ናይ መወዳእታ መርከብ ባሮት ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ማይ ክትጸንሕ ኣለዋ ተባሂሉ

ስብርባር ናይታ ናይ መወዳእታ ምንባራ እትፍለጥ ባሮት ትጽዕን ዝነበረት መርከብ ኣመሪካ ከም መዘከርታ ኣብ ትሕቲ ማይ ክጸንሕ ከም ዘለዎ ተመራመርቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን ገሊጾም።

ክሎቲልዳ፡ ካብ ኣፍሪቃ 110 ባሮት ንምስግጋር ከምዘገልገለት መርትዖ ንምሕባእ ኣብ 1860 ኮነ ተባሂሉ ክትጥሕል ድሕሪ ምግባር፡ ድሕሪ 159 ዓመታት (ኣብ 2019) ዳግማይ ኣብ ሩባ ኣላባማ ተረኺባ።

500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ እቲ ስብርባር ኣዝዩ ዓንዩን ተበላሽዩን ብምህላዉ ንምውጽኡ ስለዘጸግም ከም መዘከርታ ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ከምዘለዎ ደምዲሙ’ሎ።

እቲ ብኮሚሽን ታሪኽ ኣላባማ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ተመራመርቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን፡ ስብርባር ናይታ መርከብ ኣብቲ ሩባ ምጽንሑ "ሓላፍነትታውን ጉድኣት ዘየስዕብን" ውጥን ምዃኑ ገሊጹ።

ብዝተገበረ መርመራ፡ እታ መርከብ ብሰንኪ ኮነ ተባሂሉ ዝወረዳ ዕንወትን ጽንኩር ኵነታት ኣየርን ከም ምብስባስ፡ ምስብባር ዕንጸይትን ካልእ ጸገማትን ከምዘጋጠማ ተረጋጊጹ።

ተመራማሪት ስነ-ጥንቲ እታ ግዝኣት ዝዀነት ስታሲ ሃቶርን፡ መርከብ ክሎቲልዳ "ዓብዪ ታሪኽ እኳ እንተዓቀበት ኣካላ ግን ብሰንኪ ምጥሓልን "ስዒቡ ዝመጽእ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጽልዋታት" ኣዝዩ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣፍሊጣ።

ብዝሓሸ መገዲ ንምዕቃብ ዘኽእል ኣማራጺታት ድማ ይቐርብ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ 1808 ባሮት ካብ ወጻኢ እናጸዓንካ ምምጻእ ኣጊዳ። ባርነት ከኣ ኣብ 1865 ብዕሊ ተሰሪዙ።

ኣብቲ እዋን ምጕዕዓዝ ባሮት ካብ መርከብ ክሎቲልዳ ዝደሓኑ ሰባት ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ ነጻ ወጺኦም። 32 ካብኣቶም ድማ ኣብ ጥቓ'ታ መርከብ ዝተረኽበትላ ከተማ መሬት ዓዲጐም ክነብሩ ብምጅማሮም እቲ ከባቢ ‘ኣፍሪቃ-ታውን’ ብዝብል ይጽዋዕ።

ውሱናት ደቅን ደቂ ደቅን ናይቶም ካብ ክሎቲልዳ ዝደሓኑ ባሮት ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ ይነብሩ።

እቶም ተወለድቲ፡ ድሕሪ ምርካብ እታ መርከብ ነቲ ጉዳይ ከመይ ጌርካ ንቕድሚት ምስጓም ይከኣል ኣብ ዝብል ዛዕባ ቀንዲ ተሳተፍቲ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

ማሕበር ተወለድቲ ክሎቲልዳ [The Clotilda Descendants Association] ነታ መርከብ ብዛዕባ ምልዓል ምዝራብ ማለት “ዘስካሕክሕ ገበን ከም ምፍጻም” ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ማሕበር፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓይሊ ዕማም ተመራመርቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን ዝሃቦ ርእይቶ ምዕቃብ መርከብ ክሎቲልዳ ደው ኢሉ’ሎ።

"እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሰባት እምበር እታ መርከብ ኣይኰነን" ትብል ተወላዲት ናይ ሓደ ኣብ ክሎቲልዳ ዝተጓዕዘ ተሳፋራይ ዝዀነት ፓትሪሻ ፍሬዘር።

"ናይ ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ታሪኽ'ዩ። ሰባት ነዚ ማሕበረሰብ ንምዕቃብን ነታ መርከብ ንምዝካርን እኹል ነገር ንምግባር ክሓስቡ ኣለዎም ዝብል ግምት ኣለኒ" ክትብል’ውን ገሊጻ።