እስራኤል፡ ኣብ ዮርሳሌም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከተማ ዮርሳሌም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ሰብሞያ ጥዕና ሓቢሮም።
ፖሊስ ከምዝገለጾ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት'ዩ ተፈጺሙ።
ሰብመዚ ጸጥታ ከምዝሓበርዎ፡ እቶም "ኣሸበርቲ" ብመኪና ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ኣውቶቡስ ደው ትብለሉ ቀራና መንገዲ ድሕሪ ምብጽሖም ተዂሲ ከፊቶም።
ሓደ ወተሃደርን ሲቪልን ብዝሃብዎ ግብረመልሲ እቶም ዕጡቓት "ካብ ስራሕ ወጻኢ" ከምዝኾኑ'ውን መግለጺ ፖሊስ ይጠቅስ።
እቶም ግዳያት፡ ኣብ 30ታት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰለስተ ደቂተባዕትዮ፡ ክልተ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከቡ ጓልኣንስተይቲን ወዲተባዕታይን ዝርከብዎም'ዮም። ካልኦት ሸሞንተ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሰባት'ውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ዋላ'ኳ ጉጅለ ሓማስ በቲ መጥቃእቲ ከምዝተሓጎሰ እንተገለጸ፡ ዛጊት ብቐጥታ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።
ናብ ቦታ ፍጻመ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል "ኣብ ሓያሎ ግንባራት ኣብ ኲናት ኣንጻር ሽበራ" ከምእትርከብ ተዛሪቡ።
"እቶም ኣሸበርቲ ዝመጹለን ቁሸታት ንምኽባብን ንምህዳድን [ስርሒታት] ድሮ ተጀሚሩ'ሎ" ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ "ሽበራ ንምግታእን ናይ ምክልኻል ጻዕርታት ንምሕያልን፡ ካብ ከተማ ራማላህ ወጻኢ ንዝርከባ ሓያለ ከባቢታት ኣብ ከበባ ከእትወን ከምዝጀመረ" ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ሎሚ ሰኑይ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ሰራሕተኛታት ናብ ስራሖም ንምኻድ ኣውቶቡሳት ኣብ ዝጸበይሉ ዝነበሩ ጽዑቕ ሰዓት'ዩ ተፈጺሙ።
ኣባላት ጸጥታ ኣብ ቦታ ፍጻመ ብረታት፡ ጠያይትን ካራን ከምዝረኸቡ ኣፈኛ ፖሊስ ሌተናንት ዲን ኤልስዳን ተዛሪቡ።
"ነዚ መጥቃዕቲ ዝወጠኑ፡ ዝደገፉ ወይ ፍልጠት ዘለዎም ንምልላይ ንሰርሕ ኣለና"።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ ካብ መኪና ዝተቐድሐ ቪድዮ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ መጸበዪ ኣውቶቡስ ክሃድሙን ዕጡቓት ሲቪላውያን ናብ ቦታ ፍጻመ ክበጽሑን ይራኣዩ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቦታ ቀልጢፉ ዝበጽሐ ኣባል ህጹጽ ሕክምናዊ ደገፍ ዝኾነ ዳኒኤል ካትዘንስቴን ንሓደ ዝቖሰለ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ከምዝሓከመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"መሓመድ እዩ ስሙ . . . ንኽሕግዝ'ዩ ተቐዳዲሙ። እዚ ኣብ መንጎ እስላምን ኣይሁዳዊነትን ዝካየድ ውግእ ኣይኮነን፣ እዚ ኣብ መንጎ ጉድኣት ከውርዱ ዝደልዩን ብህይወት ክነብሩ ዝደልዩ ሰባትን ዝካየድ ውግእ'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ " ንጹሃት ዜጋታት፡ ቆልዑን ዓበይትን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ብኢድ ኩፉኣት ኣሸበርቲ ብጭካነ ተቐቲሎምን ቆሲሎምን እዮም" ክብል ኮኒኑ።
"ንፍጹም ክፍኣት ኢና ንቃለስ ዘለና" ክብል'ውን ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ጆሃን ዋድፉልን እውን ነቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኮኒኖም ኣለዉ።
ምስ እስራኤል ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ጉጅለ ሓማስ ግን "ብክልተ ተጋደልቲ ተቓውሞ ፍልስጤም ዝተፈጸመ ጅግንነታዊን ፍሉይን ስርሒት" ብምባል ወዲሱዎ።
እስራኤል ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽራ ንምእታው ደምሳሲ መጥቃዕቲ ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።
ብኻልእ ወገን፡ ትማሊ ሰንበት፡ ልዕሊ 15 ሽሕ እስራኤላውያን እቲ ኲናት ደው ክብልን ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ንዝቐረበሉ እማመ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተቐቢሉ ግዳያት ጅሆ ከምዝፍትሑ ክገብርን ንምጽዋዕ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣስታት 20 ካብቶም ኣብ ትሕቲ ሓማስ ዝርከቡ 48 ግዳያት ጅሆ ብህይወት ከምዘለዉ ይንገር።
እቲ ኲናት ብ7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣስታት 1,200 እስራኤላውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 64,368 ፍልስጤማውያን ብደብዳባት ሓይልታት እስራኤል ከምዝሞቱ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







