ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ህይወት 180 ሰባት ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, IOM
ካብ ጁቡቲ ስደተኛታት ጽዒነን ዝተበገሳ ጃላቡ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 180 ስደተኛታት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እተን ጃላቡ ንእለሻ ዝሓሸ ህይወት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብሓደገኛን ዘይሕጋውን መንገዲ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝጸዓና እየን ነይረን።
ኣይ-ኦ-ኤም፡ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩን ሃለዋቶም ዝተሳእነን ስደተኛታት ዜጋታት ኣየኖት ሃገራት ከም ዝዀኑ'ኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ኣሰውሸይትድ ፕረስ ግና መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ጸብጺቡ።
ከም ጸብጻብ እዚ ማዕከን ዜና፡ ካብ መንጎ እተን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ቅድሚ ምብጽሐን ዝተገልበጣ ጃላቡ፡ እታ ሓንቲ 31 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሰለስተ የመናውያን ሰራሕተኛታት ኣሳፊራ ነይራ።
በዚ ሓደገኛ መስመር ባሕሪ ንምስጋር ዝፍትኑን ቅድሚ እዚ እዋን ብዘጋጠሙ ሓደጋታት'ውን ግዳያት ካብ መንጎ ዝዀኑነን መብዛሕትኦም፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።
ወሃቢቃል ኣይ-ኦ-ኤም ታሚም ኤላይን ንኣሰውሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሓሙስ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ቅድሚ ምብጽሐን ካብ ዝተገልበጣ ጃላቡ ክልተ ሰባት ከም ዝደሓኑ ብምሕባር፡ ሃለዋት እቶም ዝተረፉ 181 ስደተኛታትን ሓሙሽተ የመናውያን ሰራሕተኛታት እታ ጃልባን ግና ከም ዝተሳእነ ሓቢሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካልኦት ክልተ ጃላቡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ተገልቢጠን ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከም ዝተረፉ እቲ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።
ኣብተን ጃላቡ ተሳፊሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ ስደተኛታት 124 ደቂተባዕትዮ፡ 57 ድማ ደቂኣንስትዮን ከም ዝዀኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመን ጃልባታት ክልተ የመናውያን ገናሕቲ ጃልባ ጥራሕ ብህይወት ከም ዝተረፉ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቶም ዝተረፉ ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት እተን ጃላቡን ግና ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣሎ።
ይዅን'ምበር፡ ናይቶም ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ዋላ ሓደ ሬሳ ኣይተረኽበን።
ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ሰበስልጣን የመን እዚ ወቕቲ ከቢድ ንፋስን ማዕበልን ዘጋጥመሉ ብምዃኑ፡ ነቲ ባሕሪ ምስጋር ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቖም'ኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሎም፡ እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።
ካብ ጁቡቲ ተበጊሶም ኣብ የመን ናብ ዝርከብ ማእከል ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ዝበጽሑ ስደተኛታት ከም ዝበልዎ፡ እቶም ኣዘዋወርቲ ደቂሰብ ኵነታት ኣየር ሓደገኛ ምዃኑ እናፈለጡ፡ ካብ ሓለዋ ባሕሪ ንምምላጥ ብዕሽሽታ ጃላቡ ክሰግራ ከም ዝገብሩ ሓቢሮም።
ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ የመን ዓብዱሳተር ኢሶኤቭ፡ "ንጹር መጠንቀቕታ ኩኵታት ኣየር እንተ ተዋህበ'ውን፡ ኣስገርቲ ብህይወት ሰብ ጠላዕ ይጻወቱ ኣለዉ። ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ህጹጽ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ፡ ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ እዚ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያን ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ኣብቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞቱ'ውን ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን።
ነዚ ከቢድ ጕዕዞ ባሕሪ ሓሊፎም ከም ዕድል ኰይኑ ናብ ስዑድ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ ኣብተን ሃገራን ግዳያት ማእሰርቲ፡ ጥቕዓትን ምዝመዛ ጕልበትን ይዀኑ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ብኣዘዋወርቲ ደቂሰብን ዕጡቓት ጕጅለታትን ተዓጊቶም ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕኢ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ከም ዝሰገሩ መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ልዕሊ 580 ደቂኣንስትዮን 100 ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሽሕን 400 ስደተኛታት ድማ ሞይቶም ወይ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







