ፍሉጥ ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል፡ ተሸላሚ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2023 ኰይኑ

ኣቶ ካሳሁን ቸኮል

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrea

ፐን ኤርትራ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣብ 18 መስከረም ዝህቦ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ፍሉጥ ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮል፡ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ኰይኑ ከም ዝተረቝሐ፡ እቲ ትካል ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ብወግዒ ሓቢሩ።

መስራትን ወናኒን ኣሕተምቲ ትካላት፡ ኣፍሪቃ ዎርልድ ፕረስን፡ ረድ-ሲ ፕረስን ዝዀነ ካሳሁን ቸኮል ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዐ፡ ቀሪቦም ንዝነበሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝነጥፉን፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ምድራኽን፡ ኣብ ምዕባለ ስነጥበብ ብዝጸንሖም ውህሉል ኣበርክቶን፡ ንሽልማት ይብቕዑ እዮም ንዝተባህሉ ካልኦት ሸውዓተ ሕጹያት በሊጹ እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።

ካብ ኮሚቴ ምዕዳል ሽልማት ፐን ኤርትራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ነዚ ውሳነ’ዚ ንምብጻሕ፡ ሰፊሕ ዳህሳስ፡ ዘተን ክትዕን ኣብ ዙርያ ኣበርክቶ ኵሎም ሕጹያት ተሸለምቲ ተኻይዱ እዩ።

እታ ኮሜቴ፡ ንሕጹያት ብነጥቢ ንምፍላይ፡ ኣበርክቶ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ስነጥበብ፡ ጐስጓስ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ኣገዳስነትን ጽልዋን ስነጽሑፋዊ ስርሓት፡ ትብዓትን ንምግላጽ ሓሳባት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝብል ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት ከምዘተኰረት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኮሚቴ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023፡ ነቲ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ዝበዝሕ ካብ ዕድመኡ፡ ዕድል ንዘይረኸቡ፡ ክዕበሱ ዝተደልዩን ድምጺታት፡ ባይታን ሰማዕን ንኽረኽቡ ብመገዲ ሕትመት ኣብ ኤርትራን ኣፍሪቃን ልሉይ ኣበርክቶ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን ካሳሁን ቸኮል እዚ ሽልማት ክወሃቦ ከም ዝወሰነት መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ኣስፊሩ።

ካሳሁን፡ ብመንገዲ እቲ ኣብ 1983፡ ዝጀመሮ ስርሓት ሕትመት፡ ንኣዝዩ ብዙሕ፡ ዝተጓዕጸጸን፡ ክዕበስ ዝተደልየን ድምጽታት ፈንጢሱ ንኽወጽእን ንኽስማዕን ኣኽኢሉ’ዩ።

ንቓልስታት መሰል ጸለምቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ስደትን ዘነቓቕሑ መጻሕፍትን መጽሔታትን ኣፍርዩን ድርኺት ፈጢሩን።

ንቛንቋ፡ ስነጽሑፍ፡ መበቈላዊ እምነት፡ ታሪኽን ያታን ኣህዛብ ብዋናታቱ ክምርመርን ክስነድን ናብ ተጠቀምቲ ከም ዝበጽሕን ገይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ 20 ቋንቋታት ዝተሓትሙ ልዕሊ 3500 መጻሕፍቲ ዘፍረየ፡ ካሳሁን፡ በዚ መጻሕፍቲ’ዚ ኣቢሉ፡ ብፍላይ ኣፍሪቃዊ ታሪኽ፡ መበቈላዊ ሃይማኖታት፡ ስነጽሑፍን ስነ ጥበብን፡ ታሪኽ ጸለምቲ ተቓለስትን፡ ብፍሉይ ኣተኲሮ ንኽድህሰስን፡ ኣቓልቦ ንኽረክብን ሰፊሕ ባይታ ፈጢሩ።

ብዘይካ’ዚ ኣቶ ካሳሁን፡ ኣብቲ ብ ጥሪ 2000 ኣብ ኣስመራ፡ ኣንጻር ኲሉ መሰናኽላት (Against All Odds) ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዋዕላ “ቋንቋታትን ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ” ካብ ቀንዲ ኣካየድቲ ብምዃን ተሳቲፉ።

ሓደ ካብቶም ነቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ብምሉእ እንትናኦም፡ ክንዲ ዝከኣሎም፡ ዝጸዓቱ እውን እዩ ነይሩ።

ንሱ ሓደ ካብቶም ከተምቲ፡ “በርሊን ማኒፈስቶ” ዝፍለጥ፡ ንፖለቲካዊ ሓርነት ኣብ ኤርትራ ሕቶ ዘልዓለ ሰነድ ዘቕረቡ ብ” G-13” ዝጽውዑ “ኤርትራውያን ምሁራት” እዩ።

ካሳሁን፡ ኣብቲ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ብዕትበት ዘካየዶ ንጥፈታት ሕትመት፡ ብኤርትራውያን ጸሓፍቲ፡ ከም ኣበባ ተስፋጊዮርግስ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ግርማይ ነጋሽ፡ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ቀሺ እዝራ ገብረመድህን፡ ብብዙሓት ካልኦትን ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ከምዘሕተመ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ብዘይካ’ዚ፡ ዓለምለኻውያን ጸሓፍቲ ከም ተሸለምቲ ሽልማት-ኖቤል ዝዀኑ ምብራቕ ቲሞርያዊ ሆሴ ራሞስ-ሆርታን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካህን-ደዝሞን ቱቱን፡ ውሩይ ኬንያዊ ጸሓፋይ ንጕጊ ዋ ቲዮንጎ፡ ኣመሪካውያን ሶንያ ሳንቸዝን ኖውም ቾምስኪን፡ ከምኡ’ውን ስሙይ ተመራማሪ ታሪኽ ባሲል ደይቪድሰን ዝርከብዎም ኣዝዮም ስሙያትን ተዓወትቲን ደረስቲ መጻሕፍቶም ብምሕታም ኣብ ዓለመ-ስነጽሑፍ ህያው ሓወልቲ ዘምበረ ብርቂ ናይ ስነጽሑፍ ሰብ እዩ፣ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

በዚ መሰረት ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 በቲ ኣብ ዓውዲ ሕትመትን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ብዝገብሮ ኣበርክቶ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2023 ክኸውን፡ ብኮሚቴ ፐን ኤርትራ ከምዝተመረጸ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ይሕብር።

ዓመታዊ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ፡ 1,000 ዶላር ገንዘብን ዋንጫን ሽልማት ብምሃብ ካብ 2019 ዝጀመረን ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብ 18 መስከረም 2001 ዝተገብረ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ - ናጻ ፕረስ ብሓፈሻ - ንምዝካር ተባሂሉ ዓመታዊ ኣብዚ ዕለት ክወሃብ ዝተወሰነ ሽልማት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ 2019፡ መስራትን ኣካያድን መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር ኣብ 2020፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ኣብ 2021፡ ከምኡ ከኣ ገዲም ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን ኣብ 2022 ተሸለምቲ ምዃኖም ይዝከር።

ኣቶ ካሳሁን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳኒ በርሚንግተን ብስነሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ስነ ቑጠባን ብልዑል ነጥቢ ዝተመረቐን፤ ናብ ዕዮ ሕትመት ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ኣመሪካ፡ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መክሲኮ ኣብ ሞያ ምምህርና ከም ዝሰርሐ ታሪኽ ሂወቱ ይነግር።

ኣቶ ካሳሁን ኣብቲ ካብ ዕለት 7-8 ጥቅምቲ ብ ኣንትወፕ-በልጁም ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራ ብኣካል ብምርካብ ሽልማቱ ክቕበል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፐን ኤርትራ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2014፡ ኣብ መበል 80 ኣህጕራዊ ዋዕላ ፐን - ዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመስረተ ትካል ኰይኑ፡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ምዕባለ ስነጽሑፍ ኤርትራን ኣተኵሩ ዝሰርሕ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ድማ ኣብ ደገ ስለዝተመስረተ፡ "ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት" ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ሰፊሩ'ሎ።