትእምማንን ፍናንን ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ይብርኽ።

እዚ ግጥም፡ ፈረንሳ ንራብዓይ ግዜ ንፍጻመ ዝቐረበትሉ ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ካብቶም ንደገፍቲ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ዘሐጕሱ ወይ ፍናን ሂቦም ዘለዉ ሓደ፡ ስታትስቲካዊ መርኣዪታት ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ 10 ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ጋንታታት ደቡብ ኣሜሪካ ገጢማ ከምዘይተሳዕረት ዘርእዩ ምዃኖም እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ዝተሳዕረትሉ፡ ኣብ 1978 - ብኣርጀንቲና እዩ ነይሩ። 

እዚ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኪልያን ምባፐ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ከም ኣውሮጳዊ "ምዕቡል" ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ኣብኡ "ትሑት" ዝደረጃኡ ውድድር'ዩ ዝካየድ፡ ክብል ዝሃቦ ፍሉጥ ርእይቶ ዘዘኻኽር እዩ።

ንሱ፡ ነታ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ደቡብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ብራዚል፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ 2002፣ ኣርጀንቲና ድማ ድሕሪ 1986 ከምዘይተዓወተት ከም ኣብነት ጠቒሱ ነይሩ።

ከምኡ'ውን ነቲ ንመወዳእታ ግዜ ፈረንሳን ኣርጀንቲናን - ኣብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ሩስያ 2018 - ዝተራኸባሉ፡ ፈረንሳ 4ብ3 ዝተዓወተትሉን ባዕሉ ምባፐ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበሉን ጸወታ'ውን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

እዚኦምን ካልኦትን ፈረንሳ ርእሰ ተኣማንነት ንኽስምዓ ደሪኾም ዘለዉ ይመስሉ። ብኣንጻሩ ብመንጽር ኣርጀንቲና’ውን ሕነኦም ዝፈድዩሉ ዝያዳ ምኽንያታት ከም ዘሎ ይግመት። 

ኣብዚ ናይ ፍጻመ ግጥም፡ መሲን ምባፐን ሐሓሙሽተ ሸቶታት ኣቝጺሮም፣ ኦሊቨር ጅሩድ [ፈረንሳ] ጁሊያን ኣልቫረዝን [ኣርጀንቲና] ኸኣ ነፍስወከፎም ኣረርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡ ንብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ንእትወሃብ ወርቃዊት ጫማ'ውን ክወዳደሩ እዮም።

"ሓደ ሓደ ምልክታት ሰዓል መሳሊ ነገራት'ኳ እንተሎ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ተጻወትና ንምሕላውን፡ እቲ ምልክታት ከይዝርጋሕን ልዑል ጥንቃቐ ንገብር ኣለና" ብምባል ስክፍታኡ ዝገለጸ ኣሰልጣኒ ፈረንሳ ደሻምፕ፡ ብዙሓት ሰባት ገለ ፈረንሳውያን እንከይተረፈ፡ ሊዮነል መሲ ንዋንጫ ዓለም ከም ዝዕወተላ ግምት ኣሕዲሮም ኣለው፤ ንሕና ግን ነዚ ተጻዋታይ ደው ንምባል ዝከኣለና ክንገብር ኢና ኢሉ'ሎ።

ፈረንሳውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጋንታኦም ናብዚ ደረጃ'ዚ ክትበጽሕ ምርኡይ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዘሎ ኪልያን ምባፐ ልዑል እምነትን ትጽቢትን ኣሕዲሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ምስ በዓልቲ ቤቱ ብሪጂት ናብ ቐጠር ነቒሉ ኣሎ።

ማክሮን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዝዳነዩ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዀነት ዳኛ ስቴፋኒ ፍራፖርትን ካልኦት ሰብመዚ ስፖርትን ከሰንይዎ እዮም።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ እዩ ናብ ቐጠር ዝገይሽ ዘሎ። ኣብ ምጅማር ውድድር ዝኣተዎ መብጽዓ ንምፍጻም፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣንጻር ሞሮኮ ንዝተኻየደ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብኣካል ተዓዚብዎ እዩ።