ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ሚያንማር፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 1600 በፂሑ፡ ሕፅረት መድሃኒት ኣጋጢሙ

ብሰንኪ እቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 1600 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 3400 ሰባት ድማ ጉድኣት በፂሑዎም ከምዘሎ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሚያንማር ይሕብር።

መብዛሕትኡ ሞት ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ሚያንማር ማንዳላይ እዩ ኣጋጢሙ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ይቕጽል ዘሎ ዀይኑ፡ ኣስታት 139 ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን፤ ሰፊሕ ሕፅረት መድሃኒት ከምዘጋጠመ ሕቡራት ሃገራት ይገልፅ።

"ብኣእዳውና ሰባት ኵዒትና ነውጽእ ኣለና" ክብል ሓደ ጉጅለ ምድሓን ህይወት ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ምንቅጥቃጥ 7.7 ከምኡ'ውን 6.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንባሩ ጅኦሎጂያዊ መጽናዕቲ ኣመሪካ የመልክት።

እቲ ብፍላይ ኣብ ዓባይ ከተማ ማንዳላይ፡ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ክሳብ ጐራብቲ ሃገራት ቻይናን ታይላንድ ዝተሰምዐ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ታይላንድ ሰፊሕ ዕንወት ኣስዒቡ'ሎ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ ከይተረፈ ከምዝተሰምዐ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ቀዳማይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዓርቢ ከባቢ ሰዓት 9፡20 ብኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ካብ ከተማ ሳጋይንግ 16 ኪሎሜትር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 10 ኪሎሜተር ዕምቈት ዘለዎ ከም ዘጋጠመ፡ እቲ ጅኦሎጂካዊ መጽናዕቲ ኣመሪካ የመልክት።

እቲ ሓደጋ ምእንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝጅምር፡ 40 ሰዓታት ዝመልኦ ዀይኑ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሕታት፡ ናብ ዝተፈላለዩ ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝዀኑ ከባብታት ረድኤት ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ኰይኑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ወኪል ሕቡራት ሃገራትን ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ሚያንማር ማርኮሉይጂ ኮርሲ፡ ክሳብ 20 ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሃስዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሚቱ።

መንገስቲ እታ ሃገር ነቲ ኩነታት ንምግጣም ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ'ሎ።

ኣብ ጐረቤት ሃገር ታይላንድ'ውን፡ ኣብ ርእሰከተማ ባንኮክ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝነበረ ነዊሕ ፈሪሱ'ሎ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሰፍሳፊት (ክረይን) ዝነበሮ ብዙሕ ዝደርቡ ህንጻ ሃደሽዶሽ ኢሉ ክፈርስ እንከሎ፡ ሰባት ድማ እናኣእወዩን እናጐየዩን የርኢ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ 81 ሰራሕተኛታት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ቀጺሉ፡ 6.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ዝጸንሑ ሰባት ምናልባት ካልእ ዝመጽእ ከይህሉ ኣብ ግዳም ክጸንሑ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም።

ኣብ ባንኮክ እትነብር ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቡይ ቱ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ገዛኣ ኰይና ምግቢ ትኽሽን ከም ዝነበረት ንመደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ገሊጻ።

"ኣዝዩ ስግኣት ሓዲሩኒ፣ እምብዛ ሰንቢደ፡" ትብል። "እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፣ ምኽንያቱ፡ ባንኮክ ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዘየጓንፋ፡ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዝገበረ ይመስልኒ።"

"ኣብ ክፍለይ ከለኹ እቲ መናድቕ ክጭደድ (ክስንጠቕ)፡ ካብ መሐንበሲ ማይ [ካብ ቴሮሶ] ክፈስስን ሰባት ክጭድሩን ርእየ።"

ብድሕሪኡ፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሓቢራ ብጕያ ናብ ጽርግያ ወጺኣ።

"ሽዑ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክንርዳእ ኢና ንፍትን ነይርና፡" ትብል።

"ኣብ ባንኮክ ዝርከቡ ህንጻታት ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ግምት ኣእትዮም ዝተሃንጹ ስለ ዘይኰኑ፡ ዓቢይ ዕንወት ክወርድ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"

ካብ ምያንማር ብዕብየታ ካልኣይቲ እትስራዕ ማንዳላይ ኣብ ጥቓ'ቲ ሕመረት ናይቲ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ እያ ትርከብ። ዝበዝሑ ኣባይቲ ናይቲ ከባቢ ንውሓት ዘይብሉን ስሕው ህዝቢ ስለ ዝነብሮን እቲ ሳዕቤን ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ንገለ ክፋል ህንጻታት ንጉሳዊ ቤተመንግስቲ ከም ዝሃሰየ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሑ ቪድዮታትን ኣሳእልን ከም ዘርኢ፡ ኣሰውሸይትድ ፕረስ ይገልጽ።

ኣብ ዞባ ሳጋይንግ ካብ ማንዳላይ ንደቡባዊ ምዕራብ ቍሩብ ርሒቑ ዝርከብ፡ 90 ዓመታት ዝጸንሐ ድልድል ፈሪሱ። ብተወሳኺ፡ ንማንዳላይ ምስታ ዝዓበየት ከተማ ያንጎን ዘራኽብ ጽርግያ'ውን ተሃስዩ ኣሎ።

እቶም ነበርቲ ብቕልጡፍ ካብ ገዛኦም ናብ ግዳም ከም ዝወጽኡ ይሕብሩ። ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ወይ ሞት ግን ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ጸብጻብ የሎን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ናይፒታው፡ እቲ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ንሃይማኖታዊ መቕደሳት ሃስዩ፡ ገለ ክፋላቱ ናብ መሬት ክወድቕን ኣብ ልዕሊ ገለ ኣባይቲ ክዓልብን ተራእዩ።

ኣብ ምያንማር፡ ኣብ መንጎ 1930ን 1956ን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ብማእከል እታ ሃገር ዝሓልፍ 'ሳጋይንግ ፋውልት' ሽዱሽተ ሳዕ 7.0 ዝዓቐኑ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንጅኦሎጂያዊ መጽናዕቲ ኣመሪካ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ታይላን ኣብቲ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ዝርኣየሉ ዞባ እኳ እንተ ዘየላ፡ ዳርጋ ኵሉ ዝረኽባ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ግን ኣብ ጐረቤታ ምያንማር ዝሃርም እዩ።

ቀዳማይቲ ምኒስተር ታይላንድ ፓይቶንግታርን ሺናዋትራ፡ ጽልዋ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንምግምጋም ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዓ ኣላ።