ምንጪ ጸዓት ዝኸውን ዘሎ ዒባ ከብቲ

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዒባ ከብቲ፡ ምስ ነቐሰ ናብ ኩቦ ተቐዪሩ፡ ከም ዕንጸይቲ ኰይኑ ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራን ትግራይን፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ምፍራይ ፈተነታት ይካየድ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ - ገረሚ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ዕዉት ምዃኑ ዝተገልጸ ፈተነ መደብ ባዮ ጋዝ ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን ነይረን።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከም ክልላት ኣምሓራን ደቡብን ካልኦትን ተመሳሰሊ ፈተነታት ከም ዘሎ ይግለጽ እዩ።

እኢ ድማ ካብ ዒባ ከብቲ ባዮጋዝ ንምፍራይ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዓቕሚ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ዒባ ክብቲ ምእካብ፡ ብቐንዱ ነቲ ቦታ ጽፉፍ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ኣይኰነን።

እኳ ደኣ ኣብ ክንድኡስ ‘ባዮሚቴን’ ንምስራሕ እዩ ዘውዕል። ካብኡ ዘምንጩ 'ባዮጋዝ' ድማ ካብቶም 'ንጹህን ተሓዳስን' ተባሂሎም ዝነኣዱ ምንጪታት ጸዓት ሓደ እዩ።

ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት እውን እዚ ምንጪ ጸዓት'ዚ ይስርሓሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ህንዲ፡ ሩክሚኒ ባቡራኦ ኩምባር መዓልታዊ ብጥራሕ ኣእዳዋ ኣስታት 50 ኪሎ ዒባ ከብቲ ትእክብ።

ንሳ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ህንዲ ግዝኣት ማሃራሽትራ ኣብ እትርከብ ቁሸት ኣሽራም ዝንቀሳቐስ ሓደ መንፈሳዊ ጕጅለ- ኣሽራም እያ።

"ነዳዲ ኣዝዩ ክቡር ኰይኑ ኣሎ። ባዮጋዝ ጽቡቕ ኣማራጺ እዩ። እቶም እንከሎ ጠለባት ድማ፡ እኹል ቦታን ላሕምን ምርካብ እዩ ነይሩ። ክልቲኡ ኣብ ኢድና ኣሎ" ትብል ሚስ ህንዳዊት ኩምባር።

እቲ ዒባ ምስ ተኣከበ ምስ ማይ ተሓዋዊሱ ኣብ ባዮሪኣክተር [ጉድጓድ] ይውህለል እሞ፡ ኣብኡ ድማ ንክሽነ ናይቲ ‘ኣሽራም’ እኹል ጸዓት የፍሪ።

እዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተጀመረ ዀይኑ፡ ኩምባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እትገዝኦ ዝነበረት 20 ሊትሮ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ በዚ ምንጪ ተኪኣቶ ኣላ።

"ኣብ መብዛሕትኡ ገጠራት ህንዲ፡ ሕርሻ እቲ ቀንዲ ሞያ'ዩ። ስለዚ፡ ዒባ ኣላሕም ምትንካፍ ዓቢ ነገር ኣይኰነን" ትብል።

ገለ ካብተን ኣጋይሻ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ንእሽቶ ኣይፈተወኦን ነይረን። ንሳ ግን ኣይግድሳን እዩ።

"ካብ ከተማ ምሳና ክሓድራ ዝመጻ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጨና ኣይፈተወኦን ነይረን፡ ወይ ድማ ዒባ ከይትነክፋ ይፈርሓ ነይረን። ንሕና ግን ኣይነገድደንን ኢና። ኣብ መወዳእታ ግን ለሚደንኦ ክሕግዛና ጀሚረን" ትብል።

ከብቲ ህንዲ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ቶን ዒባ ከምዘፍርያ ካብ መንግስቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።

መንግስቲ ካብቲ ዒባ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ጐሓፍ ሕርሻ ዝያዳ ናብ ሚቴን ክቕየር ይደሊ።

ኣትክልቲ ባዮጋዝ ነዚ ዝገብሩ ብኣናሮቢክ ምሕቃቕ መግቢ ዝፍለጥ መስርሕ ተጠቒሞም እዮም፣ እዚ መስርሕ እዚ ድማ ጎሓፍ ናብ ኣየር ዘይኣትዎ ታንክታት ምውህላል ዘጠቓልል ኰይኑ፣ ኣብኡ ድማ ተፈጥሮኣዊ ባክተርያ ነቲ ኦርጋኒክ ነገራት የሕቕቕዎ።

እቲ መስርሕ ብቐንዱ ሚቴን (ከባቢ 60 ሚእታዊት)ን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ዝተሓዋወሰ ጋዛት የፍሪ።

ኣብዚ እዋን፡ ህንዲ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ዘድልያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብ ወጻኢ ትኣቱ ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝውሕዝ ገንዘብ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክውዕል ይመርጽ።

ቍጠባ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ ጠለብ ጸዓት ህንዲ ክውስኽ ግድን እዩ።

ንኢንዱስትሪ ባዮጋዝ ንምንቕቓሕ፡ መንግስቲ ካብ 2025 ጀሚሩ፡ ኣቕረብቲ ጋዝ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምስ 1 ሚእታዊት ባዮሚቴን ክሕውስ ኣዚዙ፡ ክሳብ 2028 ናብ 5 ሚእታዊ ክዓቢ ውጥን ሒዙ አሎ።

ባዮጋዝ፡ ካብ ወጻኢ ዝዓደግ ጋዝ ካብ ምንካይ ሓሊፉ፡ ንብከላ ኣየር እውን ዘትርፍ እዩ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ተረፈ-ምህርቲ [ጉርዲ] ንርእሱ ከም ድዂዒ ኰይኑ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል እዩ።

ብደገፍ መንግስቲ ክልልን ፈደራልን ዓበይቲ ባዮሪኣክተራት ይህነጹ ኣለው።

ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ንግዳዊ ትካላት ዝፈሪ ጋዝ ተዳልዩ ስለዘሎ፡ ኣብ ተሽከርከርቲ ንምጉዕዓዝ ወይ ከም ነዳዲ ንምጥቃም ዝቐለለ ይገብሮ።

ኣብ ኤስያ ዝዓበየ ትካል ምድላው ባዮጋዝ (CBG) ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ፑንጃብ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ መዓልታዊ 300 ቶን ሓሰር ጣፍ ናብ 33 ቶን ባዮጋዝ ክቕይር ይኽእል።

ራጂቭ ኩማር፡ ሓረስቶት ንምንታይ ነቲ ዒባ ከም ዝደለየ ዘይተረድእዎ መዓልታት ከምዝነበረ ይዝክር።

"ዒባ ኣላሕም ክሸጡልና ከተእምኖም ከቢድ እዩ ነይሩ። መጀመርታ ብጥርጣረ ይጥምቱና ነይሮም። ሕጂ ግን ተወሳኺ እቶት ፈጢሩሎም ስለዘሎ ሕጉሳት እዮም" ይብል።

እቲ ስራሕ ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ግን ዓቢ ረብሓ ኣለዎ።