እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ ጽዑቕ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ልዕሊ 20 ሰባት ሞይቶም
ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብውሕዱ 21 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 70 ሰባት ድማ ቆሲሎም ክብል ማሕበር ሓካይም ሓቢሩ።
መርበብ ሓካይም ሱዳን፡ እቲ ብሰንበት ኣብ ከተማ ሰናር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ - ዳዕመሰሪዕ - ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ህልቂት" ሰላማውያን ሰባት ክብል ኮኒኑዎ።
ሰራዊት ሱዳን ንሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ኣህጉራዊ ሓይሊ ንምልኣኽ ብክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ድሕሪ ምንጻጉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍን፡ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝለዓል ንነጀው ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ ገዛኦም ተመዛቢሎም ከምዘለዉን እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ኰይኑ ምህላዉን ይፍለጥ።
ብመንጐኝነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተኻየዱ ሓያሎ ዙርያታት ዝርርብ ሰላም ነቲ ግጭት ደው ከብሉ ኣይከኣሉን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ንመብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ መብዛሕትኡ ክፍለ ግዝኣት ኮርዶፋንን መብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉርን ዝተቘጻጸሮ ኰይኑ ዓመጽ ደቀንስትዮ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ከምዘሎ ይኽሰስ።
እቲ ሓይሊ ንህዝቢ ማሳሊትን ካልኦት ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባትን ዒላማ ብምግባር ኣብ ወፍሪ ምጽጻይ ዓሌታት ይኽሰስ።
ንከተማ ሰናር ካብ ሰራዊት ሱዳን ክምንዝዕ ግን ኣይከኣለን ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ንኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝቐረበን ሰፊሕ ሕርሻዊ ምህርቲ ዝሕፈሶን፡ ብስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ ድማ ዕዙዝ ከምዝዀነ ብፖለቲካዊ ተንተንቲ ዝንገረሉ ሰፊሕ ግዝኣት ሰናር ተቘጻጺርዎ።
ሰራዊት ሱዳን ይዅን ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግፍዒ ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ሕቡራት ሃገራት ብኽልቲኡ ወገናት ዝተፈጸመ ተግባራት "ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኸውን ከምዝኽእል" ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እዚ ድማ ትማሊ ሰንበት በቲ ንሓላፊ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን እሙን ዝዀነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሕርቃን ነጺግዎ’ዩ።
"መንግስቲ ሱዳን ነቲ ለበዋታት ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ብምሉኡ ይነጽጎ" ብምባል፡ ነቲ ብድሕሪ እቲ ተልእኾ ሓቅታት ዝምርምር ዘሎ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት "ፖለቲካውን ዘይሕጋውን ኣካል" ኢልዎ።
ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ኣብ ዳርፉር ዝተገብረ እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደስቲ ኣጽዋር ናብ ኢድ ተዋጋእቲ ውድባት ሱዳን ካብ ምእታው ደው ከምዘይበለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።
እቲ ጕጅለ ጐስጓስ፡ ተዋጋእቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረኸብወን ዕጡቓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ብጸረ ታንክ ዝምራሕ ሚሳይላት፡ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝተሰቕላ ሮኬት ዝወንጨፋን ካልእን ይጥቀሙ ከምዘለዉን ዘረጋግጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከምዝረኣየ ይገልጽ።
መበቆሎም ድማ ካብ ቻይና፡ ኢራን፡ ሩስያ፡ ሰርብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከምዝዀነ ጠቒሱ።
ኣብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሱዳን ንምቍጽጻር ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ሰራዊት ሱዳን ንግብጽን ስዑዲ ዓረብን ከም ደገፍቱ ክቘጽር እንከሎ፡ ኢማራት ድማ ደጋፊት ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ከምዝዀነት ይንገር። እንተዀነ ኢማራት ሓቂ ከምዘይኰነ እያ እትገልጽ።
ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ -ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ካብቲ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኰኑ ማሕበረሰባት ብህልቂት ዝተኸሰሰ ምልሻ ጃንጃዊድ ዝወጸ እዩ።