እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ቻርለስ ካብ ስድራ ኦሳማ ቢን ላደን 1 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተቐበለ ተቓሊዑ
ልኡል ቻርለስ ናይ ዌልስ ካብ ስድራቤት ኦሳማ ቢንላደን 1 ሚልዮን ፖውንድ ከምዝተቐበለ ጸብጻብ ሳንደይ ታይምስ ኣቃሊዑ።
ልኡል ቻርለስ፡ መራሒ ኣልቓዒዳ ነበር ኦሳማ ቢንላደን ድሕሪ ምቕታሉ ነቲ ገንዘብ ኣብ 2013 ካብ ክልተ ኣሕዋቱ ከምዝተቐበሎ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር።
እዚ ገንዘብ'ዚ፡ ልኡል ቻርለስ ናብ ዝመስረቶ ‘ፕሪንስ ኦፍ ዌልስ ቻሪተብለ ፉንድ’[PWCF] ዝበሃል ትካል ግብረ ሰናይ ኣታዊ ዝተገብረ ምዃኑ ኸኣ ብተወሳኺ ተገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ልዑል፡ እዚ ገንዘብ'ዚ በቶም ነቲ ትካል ብሓደራ ዘመሓድርዎ ዝነበሩ ብዝተዋህበ ትእዛዝ፡ PWCF ከምዝተቐበሎ ከረጋግጽ ከምዝኽኣለ ገሊጹ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ሰልዲ ምስ ዝዀነ ካልእ ነገር ኣተኣሳሲርካ ምግላጽ ሓሶት’ዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጋዜጣ ዝንቡዕ ነገራት ወጺኡ ምህላዉ’ውን ኣብሪሁ።
ቢንላደን ካብ ብጽሒት ስድራኡ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 1994 ከምዝተሰረዘ ብምግላጽ፡ እቶም ክልተ ኣሕዋቱ ምስኡ ዝዀነ ርክብ ከምዘለዎም ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ልኡል ቻርለስ፡ ም ባክር ቢን ላደን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡል ምስ ተራኸቡ፡ ነቲ ሰልዲ ካብቲ ንሃብቲ እቶም ሃብታማት ስዑዳውያን ዘመሓድር ባኪር ቢን ላደንን ሓዉ ሻፊቕ ቢን ላደንን ከምዝተቐበሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ዋላ'ኳ ካብ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡልን ካብ PWCF ነቲ ሰልዲ ንዘይምቕባል ተቓውሞታት እንተነበረ፡ እቲ ሰልዲ ግን ልኡል ቻርለስ ከምዝተቐበሎ ሳንደይ ታይምስ ብዙሓት ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊዑ።
እንተዀነ ኣቦ ወንበር PWCF ሰር ኣን ቸሳር ንሳንደይ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብ 2013 ኣታዊ ዝዀነ ገንዘብ “እኸል ጥንቃቐታት ተገይርሉ” እቶም ሓሙሽተ ብሓደራ ኣብቲ እዋን ነቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ዘመሓድሩ ሰባት ተሰማሚዖም ዝተቐበልዎ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
ሰር ኣን ቸሳር መንግስቲ ከይተረፈ ተሓቲቱ ብግቡእ ተሓሲብሉ ኣታዊ ከምዝተገበረ ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ “ነቲ ገንዘብ ንምቕባል ተሓሲብሉ፡ እቶም ሓሙሽተ ብሓደራ ኣብቲ እዋን ነቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሰባት ዘትዮምን ሓቲቶምን ዝተቐበልዎ’ዩ፡ ስለዚ ነዚ ምስ ካልእ ነገር ምትእስሳሩ ዘይቅኑዕ’ዩ” ኢሉ።
ጋዜጤኛ ቢቢሲ ጆኒ ድያሞንድ፡ ኣብቲ እዋን ዋላ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ተሓቲቱ፡ PWCF ነቲ ሰልዲ ክቕበልዎ ከምዝኽእሉ ከምዝተሓበሮም ብምግላጽ፡ ዝተጠሓሰ ሕጊ ኣይነበረን ይብል።
ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡል ካብ ዝርከቡ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ “ሓጢኣት ኦሳማ ቢን ላደን፡ ንኻልኦት ኣባላት እቲ ስድራ ግብረ ሰናይ ካብ ምግባር ክዕንቕፎም የብሉን” ዝብል’ዩ።
ማዕረ ማዕረኡ ልኡል ቻርለስን ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡን ካብ ኣሕዋት ቢን ላደን ሰልዲ ክቕበሉ ነይርዎም ዶ? ወይስ ክሳብ ሰብ ዘይፈለጠ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም’ዮም ሓሲቦም? ዝብል ሕቶ’ውን ይልዓል’ዩ።
መራሒ ኣልቓዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን፡ ሓደ ካብቶም ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝድለዩ ዝነበሩ ዕሉላት ግብረ ሽበራውያን እዩ።
ንሱ ነቲ 11 መስከረከም 2011 ኣብ ማናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝተፈጸመ 67 ብሪጣንያውያን ዝርከብዎም ኣስታት 3000 ሰባት ዝሞትሉ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ኦሳማ ቢል ላደን ኣብ 2011’ዩ ብወተሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሉ።
ቢቢሲ ካብ PWCF ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ቢን ላደን ዝብል ስም ኣብ ታሪኽ ብጽቡቕ ዘይልዓልን ምቹእነት ዘይፈጥርን’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ናቱ ሓጢኣት ናብቶም ኣብቲ ዞባ ዓቢ ዝና ዘለዎም ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ክሰጋገር የብሉን” ይብል።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሰልዲ ክውፈ እንከሎ፡ ንምቕባሉ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ከይተረፈ ተቐበልዎ ዝብል ምኽሪ ከምዝሃበ የብርህ።
እቲ ብልዑል ቻርለስ ዝተመስረተ ትካል ግበረ ሰናይ PWCF ምስ ዝውፈየሉ ገንዘብ ተተሓሒዙ ክሕመ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ’ውን ልዑል ቻርለስ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ነበር ብጠቕላላ 2.5 ሚልዮን ፓውንድ ዝሓዘ ሰለስተ ባልጃታት ገንዘብ ከምዝተቐበለ ጸበጻባት ወጺኦም ነይሮም’ዮም።
ቤት ጽሕፈት እቲ ልዑል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ግዜኡ ዝሃቦ ቓል እቲ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ዝተወፈየ ገንዘብ፡ ኵሉ መስርሓት ሓሊፉ ናብ ሓንቲ ካብተን ብልዑል ቻርለስ ዝተመስረተት ትካል ግብረ ሰናይ ኣታዊ ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ ኮሚሽን እቲ ግብረ ሰናይ ብዛዕባ እቲ ሰልዲ ዝዀነ ምጽራይን መርመራን ከይግበር ውሳነ ከምዘሕለፈ ይዝከር።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ እቲ ቢን ላደን ዝብል ስም ንሚልዮናት ስዑዳውያን ቅር ዘየብል ስም ክኸውን እንከሎ፡ ምዕራባውያንን ዝበዝሐ ክፋል ዓለምን ነቲ ሽም ምስቲ ኣብ 11 መስከረም 2011 ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘተኣሳስርዎ ይገልጽ።
ኣብ ስዑድያ እዚ ሽም እዚ ነቲ ኣብ ጂዳ ዝመደበሩ ካብ ነዳዲ ብዝረኸቦ ኣታዊታት ዝተፈላለየ መሳጊድ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣባይቲ ልኡላውያን ቤተሰብን መዊሉ ዝሃንጽ ትካል ህንጻ’ዩ ዘዘኻኽሮም።
ስድራቤት ቢን ላደን ቀንዲ መበቈሎም ካብ ስዑድያ ኣይኰነን፣ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን’ዮም ካብ ደቡብ የመን ናብ ስዑድያ ኣትዮም።
ኣብ ጅዳን ካበቢኣን ከኣ ንሕና ዝበሉ ሃብታማት ስድራ ክዀኑ በቒዖም።
ኦሳማ ቢን ላደን ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ስዑድያ ዓብላሊ ዝዀነ ሃብቲ ካብ ዝመስረቱ ኣባለት እቲ ስድራ ኰይኑ፡ ኣብ 1980ታት ነቶም ኣንጻር ሶቭየት ሕብረት ዝቃለሱ ዝነበሩ እስላማውያን ጕጅለትተ ንምሕጋዝ ኣብ ኣፍጋኒስታን’ዩ ዝነብር ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣንጻር ሕብረት ሶቭየት ዝቃለሱ ዝነበሩ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካን [CIA] ፓኪስታንን ኰይኑ’ዩ ዝቃለስ ነይሩ።
እንተዀነ ኣብ 1990ታት ሕሉፍ እስላማዊ ስለዝዀነ ኣብ 1994 ስድራኡ ካብቲ ብጽሒት ናይ ሃብቶም ከምዝሰረዝዎ ይግለጽ።
ብድሕሪ’ዚ ኦሳማ ቢን ላደን ናብ ሱዳን እዩ ከይዱ፡ ጸኒሑ ኸኣ ክሳብ ሕልፈቱ ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ኣፍጋኒስታን’ዩ ነቢርዎ።