እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ፀለምቲ ኣመሪካውያን ዝተሰዱ መልእኽታት ስለምንታይ ሻቕሎት ፈጢሮም?
ፈደራላዊ ቢሮ ምርመራ ኣመሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ መላእ እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ጸለምቲ ሰባት ኣብ ዝለኣኹ ዘለዉ ዓሌታዊ መልእኽትታት ጽሑፍ መርመራ ከፊቱ።
እቲ ናብ ጸለምቲ ጥራይ ዝተለኣኸ መልእኽትታት ጽሑፍ ከምቲ ኣብ ዘመነ ባርነት ዝነበረ "ናብ ግራት ከይዶም ጡጥ ጓይቶቶም ከቕርቡ" ዝጠቅስ’ዩ።
ጸለምቲ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ዝርከብዎም ጸለምቲ ነበርቲ ግዝኣታት ኣላባማ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ቨርጂንያ፡ ኒውዮርክን ፔንሲልቨንያን እቲ መልእኽቲ ጽሑፍ በጺሕዎም ኣሎ ተባሂሉ።
"ኤፍ.ቢ.ኣይ ብዛዕባ’ቲ ናብ ነበርቲ ዝለኣኽ ኣጸያፍን ዓሌታውን መልእኽቲ ይፈልጥ'ዩ። ኣብዚ ጉዳይ ምስ ክፍሊ ፍትሕን ካልኦት ሰበስልጣን ፈደራልን ይመክር ኣሎ" ይብል እቲ ቢሮ ምርመራ።
እቶም መልእኽትታት ድሕሪ ሃገራዊ መረጻ ኣመሪካ ክለኣኹ ከምዝጀመሩ ይዝረብ። ገለ ካብቲ መልእኽትታት ንጕጅለ ጐስጓስ ትራምፕ ዝጠቅስ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ግን ዝዀነ ርክብ የብለይን ብምባል ነጺግዎ።
ወሃቢ ቃል ጕግለ ጐስጓስ ትራምፕ ስቲቨን ቸንግ፡ "ጕጅለና ምስዞም ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ዝዀነ ርክብ የብሉን" ኢሉ።
ምንጪ ናይቶም መልእኽትታትን ጠቕላላ ብዝሒ ዝተላእኩ መልእኽትታትን ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ሓንቲ ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና እትነብር ኣደ ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ዝዀነት ጓላ ዝበጽሐ መልእኽቲ ጽሑፍ ናብ ቢቢሲ ሰዲዳ።
እታ ጓላ "ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝርከብ መሬት ሕርሻ ባርያ ክትኸውን ከምዝተመርጸት፡ ብጻዕዳ ሚኒባስ መኪና ከምእትውሰድን ኣብኡ ምስ በጽሐት ድማ ጽኑዕ ፍተሻ ከምዝግበረላን” ዝገልጽ መልእኽቲ እዩ በጺሕዋ።
እታ ንድሕነታ ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት ኣደ፡ እቲ መልእኽቲ ዘሰንብድን ስምዒት "ግዳይነት" ዝፈጠረላ ምዃኑን ሓቢራ።
ሃይሊ ዌልች ዝተበሃለት ሓንቲ ተምሃሪት ብወገና ንጋዜጣ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንዓኣ ሓዊሱ ሓያሎ ጸለምቲ ተምሃሮ እቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከም ዝበጽሖም ገሊጻ።
“ኣብ መጀመርታ ዋዛ መሲሉኒ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ብዙሓት እዚ መልእኽቲ ይመጽኦም ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከካፍሉ ጀሚሮም። ኣዝዩ ኣሳቒሉኒ፤ እንታይ ይፍጠር ምህላዉ ስለዘይፈለጥኩ ፈሪሐ" ክትብል ንጋዜጣ ክሪምሰን ዋይት ተዛሪባ።
ኣብቶም ዝተልኣኹ ጽሑፋት ዝነበረ ቃላትን መግለጺታትን ዝተፈላለየ'ኳ እንተነበረ፡ ብሓፈሻኡ ግን ጸለምቲ ናብ ግራውቲ ንምኻድ ክምዝገቡ፡ ብመካይን ንኽብገሱ ድልዋት ክዀኑን ንጉልበት ባርነትን ዘመልክቱ እዮም።
እቶም መልእኽትታት ብውሑዱ ካብ 25 ዝተፈላለያ ግዝኣታት ከምዝተላእኩ፡ ብከባቢያዊ መፍለዪ ቁጽሪ (ኮድ ከባቢ) ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።