ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምቍራጹ ምድንጋርን ስንባደን ፈጢሩ

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ገለ ክፋል ፈረንሳን ብዘጋጠመ ዓቢይ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ብምስኣኖም ጸገማት ኣስዒቡ።

እቲ ምቍራጽ ዘጋጠመ፡ ንፈረንሳን ስጳኛን ኣብ ዘተኣሳስር መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዘጓነፈ ጸገም ምዃኑ ንኡንዱስትሪ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኤውሮጳ ዝውክል ትካል ንግዲ ገሊጹ።

ክርስትያን ሩቢ፡ ካብ ዩሮኤለክትሪክ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ስጳኛ ካብቲ ዓቢይ መስመር ኤውሮጳ ተቛሪጹ ማለት'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዓቢይ ምዝባዕ ክፈጥር ተራእዩ፤ ጕዕዞ ባቡራት ተሰሪዙ፡ መብራህቲ ትራፊክ ደው ብምባሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምድንጓያት ኣስዒቡን።

ክሳዕ ትማሊ ምሸት፡ 11 ባቡራት ደው ኢለን ከም ዘለዋ ምኒስተር መጓዓዝያ ስጳኛ ኦስካር ፑኤንተ ገሊጹ።

ድኳናት፡ ገዛውትን ኣብያተ መግብን ክጽልምታ ተገዲደን። ገለ ሰባት ኣብ ውሽጢ መዳይይቦ (ሊፍት) ተዓጽዮም። መርበብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ስጳኛ እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናብ ንቡር ንምምላስ ሓያሎ ሰዓታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ክሳብ ትማሊ ምሸት፡ ኣብ መላእ ስጳኛ 50% ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝተመልሰ ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ክገልጽ ከሎ፡ ፖርቱጋላዊ ኣገልግሎት ጸዓት ሬን ድማ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናብ 750,000 ዓማዊል ከም ዝተመልሰ ሓቢሩ።

ይዅን'ምበር፡ ድንጋገ ህጹጽ ኣዋጅ ገና ኣብ ቦታኡ ጸኒሑ ኣሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ጠንቂ ናይቲ ምቍራጽ ይጽናዕ ከም ዘሎን ሰባት ግምታት ካብ ምሃብ ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳማይ ምኒስተር ፖርቱጋል ሉዊስ ሞንተነግሮ ድማ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዝተፈጸመ "ዝዀነ ምልክት" ከም ዘየሎ ገሊጹ።

እቲ ምቁራጽ መዓስ ጀሚሩ?

ምቍራጽ ትማሊ ሰኑይ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ (10፡00 GMT) ዝጀመረ ኰይኑ፡ ጽልዋኡ ድማ ብቕልጡፍ ዓሪጉ።

ደረጃ ናይቲ ምቍራጽ እናነጸረ ብዝኸደ፡ ነበርቲ ማድሪድ ኣብ ቦታኦም ክጸንሑ፡ ካብ ጽርግያታት ክእለዩን 'ኣዝዩ ህጹጽ' እንተ ዘይኰይኑ ናብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከይድውሉን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ሓደ ስጳኛዊ ኦፕረይተር፡ ነቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምላስ ክሳብ 10 ሰዓታት ክወስድ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ናይ ፖርቱጋል ትካል ሓይሊ ኤለክትሪክ ሬን ድማ ናብ ምሉእ ሓይሊ ንምምላስ ክሳዕ ሓደ ሰሙን ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ብካርድ ክፍሊታት ምፍጻም በቲ ምቍራጽ ስለ ዝተጸልወ፡ ሰባት ኣብ ነዊሕ መስመር ክስርዑ ከም ዝተገደዱን ገለ ትካላት መዐደሊ ነዳዲ ከም ዝተዓጽዋን ተገሊጹ።

እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣገልግሎቱ ምስ ኣቋረጸ፡ ኣብ ሜትሮ ማድሪድ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ኣብ ምድንጋርን ስንባደን ወዲቖም።

ሳራ ጆቮቪች ኣብ ሓደ መደበር ሜትሮ ከላ መብራህቲ ምስ ጠፍአ፡ ኣብቲ ጸልማት፡ "ዓበድበድን ስንባደን" ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሞባይላት ስራሐን ደው ኣቢለን ብምንባረን፡ ሓበሬታ ዝነበሮ ሰብ ከም ዘይነበረ ትዛረብ።

ካብ መደበር ሜትሮ ወጺኣ ናብ ጐደናታት ምስ ተጸንበረት፡ ጽርግያታት ብብዝሒ ትራፊክ ተዓጽዮም ጸንሑዋ፣ "ዝተረድኦ ሰብ ኣይነበረን፣ ትካላት ንግዲ ተዓጽየን ኣውቶቡሳት መሊአን ነይረን፡" ትብል።

ኣብ ዞባ ማድሪድ ኣብ ውሽጢ መደያይቦ (ሊፍት) ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰባት ናጻ ንምውጻእ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ናብ 286 ህንጻታት ከም ዝተጸውዑ ሓላፊት መንግስቲ እቲ ዞባ ኢዛቤል ዲያዝ ኣዩሶ ንመደበር ተለቪዥን ኣንተና 3 ገሊጻ።

ማዕከናት ዜና ስጳኛ፡ ገለ ሆስፒታላት ዕለታዊ ስርሐን ደው ኣቢለን ናብ ትግባረ ህጹጽ መደባት ከም ዝኣተዋ ሓቢረን።

ድሕሪ ናይ ሓያሎ ሰዓታት ምቍራጽን ጸልማትን፡ ነበርቲ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር፡ መብራህቲ ዳግማይ ከም ዝወልዐ ሓቢሮም።

ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ "ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሰሜን፡ ደቡብን ምዕራብን ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያ፡" ይምለስ ከም ዝነበረ እቲ ስጳኛዊ ኦፕረይተር ገሊጹ።

ሰበስልጣን ስጳኛን ፖርቱጋልን ትማሊ ምሸት ገና ጠንቂ ናይቲ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ይጽዕሩ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ "ዝዀነ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት የሎን፡" ክብል ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ ገሊጹ።

ከንቲባ ርእሰ ከተማ ስጳኛ ጆሴ ሉዊስ ማርቲነዝ-ኣልመይዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ነበርቲ፡ "ምንቅስቓሶም ኣዝዮም ክድርቱ፣ እንተ ተኻኢሉ ድማ ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ። ኵሉ ጽርግያታት ክፉት ክኸውን ንደሊ፡" ኢሉ።

ሰባት፡ "ብሓቂ ህጹጽ" እንተዀይኑ ጥራሕ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ክድውሉ ከም ዘለዎም'ውን ሓቢሩ።

ህጹጽ ጻውዒት እንተ ዘይተመሊሱ፡ ብኣካል ናብ ፖሊስን መደበራት መጥፋእቲ ሓዊን ክኸዱ ሓበሬታ ሂቡ።

እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ?

መመንጨዊ ሓይሊ ኑክልየስ እታ ሃገር፡ እቲ ጸልማት ምስ ኣጋጠመ ብኣውቶማቲክ ደው ከም ዝበለን፡ ስጳኛዊ ኩባንያ ነዳዲ ሞቨ ድማ ኣብ መጻረዪ ነዳዲኡ ስርሑ ከም ዘቋረጸን ገሊጹ።

ሰባት ቀልጢፍካ ክትበጽሖም ኣብ ዘጸግሙ ከባቢታት ኣብ ባቡራት ክዕጸዉ ከም ዝተገደዱ ምኒስተር መጓዓዝያ ፑኤንተ ገሊጹ።

ጋብሪኤላ ቻቨዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሰቪያን ማድሪድን ብባቡር እናተጓዕዘት ከላ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ ምስ ጠፍአ፡ ኣየር ዘእቱን ዘውጽእን መሳርሒታት ከምኡ'ውን ዓይኒ-ምድሪ ስርሖም ደው ከም ዘበሉ ትዛረብ።

ንሳ ትማሊ ሰኑይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ንዅሉ ሰብ ካብ ባቡር ኣውሪዶምዎ እዮም፣ ክሳዕ መዓስ ክንጽበ ከም ዘለና ግን ግምት የብልና፡" ኢላ።

በረራታት እውን ተጸልዩ፣ ኣብ ገለ መዓርፎ ነፈርቲ ምድንጓይን ምስራዝን ተራእዩ። ኢዚጀት (EasyJet) ኣብ ሊዝበንን ማድሪድን ኣብ ስርሑ ገለ ምዝንባዓት የጋጥሞ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ኵነታት "ዘይርጉእ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዓማዊል ዝወሃብ ምኽሪ ክከታተሉ ሓቢሩ።

ክሳብ ትማሊ ምሸት፡ ኩባንያ ዳታ ኣቨይሽን ሲርየም፡ ካብ ፖርቱጋል ዝብገሳ 96 በረራታት - ካብ ስጳኛ ድማ 45 - ከም ዝተሰረዘ ገሊጹ።

ትካላት ንግዲ ብኸቢድ ተሃስየን ኣለዋ። ኣብ ስጳኛ ዝርከባ ገለ ጨናፍር ኢኬያ ንውሕስነት ናብ ዝተዳለዋ ጀነረይተራት ብምቕያር፡ ዓማዊል ናብ ድኳናተን ከይኣትዉ ደው ኣቢለንኦ።

ኣዳለውቲ ማድሪድ ኦፐን ቴኒስ ናይ ትማሊ ሰኑይ ውድድር ክስረዙ ወሲኖም።

ኣብ ካልእ ቦታታት ኣንዶራን ገለ ክፋል ፈረንሳን እውን ተሃስዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሴታት ባሌሪክን ካናሪን ግን ኣይተተንከፋን።