ብምትካል ኣካላት ዘልኣለማዊ ምዃን ይከኣል ድዩ፡ ሺን ፑቲንን ዝፈለጡዎ እንታይ ይኸውን?

ብሓገዝ ምትካል ኣካላት ዘልኣለማዊ ምዃን ይከኣል ድዩ? እዚ ዛዕባ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ በይጅን ኣብ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ዘካየዱዎ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ወግዖም እዩ ነይሩ።

ብቛንቋ ማደሪን ዝዛረብ ሓደ ተርጓሚ ንወግዒ ሺ፡ ሓደ ሰብ ንኽንእስ ብዙሕ ግዜ ኣካላት ደቂ-ሰብ ከትክልን ዋላ ንዝተወሰነ እዋን ይዅን ንእርጋን ክከላኸል ከም ዝኽእልን ክብል ንፑቲን ተርጒምሉ።

"ኣብዚ ክፍለ ዘመን'ዚ ክሳዕ 150 ዓመታት ምንባር ከም ዝከኣል ተገሚቱ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ፍሽኽታኦምን ሰሓቖምን ቀሊል ዋዛ ይመስል ነበረ፣ እንተዀነ፡ ገለ ዝፈልጡዎስ ይህሉዎም ይኸውን እዩ።

ምትካል ኣካላት ብርግጽ ህይወት የድሕን እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ልዕሊ 100,000 ሰባት ከም ዝደሓኑ ትካል ደምን ምትካል ኣካላትን ኤንኤችኤስ ይገልጽ።

ከምኡ'ውን ኣብ ሕክምናን ቴክኖሎጅን ዝረአ ዘሎ ቀጻሊ ምዕባለታት፡ ዝተተኽሉ ኣካላት ኣብ ሰባት ንነዊሕ ግዜ ይጸንሑ ማለት እዩ።

ገለ ሕሙማት ንልዕሊ 50 ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ምትካል ኵሊት ተገይሩሎም እዩ።

ሓደ ኣካል ዝጸንሓሉ ግዜ ኣብ ጥዕና ናይቲ ለጋስን ተቐባሊን ይምርኰስ፣ ከምኡ'ውን እቲ ዝገብሩዎ ክንክን ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ።

ንኣብነት፡ ካብ ብህይወት ዘሎ ለጋሲ ኵሊት ዝተረኽበ እንተዀይኑ፡ ካብ 20 ክሳዕ 25 ዓመት ክጸንሕ ይኽእል።

ካብ ዝሞተ ለጋሲ ዝተረኽበ ኵሊት ድማ ካብ 15 ክሳዕ 20 ዓመት ክጸንሕ ይኽእል።

ዓይነት እቲ ኣካል'ውን ይጸልዎ እዩ።

ጸላም ከብዲ ኣስታት 20 ዓመት፡ ልቢ 15 ዓመት፡ ሳንቡእ ድማ ኣስታት 10 ዓመት ክጸንሓ ከም ዝኽእላ ኣብ ጆርናል ኦፍ ሜዲካል ኢኮኖሚክስ ዝተሓትመ መጽናዕቲ ይሕብር።

ትኬት ናብ ዘልኣለማዊ ህይወት

ፑቲንን ሺን ብዛዕባ ብዙሕ ኣካላት ምቕያርን እናሻዕ ምትካልን ይዘራረቡ ነይሮም ይዀኑ።

መብጣሕቲ ምግባር ግን ዓቢይ ዕማም እዩ፣ ርኡይ ሓደጋታት ኣለዎ። ኣብ ነፍሲወከፍ ኣብ ትሕቲ ካራ ኣብ እትኣትወሉ እዋን ናብ ሞት ኢኻ ተቋምት።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሓድሽ ኣካል ዝረኽቡ ሰባት'ውን ንምሉእ ህይወቶም ኢሚዩኖሱፕረሰንት ዝበሃሉ ሓያላት ጸረ-ምንጻግ መድሃኒታት ክወስዱ ኣለዎም። እዚኦም ከም ልዑል ጸቕጢ ደም ዝኣመሰሉ ጐድናዊ ሳዕቤናት ክህሉዎምን ሓደጋ ረኽሲ ክውስኹን ይኽእሉ።

ምንጻግ - ስርዓተ ምክልኻልካ ነቲ ዝተተኽለ ኣካል ካብ ካልእ ሰብ ከም ዝመጽአ ስለ ዘለለዮ ከጥቅዖ ምስ ዝጅምር - ሓድሓደ ግዜ ዋላ መድሃኒት ውሰድ ደኣ'ምበር ገና ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ምሳኻ ዝሰማማዕ ኣካላት

ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ሓሰማታት ከም ለገስቲ ብምጥቃም፡ ከይተነጸጉ ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣካላት ንምስራሕ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ገለ ካብ ጂናት ሓሰማ ብምእላይን ዝተወሰኑ ጂናት ደቂ-ሰብ ብምውሳኽን CRISPR ዝበሃል መሳርሒ ጂን ይጥቀሙ።

ገለ ክኢላታት፡ ኣካላት ሓሰማ ክንዲ ናይ ሰባት ዝኸውን ስፍሓት ስለ ዘለዎም፡ ፍሉያት ሓሰማታት ንምርባሕ ምቹእ ምዃኑ ይዛረቡ።

እቲ ስራሕ ገና ኣብ ደረጃ ፈተነ ዘሎ ኰይኑ፡ መብጣሕቲ ልብን ኵሊትን ግን ተኻይዶም ኣለዉ።

እቶም ብኸምዚ ኣገባብ ክትከለሎም ዝተሰማምዑ ሰባት፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓውዲ'ዚ ፈወንቲ እዮም ነይሮም።

እቶም ሰባት ብድሕሪኡ እኳ እንተ ሞቱ፡ ህያዋን ዋህዮታት፡ ቲሹታት ወይ ኣካላት ካብ ሓደ ዓይነት ናብ ካልእ ንምግዓዝ ዘኽእል ኣገባብ ንምምዕባል ግን ሓጊዞም እዮም።

ካልእ ዝድህሰስ ዘሎ መንገዲ ድማ ናይ ገዛእ-ርእስና ዋህዮታት ተጠቒምና ፍጹም ሓደስቲ ዝዀኑ ኣካላት ምዕባይ እዩ።

ዋህዮታት መበቈል ናይ ዝዀነ ዓይነት ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ዋህዮ ወይ ቲሹ ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ኣለዎም።

ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ዝሰርሕን ዝትከልን ኣካላት ደቂ-ሰብ ክሰርሕ ዝኸኣለ ጕጅለ መጽናዕቲ የሎን፣ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ግን ናብኡ ገጾም እናቐረቡ እዮም።

ኣብ ታሕሳስ 2020፡ ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዩሲኤልን ኢንስቲትዩት ፍራንሲስ ክሪክን፡ ንዋህዮታት መበቈል ሰብን ብባዮኢንጅነር ዝተሰርሐ ስካፎልድን ተጠቒሞም፡ ንሓደ ጢሙስ ናይ ሰብ (ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣገዳሲ ኣካል) ዳግማይ ተኺሎም። ጢሙስ ኣብ ዓጻማት እንስሳታት ትሕቲ ክሳድ ዝርከብ ጽኪ እዩ።

እዚ ኣገባባብ ምትካል ኣካላት'ዚ ኣብ ኣናጹ ምስ ተፈተነ ዝሰርሕ ይመስል።

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት'ውን፡ ካብ ቲሹ ሕሙማት ዝወጽእ ዋህዮታት ተጠቒሞም ናይ ሰብ መዓንጣ ንምትካል ዘኽእል ከም ዘማዕበሉን እዚ ድማ ሓደ መዓልቲ ምቍራጽ ዕማም መዓንጣ ዘጓነፎም ህጻናትን ቈልዑን ናብ ክትከለሎም ዘኽእል መንገዲ ክመርሕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

እዚ ምዕባለታት'ዚ ሕማም ንምፍዋስ እምበር፡ ሰባት ክሳዕ 150 ዓመት ብህይወት ንምጽናሕ ዝዓለመ ኣይኰነን።

ብዓል ዋኒን ቴክኖሎጂ ብራያን ጆንሰን፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት ሚልዮናት ገንዘብ የውጽእን እርጋን ኣካላቱ ንምድንጓይን ይጽዕር ኣሎ።

ክፍለጥ ክሳዕ ዝተኻእለ ሓደስቲ ኣካላት ክረክብ ኣይፈተነን ኣሎ፣ እንተዀነ፡ ካብቲ ወዲ 17 ዓመት ወዱ ዝተወስደ ፕላዝማ ንነብሱ ሂቡዋ እዩ።

ዝዀነ ውጽኢት ስለ ዘይረኣየሉን ካብ ትካላት መግብን መድሃኒታትን ሕክምናዊ ክትትል ምስ በዝሖን ደው ኣቢሉዎ።

ዶክተር ጁልያን ሙትዝ ካብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ክንዮ ምትካል ኣካላት፡ ካልኦት ከም ምትካእ ፕላዝማ ዝኣመሰሉ ሓሳባት'ውን ይጽናዕ ከም ዘሎን ገና ኣብ ፈተነታት ከም ዝርከብን ይዛረብ።

"እዞም ስትራተጅታት ንዕድመ - ብፍላይ ድማ ነቲ ዝለዓለ ዕድመ - ከናውሑዎ ድዮም ኣይኰኑን ገና ርግጸኛ ኣይኰነን፡" ይብል።

ኣብ ኢንስቲትዩት ሮዝሊን ክኢላ ኢሚኖሎጂ ፕሮፌሰር ኒል ማቦት፡ ክሳዕ 125 ዓመት ምንባር እቲ ላዕለዋይ ደረት ክኸውን ከም ዝኽእል ይሓስብ።

ንሱ ጂን ካልመንት ዝተባህለት ፈረንሳዊት ጓል ኣንስተይቲ ክሳዕ 122 (1875–1997) ብህይወት ከም ዝጸንሐት ይሕብር።

ከምኡ'ውን ዝተበላሸዉ ወይ ዝሓመሙ ኣካላት ክቕየሩ ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ እርጋን ግን ተጻዋርነት ከም ዘጕድልን ኣካላትና ንኣካላዊ ጸቕጢ ከም ዘይጻወርን ይገብሮ።

ቀጺሉ፡ ኣካላት ንምቕያር ዝካየድ መብጣሕቲ ዝፈጥሮ ጸቕጢን ሕማማት ንምክልኻል ዝውሰድ ቀጻሊ መድሓኒታት ዘስዕቦ ጸቕጥን ንኣረጋውያን ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኸውን ይገልጽ።

ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ካብ ምትኳር፡ መቐረት ዘለዎ ህይወት ንምምራሕ ምትኳር ይግባእ ይብል።

ፕሮፌሰር ማቦት፡ "ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገማት እናሃለወካን ኣካላት ንምቕያር ናብ ሕክምና እናተመላለስካን ንነዊሕ ዕድመ ምንባር፡ ጽቡቕ ናይ ጥሮታ ግዜ ኣይኰነን፡" ይብል።